YouVersion Logo
Search Icon

ሉቃስ 6:27-49

ሉቃስ 6:27-49 ትመ15

“ኣነ ግና ንኣኻትኩም ንእትሰምዑኒ እብለኩም ኣለኹ፦ ፀላእትኹም ፍተዉ፤ ንዝፀልኡኹም ድማ ፅቡቕ ግበሩ። ንዝረግሙኹም መርቑ፤ ምእንቲ እቶም ዝብድሉኹም ፀልዩ። መትልሕኻ ንዝፀፍዐካ፥ እታ ኻልአይታውን ኣዙረሉ፤ ነፀላኻ ንዘሕደገካ፥ እጀ ጠባብካውን ኣይትኽልኣዮ። ንዝለመነካ ሃብ፤ ገንዘብካ ንዝወሰደውን፥ ምለሰለይ ኣይትበሎ። ከምቲ ሰባት ክገብሩልኩም እትደልይዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም። “ንዝፈትዉኹም ጥራሕ እንተ ፈተኹም ደኣ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ሓጥኣንውን ንዝፈትውዎምስ ይፈትዉ እዮም። ሰናይ ንዝገብሩልኩም ጥራሕ፥ ሰናይ እንተ ገበርኩምከ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ከምኡስ ሓጥኣንውን ይገብሩ እዮም። ክፈድየኩም ንትፅበይዎ እንተ ኣለቃሕኹምከ፥ እንታይ ዓስቢ ኣለኩም? ሓጥኣንውን ንሓጥኣን፥ ክንድቲ ዘለቅሕዎም ክፍደዩ የለቅሕዎም እዮም። ንስኻትኩም ግና ፀላእትኹም ኣፍቅሩ፤ ሰናይውን ግበሩ፤ ክትፍደዩ እንተይተፀበኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን፥ ንሕሱማትን ርህሩህ እዩ እሞ፥ ዓስብኹም ብዙሕ ክኸውን እዩ፤ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኮኑ ኢኹም። ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ርህሩህ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን ርህሩሃት ኩኑ። “ኣይትፍረዱ፤ ኣይትፍረዱን ኢኹም፤ ኣይትዀንኑ፤ ኣይትዅነኑን ድማ ኢኹም፤ ይቕረ በሉ፤ ይቕረ ኽትበሃሉ ኢኹም። ሃቡ፤ ክወሃበኩም እዩ፤ በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ፥ ክስፈረልኩም እዩ፤ ብፅቡቕ መስፈሪ ዝመልአ፥ ዝተፀቐጠ፥ ዝተነነወ፥ ሕልፍን ትርፍን ዝኾነ፥ ኣብ ሕቝፍኹም ክወሃበኩም እዩ።” መሊሱውን ብምስላ ኸምዙይ በሎም፦ “ዕዉርዶ ንዕዉር ክመርሖ ይኽእል እዩ? ክልቲኦምከ ኣብ ጕድጓድ ኣይወድቁን ድዮም? ተምሃራይ ካብ መምህሩ ኣይበልፅን፤ ኵሉ ተምሂሩ ዝወድአ ግና፥ ከም መምህሩ እዩ ዝኸውን። “ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ እንተይረአኻ፥ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ መንገፍ ንምንታይ ትርኢ? ወይ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይትርእስ፥ ንሓውካ፥ ‘ኣታ ሓወይ፥ ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ መንገፍ እስኪ ኸውፅአልካ’ ኽትብሎዶ ትኽእል? ኣታ ግብዝ! ቅድም ነቲ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ኣውፅእ እሞ፥ ብድሕሪኡ ነቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ መንገፍ ንምውፃእ፥ ኣፅሪኻ ኽትርኢ ኢኻ። “ሕማቕ ፍረ ዝፈሪ፥ ፅቡቕ ኦም የለን፤ ወይ ከዓ ፅቡቕ ፍረ ዝፈሪ ሕማቕ ኦም የለን። በለስ፥ ካብ እሾኽ ኣይእረን፤ ወይኒ እውን፥ ካብ ኣሜከላ ኣይቕንጠብን እዩ፤ ኵሉ ኦም፥ ብፍረኡ እዩ ዝፍለጥ። ኣፍ ድማ፥ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዝዛረብ እሞ፥ እቲ ቕኑዕ ሰብ፥ ካብቲ ሰናይ መዝገብ ልቡ፥ ሰናይ ነገር የውፅእ፤ እቲ ኽፉእ ሰብ ድማ፥ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ፥ ክፉእ እዩ ዘውፅእ። “ነቲ ኣነ ዝብሎ ዘይትገብሩስ፥ ስለ ምንታይ ኢኹም ጐይታ! ጐይታ! እትብሉኒ? ኵሉ እቲ ናባይ ዝመፅእን፥ ንቓለይ ሰሚዑ ዝገብሮን፥ ንመን ከም ዝመስል ከርእየኩም እየ። ንሱ ገዛኡ ኽሰርሕ እንተሎ፥ ኣዕሚቑ ዝዀዓተን፥ መሰረቱውን ኣብ ኰዅሒ ዝሰረተን ሰብ እዩ ዝመስል። ብርቱዕ ውሕጅ መፂኡ፥ ነቲ ገዛ ደፍኦ፤ ኣብ ኰዅሒ ስለ ዝተሰረተ ግና፥ ክነቓነቕ ኣይከኣለን። እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና፥ ገዛኡ ብዘይ መሰረት፥ ኣብ ምድሪ ዝሰርሐ ሰብ እዩ ዝመስል፤ እቲ ውሕጅ ደፍኦ፤ ሽዑ ንሽዑውን ወደቐ፤ ኣወዳድቓ እቲ ገዛ ኸዓ ዓብዪ ኾነ።”

YouVersion uses cookies to personalize your experience. By using our website, you accept our use of cookies as described in our Privacy Policy