YouVersion Logo
Search Icon

ዘሌዋውያን መእተዊ

መእተዊ
ኦሪት ዘሌዋውያን፥ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ናይ ኣምልኾን ስርዓት ሃይማኖትን ሕግታትን ዝሓዘ መፅሓፍ እዩ። ብዛዕባ እቶም እዝ ሕግታት እዙይ ከም ዝሕሎ ኽገብሩ ዝተመረፁ ካህናትውን ይገልፅ።
ናይዝ መፅሓፍ እዙይ ዋና ትሕዝቶ ቕድስና እግዚኣብሄር ምግላፅ እዩ። ህዝቢ እግዚኣብሄር ብኸመይ ዝበለ መንገዲ ኸም ዘምልኽዎን ምስኡ ዝገብርዎ ዝነበሩ ርክብን የረድእ።
ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ እታ ኢየሱስ “ካልአይቲ ዓባይ ትእዛዝ” ኢሉ ዝሰመያ ትእዛዝ፥ ኣብ ምዕራፍ 19 ቍ 18 ትርከብ፤ ንሳውን “ንብፃይካ ኸም ርእስኻ ፍተዎ” እትብል እያ።
ትሕዝቶ
1. ሕግታት ብዛዕባ መባእን መስዋእትን 1፡1-7፡38
2. ክህነት ኣሮንን ደቁን 8፡1-10፡20
3. ሕግታት ብዛዕባ ንፁህን ርኹስን 11፡1-15፡33
4. መዓልቲ ስርየት ሓጢኣት 16፡1-34
5. ሕግታት ብዛዕባ ቅዱስ ህይወትን ስርዓተ ኣምልኾን 17፡1-27፡34

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in