YouVersion Logo
Search Icon

ዘሌዋውያን 24

24
ዅልሻዕ ዝበርህ ቀንዲል
(ዘፀ. 27፡20-21)
1እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦ 2እቲ ቐንዲል ዅልሻዕ ምእንቲ ኽበርህ፥ ደቂ እስራኤል ንቐዋሚ ቐንዲል ዝኸውን ተወቒጡ ዝተፃረየ ዘይቲ ኣውሊዕ ከምፅኡልካ ኣዝዞም። 3ኣሮን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ዘሎ መጋረጃ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት ዅልሻዕ የብርሃዮ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። 4ነቲ ቐናዲል ኣብቲ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዲል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵልሻዕ የዳልዎ።
ንኣምላኽ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽሊ
5ልሑም ሕሩጭ ወሲድካ ድማ ኻብኡ ዓሰርተ ኽልተ ሕብስቲ ሰንክት፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሕብስቲ ካብቲ መስፈሪ ካብ ዓሰርተ ኢድ ክልተ ኢድ ይኹን። 6ኣብቲ ፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ጠረጴዛ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በብሽዱሽተ ጌርካ ኣብ ክልተ መስርዕ ኣንብሮ። #ዘፀ. 25፡30። 7ነቲ ሕብስቲ ድማ ንመዘከርታ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ክኸውን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕድሕድ መስርዕ ሕብስቲ ፅሩይ ዕጣን ኣንብር። 8ነዝ ሕብስቲ እዙይ ኵልሻዕ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብመስርዕ የንብሮ፤ እዝ ስርዓት እዙይ ንደቂ እስራኤል ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ። 9ብሓዊ ኻብ ዝተገብረ ኻብ እግዚኣብሄር ቍርባን ብዘለኣለም ስርዓት ንእኡ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ፤ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፤ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኾይኖም ከዓ ይብልዕዎ። #ማቴ. 12፡4፥ ማር. 2፡26፥ ሉቃ. 6፡4።
ንእግዚኣብሄር ዝፀረፈ ብእምኒ ተቐጥቂጡ ኸም ዝተቐትለ
10እኖኡ እስራኤላዊት ኣቦኡ ድማ ግብፃዊ ዝኾነ ሰብኣይ ምስ ሓደ እስራኤላዊ ኣብቲ ሰፈር ተበኣሰ። 11ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ኸዓ ንስም እግዚኣብሄር ፀረፈን ኣቃለለን። ናብ ሙሴ ድማ ወሰድዎ። (እኖኡ ኸዓ ሰሎሚት ዝተብሃለት ጓል ዲብሪ፥ ካብ ነገድ ዳን ነበረት።) 12ፍቓድ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝግለፀሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣፅንሕዎ።
13እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ 14ነቲ ዝተፃረፈ ሰብኣይ ናብ ወፃኢ ሰፈር ኣውፅኣዮ፤ እቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ከዓ በዳሊ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽምስክሩ፥ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሱ የንብሩ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጡ ይቕተሎ። 15ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ዝኾነ ሰብ ንኣምላኹ ዝፀረፈ ፍዳኡ ኽቕበል እዩ። 16እቲ ንስም እግዚኣብሄር ዝፀርፍ ይቀተል፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ብእምኒ ቐጥቂጡ ይቕተሎ። ጓና ኾነ ወይ እስራኤላዊ፥ ንስም እግዚኣብሄር እንተ ፀረፈ ይቀተል።
17 # ዘፀ. 21፡12። ሰብ ዝቐተለ ይቀተል። 18ናይ ካልእ ሰብ እንስሳ እንተ ቐተለ ኸዓ፥ ህይወት ክንዲ ህይወት እዩ እሞ፥ ይተክእ። 19ሰብ፥ ኣካል ብፃዩ እንተጕደለ፥ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ይግበርዎ፤ 20መስበርቲ፥ ክንዲ መስበርቲ፤ ዓይኒ፥ ክንዲ ዓይኒ፤ ስኒ፥ ክንዲ ስኒ ይኹን። ከምቲ ንሱ ንሰብ ዘጕደሎ፥ ንእኡ ድማ ኸምኡ ይግበርዎ። #ዘፀ. 21፡23-25፥ ዘዳ. 19፡21፥ ማቴ. 5፡38። 21እንስሳ ዝቐተለውን ይተክአሉ፤ ንሰብ ዝቐተለ ግና ይቀተል። 22ንጓና ኾነ ንእስራኤላዊ ሓደ ዓይነት ሕጊ ይኹነልኩም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። #ዘሑ. 15፡16።
23ሙሴ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ምስ ተዛረቦም፥ ነቲ ዝፀረፈ ናብ ወፃኢ ሰፈር ወሲዶም፥ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ። ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ዘሌዋውያን 24