YouVersion Logo
Search Icon

ዘሌዋውያን 23

23
መንፈሳዊ በዓላት
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦ 2ንህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ዝተቐደሰ ጉባኤ ኢልኩም እትእውጁለን በዓላተይ እዚኣተን እየን፦ 3ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ ይሰራሕ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንቕዱስ ጉባኤ ዝፅውዑላ ሰንበት፥ ዕረፍቲ እያ። ኣብ ዝኾነ ይኹን እትነብርዎ ስፍራ ብመዓልቲ ሰንበት ኣይትስርሑ፤ ሰንበት ናተይ ናይ እግዚኣብሄር እያ። #ዘፀ. 20፡8-10፥ 23፡12፥ 31፡15፥ 34፡21፥ 35፡2፥ ዘዳ. 5፡12-14። 4እተን ኣብ ምዱብ ጊዜያተን ንህዝቢ እስራኤል እትእውጁወን በዓላተይ እዚኣተን እየን።
ፋሲካን በዓል ቅጫን
(ዘዳ. 28፡16-25)
5ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ክመሲ እንተሎ፥ ፋሲካይ ፋሲካ እግዚኣብሄር እዩ። #ዘፀ. 12፡1-13፥ ዘዳ. 16፡1-12። 6በታ ወርሒ እቲኣ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናተይ ናይ እግዚኣብሄር በዓል ቅጫ እዩ። ሸውዓተ መዓልቲ ዘይበዅዐ ቕጫ ብልዑ። 7በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕውን ኣይትስርሑ። 8ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ። #ዘፀ. 12፡14-20፥ 23፡15፥ 34፡18፥ ዘዳ. 16፡3-8።
9እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 10ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ዓፂድ ክትዓፅዱ እንተለኹም፥ ካብቲ ቐዳማይ ዓፂድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምፅኡ። 11ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽቕበለኩም ከዓ፥ እቲ ኻህን በታ ድሕሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዘ የቕርባ። 12በታ እንዳእቲ እትውዝውዙላ መዓልቲ ድማ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ጐደሎ ዘይብሉ፥ ዓመት ዝገበረ፥ ጡበት በጊዕ ሰውኡ። 13ምስኡ ድማ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ካብቲ መስፈሪ ዓሰርተ ኢድ ክልተ ኢድ ዝኾነ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ብሓዊ ዝቃፀል ኣቕርቡ፤ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ምስኡ ድማ ንቝርባን ወይኒ ርብዒ ብመስፈሪ ኢን ኣቕርቡ። 14ንኣምላኽኩም ቍርባን ክሳዕ እተቕርቡሉ ኽሳዕ እዝ መዓልቲ እዙይ እንጀራ ኾነ ዝተጠበሰ ሸዊት፥ ለምለም ሸዊትውን ኣይትብልዑ። እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብርዎ ሃገር ንውሉድ ወለዶኹም ንዘለኣለም ሕጊ ይኹንኩም።
በዓል ዓፂድ
(ዘሑ. 28፡26-31)
15ካብታ ዝውዝወዝ እንዳእቲ ዘምፃእኹምላ መዓልቲ ንደሓር፥ ካብ ፅባሕ እታ ሰንበት ሸውዓተ ሻዕ ሸውዓተ ምሉኣት ሰሙናት ቍፀሩ። 16ክሳዕ ፅባሕ እታ ሻውዐይቲ ሰንበት ድማ ሓምሳ መዓልቲ ቝፀሩ፤ ሽዑ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ ቍርባን እኽሊ ኣቕርቡ። 17ካብቲ እትገብርዎ፥ እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ብኽልተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ በዂዑ ዝተሰንከተ ኽልተ ሕብስቲ ንእግዚኣብሄር በዅራት ኣምፅኡ። 18ምስቲ ሕብስቲ ድማ ጐደሎ ዘይብሎም ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ሓደ ዝራብዕ፥ ክልተ ማጓሉ ኣቕርቡ፤ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ድማ ይኹኑ። ምስቲ ናይ እኽሊ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ከዓ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ይኹኑ። 19ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ዲበላ፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ኸዓ ኽልተ ዓመት ዝገበሩ ጡበታት ኣባጊዕ ሰውኡ። 20እቲ ኻህን ድማ ንኣኣቶም ምስቲ ሕብስቲ በዅራትን ምስ ክልቲኦም ጡበታት ኣባጊዕን ገይሩ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞም። ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ፥ ብፅሒት ነቲ ኻህን ድማ ይኹኑ። 21በታ መዓልቲ እቲኣ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕ ድማ ኣይትስርሑ። እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብሩሉ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ። #ዘፀ. 23፡16፥ 34፡22፥ ዘዳ. 16፡9-12።
22ዓፂድ ምድሪኹም ክትዓፅዱ እንተለኹም፥ ክሳዕ ወሰን ግራትኩም ኣይትዕፀዱ፤ ንቐሪም እቲ ዕፁድኩም እውን ኣይትእረይዎ፤ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደግዎ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። #ዘሌ. 19፡9-10፥ ዘዳ. 24፡19-22።
በዓል ሓድሽ ዓመት
23እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ 24ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ መዓልቲ ዕረፍቲ ይኹነልኩም። ብቓና መለኸት ጌርኩም ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። 25ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣቕርቡ።
መዓልቲ ስርየት ሓጢኣት
(ዘሑ. 29፡7-11)
26እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ 27ዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ መዓልቲ ስርየት ሓጢኣት እያ። ቅዱስ ጉባኤ ይኹነልኩም፤ ዝኾነ ነገር ድማ ኣይትብልዑ። ንእግዚኣብሄር ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ። 28ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መዓልቲ ስርየት ሓጢኣት እያ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ። 29በታ መዓልቲ እቲኣ ንባዕሉ ዘየዋርድ ሰብ ካብ ህዝቡ ይወገድ። 30በታ መዓልቲ እቲኣ ዝኾነ ስራሕ ዝሰርሕ ሰብ፥ ካብ ማእኸል ህዝቡ ኸጥፍኦ እየ። 31ዝኾነ ይኹን ስራሕ ኣይትስርሑ፤ ኣብ ኵሉ እትነብሩሉ፥ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ። 32እዛ መዓልቲ እዚኣ ፍፁም ዕረፍቲ ትኹነልኩም፤ ብንስሃ ንርእስኹም ኣዋርዱ። ካብ ምሸት ናይታ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፥ ክሳዕ ምሸት ናይታ ዓስረይቲ መዓልቲ ፍፁም ዕረፍቲ ግበሩ። #ዘሌ. 16፡29-34።
በዓል ዳስ
(ዘሑ. 29፡12-40)
33እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ 34ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ንእግዚኣብሄር በዓል ዳስ ይኸውን፤ እዙይውን ንሸውዓተ መዓልቲ ይፀንሕ። 35ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ይኹን፤ ዝኾነ ስራሕ ድማ ኣይትስርሑ። 36ሸውዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ። ብሻምነይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ይኹነልኩም፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ። መዓልቲ ጉባኤ እዩ እሞ ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ። #ዘዳ. 16፡13-15።
37ቅዱስ ጉባኤታት እትእውጁለን፥ ዕለታት እቲ በብመዓልቱ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእትን ቍርባን እኽልን መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ መስተን እተቕርቡለን በዓላት እዚኣተን እየን። 38እዞም በዓላት እዚኣቶም፥ ብዘይ ሰናብቲ እግዚኣብሄር ብዘይ እቲ ንእግዚኣብሄር እትህብዎ ውህብቶኹም፥ ብዘይ ኵሉ መብፅዓኹም፥ ብዘይ እቶም ብፍቓድኩም እተቕርብዎም ተወሰኽቲ እዮም።
39ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ እቶት እታ ምድሪ ምስ ኣከብኩም፥ ሸውዓተ መዓልቲ፥ በዓል እግዚኣብሄር ኣብዕሉ። እታ ቐዳመይቲ መዓልትን እታ ሻምነይቲ መዓልትን፥ መዓልቲታት ዕረፍቲ ይኹና። 40በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ዝበለፀ ፍረ ኦምን ጨናፍር ስየን ጨናፍር ቈፃል ኣእዋም ኲሓን ውሰዱ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ደስ ይበልኩም። 41ነዝ በዓል እዙይ ኣብ ዓመት ሸውዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ኣብዕልዎ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ። ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ኣብዕልዎ። 42-43ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ ኣብ ዳስ ከም ዘስፈርክዎም፥ ውሉድ ወለዶኹም ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ዳስ ተቐመጡ፤ ካብ እስራኤል ዝተወለዱ ዅሎም ኣብ ዳስ ይቀመጡ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
44ከምዙይ ኢሉ ሙሴ፥ ብዛዕባ እተን ምዱባት በዓላት እግዚኣብሄር፥ ንደቂ እስራኤል ነገሮም።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in