YouVersion Logo
Search Icon

ዘሌዋውያን 1

1
ዝቃፀል መስዋእቲ
1እግዚኣብሄር ንሙሴ ፀውዖ፤ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኑ ድማ ኸምዙይ በሎ፦ 2ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦
ሓደ ኻባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ካብ እንስሳኡ መስዋእቲ ኸቕርብ እንተሎ፥ ካብ ከፍቱ ወይ ካብ በጊዕ ወይ ካብ ጤል የቕርብ። 3እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኻብ ከፍቲ እንተ ኾይኑ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ይኹን፤ ኣነ ምእንቲ ኽቕበሎ ኸዓ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የቕርቦ። 4ኣብ ርእሲ እቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ክኸውን ኢሉ ዘምፅኦ እንስሳ ኢዱ የንብር፤ ንሱ ሓጢኣቱ ኸስተስርየሉ ቕቡል መስዋእቲ ክኸውን እዩ። 5ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብኡ ኣብ ቅድመይ ይሕረዶ፤ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ደሙ ናባይ የቕርብዎ። ኣብቲ መሰውኢ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ። 6ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ቘርበቱ ገፊፉ በብብልዕቱ ይቝረፆ። 7ደቂ እቲ ኻህን ኣሮን ከዓ ኣብ መሰውኢ፥ ሓዊ የንድዱ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ድማ ዕንፀይቲ ይረብርቡ። 8እቶም ካህናት፥ ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ በብብልዕቱ ዝተቘራረፀ ስጋ፥ ምስ ናይ ርእስን ስብሕን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ተረብሪቡ ኣብ ዘሎ ዕንፀይቲ ይስርዕዎ። 9እቲ ሰብኣይ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዅሉ ዝቃፀል መስዋእቲ ናይ ሓዊ ቝርባን ገይሩ ብእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ንክኸውን ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የቃፅሎ።
10እቲ መስዋእቲ ኻብ ጤለ በጊዕ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ንዝቃፀል መስዋእቲ የቕርብ። 11ብወገን ሰሜን እቲ መሰውኢ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ልዕሊ ዙርያ እቲ መሰውኢ ይንፀግዎ። 12በብብልዕቱ ምስ ርእሱን ስብሑን ይቝረፆ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ተረብሪቡ ኣብ ዘሎ ዕንፀይቲ ይስርዓዮ። 13ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ብምሉኡ የቕርቦ፤ ኣብ መሰውኢ ኸዓ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ።
14እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኻብ ኣዕዋፍ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ባሪቶ ወይ ርግቢ የቕርብ። 15እቲ ኻህን ድማ ናብ መሰውኢ ኣቕሪቡ፥ ነቲ ርእሱ ጠውዩ ይቘልዕሞ፤ ኣብ መሰውኢ ኸዓ የቃፅሎ፤ እቲ ደሙ ኸዓ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይፅፈፍ። 16ጭንጭራኡ ምስ ናይ ክንቲቱ ናብ ጐድኒ መሰውኢ ብወገን ምብራቕ ናብቲ ስፍራ ሓሙዅሽቲ ይደርብዮ። 17በኽናፉ ይጭደዶ፤ ግና ኣይፈላልዮ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕንፀይቲ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in