YouVersion Logo
Search Icon

ሰቆቃወ 5

5
ምሕረት ንምርካብ ዝግበር ፀሎት
1ኦ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዝወረደና ዘክር፤
ቈላሕ በል እሞ ንውርደትና ጠምቶ።
2ርስትና ንመፃእተኛታት፥
ኣባይትና ንጓኖት ሓሊፎም ተውሃቡ።
3ኣቦ ዘይብሎም ደኽታማት ኮንና፤
እኖታትናውን መበለታት ኮና።
4ማይና ብዋጋ ንሰቲ፥
ዕንፀይትናውን ብመሸጣ ንዕድግ።
5ሰጐጕትና ኣብ ክሳድና እዮም፤
ንሕና ደኸምና፤ ዕረፍቲ እውን ሰኣንና።
6እንጀራ ምእንቲ ኽንፀግብ፥
ንግብፅን ኣሶርን ኢድና ሃብና።
7ኣቦታትና ሓጢኣት ገበሩ፤ ሕዚ ግና የለዉን፤
ንሕና ድማ በደሎም ንፀውር ኣለና።
8ባሮት ይገዝኡና ኣለዉ፤
ካብ ኢዶም ዘናግፈና ኸዓ የለን።
9ኣብ ምድረ በዳ ኻብ ዘሎ ሰይፊ ዝተልዓለ፥
ብህይወትና እንጀራና ነምፅእ ኣለና።
10ካብቲ ረስኒ ጥሜት ዝተልዓለ
ቈርበትና ኸም እቶን ፀለመ።
11ንኣንስቲ ኣብ ፅዮን፥
ንደናግል ድማ ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዓመፁወን፤
12ንመራሕቲ በእዳዎም ሰቐልዎም፤
ንኣረጋውያንውን ኣየኽበርዎምን።
13ኣጕባዝ መጥሓን ተሰከሙ፤
ኣወዳት ቈልዑ ኸዓ፥
ዕንፀይቲ ተሰኪሞም ሰንከልከል በሉ።
14ኣረጋውያንና ደጊም ኣብ ባይቶ ኣይቕመጡን፤
መንእሰያት ከዓ ድምፂ በገናኦም ሓደጉ።
15ታሕጓስ ካብ ልብና ጠፍአ፤
ጐይላና ናብ ብኽያት ተለወጠ።
16ኣኽሊል ካብ ርእስና ወደቐ፤
ሓጢኣት ሰሪሕና ኢና እሞ ወይለና።
17ካብዙይ ዝተልዓለውን ልብና ጠለመና፤
ኣዒንትናውን ደኸማ፤
18ጥራሓ ዝተረፈት እምባ ፅዮን፥ መዐንደሪ ወኻሩ ኾይና እያሞ።
19ንስኻ ግና ኦ እግዚኣብሄር፥ ንዘለኣለም ትነብር፤
ዙፋንካ ኸዓ ኻብ ትውልዲ ኽሳዕ ትውልዲ ይነብር፤
20ስለ ምንታይ ፈፂምካ እትርስዐና?
ስለ ምንታይከ ንነዊሕ ዘመን እትሓድገና?
21ኦ እግዚኣብሄር፥ ናባኻ ምለሰና፤
ንሕናውን ክንምለስ ኢና፤
ንዘመናትና ኸምቲ ናይ ቀደም ሓድሶ።
22ፈፂምካ ደርቢኻና ዲኻ?
የመናኸ ተቘጢዕኻና ዲኻ?

Currently Selected:

ሰቆቃወ 5: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in