ሰቆቃወ 3
3
መቕፃዕቲ፥ ንስሃን ተስፋን
1ኣሌፍ። ብበትሪ ቝጥዓኡ መከራ ዝረአየ ሰብ ኣነ እየ፤
2ንሱ ብርሃን ናብዘይብሉ፥
ናብ ፀልማት መሪሑ ወሰደኒ።
3ብርግፅ ኵሉ መዓልቲ ደጋጊሙ፥ ኢዱ ኣብ ልዕለይ መለሰ።
4ቤት። ንስጋይን ንቘርበተይን ኣእረጎ፤
ነዕፅምተይውን ሰባበሮ።
5ኣብ ልዕለይ ቅፅሪ ሰርሐ፤
ብሓሙትን ብድኻምን ከበበኒ።
6ከምቶም ቀደም ዝሞቱ፥
ኣብ ፀልማት ኣንበረኒ።
7ጋሜል። ከይወፅእ ብመንደቕ ከበበኒ፤
ንሞቝሐይውን ኣኽበዶ።
8ሓገዝ ደልየ እንተ ጠራዕኹን እንተ ኣእዌኹን እኳ፥
ንፀሎተይ መሕለፊ ዓፀወሉ።
9ንመንገደይ ብዝተፀርቡ ኣእማን ዓፀዎ፤
ንመንገድታተይ ጥውይዋይ ገበሮ።
10ዳሌጥ። ከም ዘድበየ ድቢ ተሓቢኡ ፀንሐኒ፤
ከም ዝፀናቶ ኣንበሳ ኾነኒ።
11ንመንገደይ ለወጦ፤
ሰባበረኒ ኣዕነወኒ እውን።
12ቀስቱ ገተረ፤
ዕላማ ፍላፃኡ ኸዓ ገበረኒ።
13ሄ። ፍላፃታቱ ኻብ ሰገባኡ ኣውፂኡ፥
ኣብ ውሽጢ ኰላሊተይ ተኸሎ።
14መላገፂ ዅሉ ህዝበይ ኮንኩ፤
ምሉእ መዓልቲ መላገፂኣቶም ኮንኩ።
15መሪር ኣብልዐኒ፤
ዕረውን ኣፅገበኒ።
16ዋው። ነስናነይ ብፀፀር ሰበረን፤
ብሓመድውን ከደነኒ።
17ንነፍሰይ ካብ ሰላም ኣርሓቕካ፤
ነቲ ሰናይ ረሳዕኽዎ።
18ኣነ ኸዓ “ሓይለይን፥
ብእግዚኣብሄር ዝነበረኒ ተስፋን ጠፊኡ እዩ” በልኩ።
19ዛይ። መከራይን ሽግረይን፥
ምረትን ሓሞትን ዘክር።
20ነፍሰይ እንተየቋረፀት ትዝክሮ ኣላ፤
ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐት።
21ይኹን እምበር ነዙይ ኣብ ልበይ ኣንብሮ፤
ስለዙይ ድማ ተስፋ እገብር።
22ሔት። ፈፂምና ዘይጠፋእናስ፥
ካብ ምሕረት እግዚኣብሄር ዝተልዓለ እዩ፤
ርህራሄኡ ኣይውዳእን እዩ እሞ።
23ንግሆ ንግሆ ሓድሽ እዩ፤
ተኣማንነትካውን ብዙሕ እዩ።
24ነፍሰይ፥ “ዕድለይ እግዚኣብሄር እዩ፤
ስለዙይ ብእኡ ተስፋ እገብር” ትብል ኣላ።
25ጤት። እግዚኣብሄር ነቶም ብተስፋ ዝፅበይዎ፥
ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ።
26ሰብ ምድሓን እግዚኣብሄር፥
ብህድኣት ተስፋ እንተ ገበረ ሰናይ እዩ።
27ንሰብ ብንእስነቱ ኣርዑት ምፅዋር ሰናይ እዩ።
28ዮድ። እግዚኣብሄር ኣሰኪምዎ እዩ እሞ፥
ስቕ ኢሉ በይኑ ይቀመጥ።
29ገና ተስፋ ዝኾኖ እንተ ኾይኑ፥
ኣፉ ኣብ ውሽጢ ሓመድ የንብር።
30ንዝወቕዖ መልትሑ ይሃብ፤ ፀርፊውን ይፅገብ።
31ካፍ። እግዚኣብሄር ንሰብ፥
ንዘለኣለም ኣይድርብን እዩ እሞ፤
32እንተ ኣሕዘነኳ፥
ከምቲ ብዝሒ ምሕረቱ ይርህርህ እዩ።
33ፀገም ወይ መከራ፥
ኣብ ልዕሊ ሰብ ኣየምፅእን፤ ኣየጨንቕንውን።
34ላሜድ። ኵሎም እሱራት እታ ምድሪ፥
ኣብ ትሕቲ እግሩ ንኽረግፆም፥
35ኣብ ቅድሚ ልዑል፥ ንሰብ መሰሉ እንትገሃስ፥
36ሰብ፥ ፍትሒ እንትጐድሎ፥ ጐይታ ኣይፈቅድን።
37ሜም። እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ፥
ዝናገርን ዝፍፅምን መን እዩ?
38ካብ ኣፍ ልዑል ክፉእ ይኹን ፅቡቕ ነገር ኣይወፅእንዶ?
39ስለ ምንታይ እቲ ህያው ሰብ ዘጕረምርም?
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሓጢኣቱ እንትቕፃዕ፥
ስለ ምንታይ ደኣ የጕረምርም?
40ኖን። መንገድና ንተዓዘብን ንመርምርን እሞ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።
41ልብናን ኣእዳውናን ኣብ ሰማይ ናብ ዘሎ እግዚኣብሄር ነልዕል።
42“ንሕና በደልና፤ ዓመፅናውን፤
ንስኻ ኸዓ ይቕረ ኣይበልካልናን።”
43ሳምኬት። “ብቝጥዓ ኸደንካና፤
ሰጐጕካናን ቀተልካናን፤ ኣይራህራህኻልናንውን።
44ፀሎትና ከይሓልፍ፥
ንባዕልኻ ብደመና ኸደንካ።
45ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥
ጐሓፍን ጐድፍን ገበርካና።”
46ዔ። “ኵሎም ፀላእትና፥
ኣብ ልዕሌና ኣፋቶም ከፈቱ።
47ብጥፍኣትን ብምፍርራስን፥
ብሽግርን ብሽብርን ተሳቐና።
48ብምጭፍላቕ ጓል ህዝበይ፥
ካብ ዓይነይ ውሕጅ ንብዓት ይውሕዝ ኣሎ።”
49-50ፌ። “እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ክሳዕ ዝርእን፥ ዝምልከትን፥
ኣዒንተይ ብዘይዕረፍትን ብዘይምቍራፅን፥
ንብዓት የፍስሳ ኣለዋ።
51ነተን ኵለን ኣብ ከተማይ ዘለዋ ቘናጁ ዝበፅሐን መከራ፥
ዓይነይ ንነፍሰይ ኣጨነቓ።”
52ፃዴ። “እቶም ብዘይ ምኽንያት ዝፀልኡኒ፥
ከም ምህዳን ዒፍ ሃደኑኒ።
53ህይወተይ ኣብ ጕድጓድ ኣጥፍኡ፤
ኣብ ልዕለይውን እምኒ ደርበዩ።
54ቆፍ። ማይ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ወሓዘ፤
ኣነውን ጠፋእኹ ኢለ ነይረ።”
55“ኣብ መዓሙቝ ጕድጓድ ኮይነ፥
ኦ እግዚኣብሄር፥ ስምካ ፀዋዕኹ።
56ልመናይ ሰሚዕኻ ኢኻ፤
ረዳኢ ደልየ እንተእዊ፥
ካብ ምስማዕ እዝንኻ ኣይትከልከል።
57ምስ ፀዋዕኩኻ ቐረብካኒ፤
‘ኣይትፍራሕ’ ድማ በልካኒ።”
58ሬስ። “ኦ ጐይታ፥ ጠበቓይ ኮንካ፤
ንህይወተይ ከዓ ተቤዘኻያ።
59ኦ እግዚኣብሄር፥
ነቲ ዝወረደኒ ግፍዒ ርኢኻ ኢኻ እሞ
ፍትሒ ኣውፅአለይ።
60ኵሉ በቐሎምን፥
ኣብ ልዕለይ ዝኣለምዎ ውዲታትን ትፈልጦ ኢኻ።
61ሳን። ኦ ጐይታይ፥ ኵሉ ፀርፎምን
ኣባይ ዝኣለምዎ ውዲቶምን ሰሚዕኻዮ ኣለኻ።
62ምሉእ መዓልቲ ኣብ ልዕለይ ይዛረቡን፥
ክፍኣት ከዓ ይመኽሩለይን ኣለዉ።
63ተመልከቶም! ኣብ ምቕማጦም ኮነ፥
ኣብ ምትሳኦም የላግፁለይ ኣለዉ።
64ታው። ኦ እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ግብሪ ኣእዳዎም፥
መሊስካ ኽፈሎም።
65ንልቦም ኣደንዝዞ፤
መርገምካውን ኣውርደሎም።
66ብቝጥዓኻ ኣሳጕጎም፤
ካብ ትሕቲ ሰማይ ከዓ ኣጥፍኣዮም።”
Currently Selected:
ሰቆቃወ 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ሰቆቃወ 3
3
መቕፃዕቲ፥ ንስሃን ተስፋን
1ኣሌፍ። ብበትሪ ቝጥዓኡ መከራ ዝረአየ ሰብ ኣነ እየ፤
2ንሱ ብርሃን ናብዘይብሉ፥
ናብ ፀልማት መሪሑ ወሰደኒ።
3ብርግፅ ኵሉ መዓልቲ ደጋጊሙ፥ ኢዱ ኣብ ልዕለይ መለሰ።
4ቤት። ንስጋይን ንቘርበተይን ኣእረጎ፤
ነዕፅምተይውን ሰባበሮ።
5ኣብ ልዕለይ ቅፅሪ ሰርሐ፤
ብሓሙትን ብድኻምን ከበበኒ።
6ከምቶም ቀደም ዝሞቱ፥
ኣብ ፀልማት ኣንበረኒ።
7ጋሜል። ከይወፅእ ብመንደቕ ከበበኒ፤
ንሞቝሐይውን ኣኽበዶ።
8ሓገዝ ደልየ እንተ ጠራዕኹን እንተ ኣእዌኹን እኳ፥
ንፀሎተይ መሕለፊ ዓፀወሉ።
9ንመንገደይ ብዝተፀርቡ ኣእማን ዓፀዎ፤
ንመንገድታተይ ጥውይዋይ ገበሮ።
10ዳሌጥ። ከም ዘድበየ ድቢ ተሓቢኡ ፀንሐኒ፤
ከም ዝፀናቶ ኣንበሳ ኾነኒ።
11ንመንገደይ ለወጦ፤
ሰባበረኒ ኣዕነወኒ እውን።
12ቀስቱ ገተረ፤
ዕላማ ፍላፃኡ ኸዓ ገበረኒ።
13ሄ። ፍላፃታቱ ኻብ ሰገባኡ ኣውፂኡ፥
ኣብ ውሽጢ ኰላሊተይ ተኸሎ።
14መላገፂ ዅሉ ህዝበይ ኮንኩ፤
ምሉእ መዓልቲ መላገፂኣቶም ኮንኩ።
15መሪር ኣብልዐኒ፤
ዕረውን ኣፅገበኒ።
16ዋው። ነስናነይ ብፀፀር ሰበረን፤
ብሓመድውን ከደነኒ።
17ንነፍሰይ ካብ ሰላም ኣርሓቕካ፤
ነቲ ሰናይ ረሳዕኽዎ።
18ኣነ ኸዓ “ሓይለይን፥
ብእግዚኣብሄር ዝነበረኒ ተስፋን ጠፊኡ እዩ” በልኩ።
19ዛይ። መከራይን ሽግረይን፥
ምረትን ሓሞትን ዘክር።
20ነፍሰይ እንተየቋረፀት ትዝክሮ ኣላ፤
ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐት።
21ይኹን እምበር ነዙይ ኣብ ልበይ ኣንብሮ፤
ስለዙይ ድማ ተስፋ እገብር።
22ሔት። ፈፂምና ዘይጠፋእናስ፥
ካብ ምሕረት እግዚኣብሄር ዝተልዓለ እዩ፤
ርህራሄኡ ኣይውዳእን እዩ እሞ።
23ንግሆ ንግሆ ሓድሽ እዩ፤
ተኣማንነትካውን ብዙሕ እዩ።
24ነፍሰይ፥ “ዕድለይ እግዚኣብሄር እዩ፤
ስለዙይ ብእኡ ተስፋ እገብር” ትብል ኣላ።
25ጤት። እግዚኣብሄር ነቶም ብተስፋ ዝፅበይዎ፥
ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ።
26ሰብ ምድሓን እግዚኣብሄር፥
ብህድኣት ተስፋ እንተ ገበረ ሰናይ እዩ።
27ንሰብ ብንእስነቱ ኣርዑት ምፅዋር ሰናይ እዩ።
28ዮድ። እግዚኣብሄር ኣሰኪምዎ እዩ እሞ፥
ስቕ ኢሉ በይኑ ይቀመጥ።
29ገና ተስፋ ዝኾኖ እንተ ኾይኑ፥
ኣፉ ኣብ ውሽጢ ሓመድ የንብር።
30ንዝወቕዖ መልትሑ ይሃብ፤ ፀርፊውን ይፅገብ።
31ካፍ። እግዚኣብሄር ንሰብ፥
ንዘለኣለም ኣይድርብን እዩ እሞ፤
32እንተ ኣሕዘነኳ፥
ከምቲ ብዝሒ ምሕረቱ ይርህርህ እዩ።
33ፀገም ወይ መከራ፥
ኣብ ልዕሊ ሰብ ኣየምፅእን፤ ኣየጨንቕንውን።
34ላሜድ። ኵሎም እሱራት እታ ምድሪ፥
ኣብ ትሕቲ እግሩ ንኽረግፆም፥
35ኣብ ቅድሚ ልዑል፥ ንሰብ መሰሉ እንትገሃስ፥
36ሰብ፥ ፍትሒ እንትጐድሎ፥ ጐይታ ኣይፈቅድን።
37ሜም። እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ፥
ዝናገርን ዝፍፅምን መን እዩ?
38ካብ ኣፍ ልዑል ክፉእ ይኹን ፅቡቕ ነገር ኣይወፅእንዶ?
39ስለ ምንታይ እቲ ህያው ሰብ ዘጕረምርም?
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሓጢኣቱ እንትቕፃዕ፥
ስለ ምንታይ ደኣ የጕረምርም?
40ኖን። መንገድና ንተዓዘብን ንመርምርን እሞ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።
41ልብናን ኣእዳውናን ኣብ ሰማይ ናብ ዘሎ እግዚኣብሄር ነልዕል።
42“ንሕና በደልና፤ ዓመፅናውን፤
ንስኻ ኸዓ ይቕረ ኣይበልካልናን።”
43ሳምኬት። “ብቝጥዓ ኸደንካና፤
ሰጐጕካናን ቀተልካናን፤ ኣይራህራህኻልናንውን።
44ፀሎትና ከይሓልፍ፥
ንባዕልኻ ብደመና ኸደንካ።
45ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥
ጐሓፍን ጐድፍን ገበርካና።”
46ዔ። “ኵሎም ፀላእትና፥
ኣብ ልዕሌና ኣፋቶም ከፈቱ።
47ብጥፍኣትን ብምፍርራስን፥
ብሽግርን ብሽብርን ተሳቐና።
48ብምጭፍላቕ ጓል ህዝበይ፥
ካብ ዓይነይ ውሕጅ ንብዓት ይውሕዝ ኣሎ።”
49-50ፌ። “እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ክሳዕ ዝርእን፥ ዝምልከትን፥
ኣዒንተይ ብዘይዕረፍትን ብዘይምቍራፅን፥
ንብዓት የፍስሳ ኣለዋ።
51ነተን ኵለን ኣብ ከተማይ ዘለዋ ቘናጁ ዝበፅሐን መከራ፥
ዓይነይ ንነፍሰይ ኣጨነቓ።”
52ፃዴ። “እቶም ብዘይ ምኽንያት ዝፀልኡኒ፥
ከም ምህዳን ዒፍ ሃደኑኒ።
53ህይወተይ ኣብ ጕድጓድ ኣጥፍኡ፤
ኣብ ልዕለይውን እምኒ ደርበዩ።
54ቆፍ። ማይ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ወሓዘ፤
ኣነውን ጠፋእኹ ኢለ ነይረ።”
55“ኣብ መዓሙቝ ጕድጓድ ኮይነ፥
ኦ እግዚኣብሄር፥ ስምካ ፀዋዕኹ።
56ልመናይ ሰሚዕኻ ኢኻ፤
ረዳኢ ደልየ እንተእዊ፥
ካብ ምስማዕ እዝንኻ ኣይትከልከል።
57ምስ ፀዋዕኩኻ ቐረብካኒ፤
‘ኣይትፍራሕ’ ድማ በልካኒ።”
58ሬስ። “ኦ ጐይታ፥ ጠበቓይ ኮንካ፤
ንህይወተይ ከዓ ተቤዘኻያ።
59ኦ እግዚኣብሄር፥
ነቲ ዝወረደኒ ግፍዒ ርኢኻ ኢኻ እሞ
ፍትሒ ኣውፅአለይ።
60ኵሉ በቐሎምን፥
ኣብ ልዕለይ ዝኣለምዎ ውዲታትን ትፈልጦ ኢኻ።
61ሳን። ኦ ጐይታይ፥ ኵሉ ፀርፎምን
ኣባይ ዝኣለምዎ ውዲቶምን ሰሚዕኻዮ ኣለኻ።
62ምሉእ መዓልቲ ኣብ ልዕለይ ይዛረቡን፥
ክፍኣት ከዓ ይመኽሩለይን ኣለዉ።
63ተመልከቶም! ኣብ ምቕማጦም ኮነ፥
ኣብ ምትሳኦም የላግፁለይ ኣለዉ።
64ታው። ኦ እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ግብሪ ኣእዳዎም፥
መሊስካ ኽፈሎም።
65ንልቦም ኣደንዝዞ፤
መርገምካውን ኣውርደሎም።
66ብቝጥዓኻ ኣሳጕጎም፤
ካብ ትሕቲ ሰማይ ከዓ ኣጥፍኣዮም።”
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in