YouVersion Logo
Search Icon

ሰቆቃወ 1

1
ጓሂ ኢየሩሳሌም
1ኣሌፍ። እዛ ብህዝቢ መሊኣ ዝነበረት ከተማ፥
ከመይ ኢላ ሰብ ዘይብላ ተረፈት!
እዛ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ዓባይ ዝነበረት፥
ሕዚ ኸመይ ኢላ መበለት ኮነት!
እዛ ኣብ ማእኸል ኣውራጃታት ልዕልቲ ዝነበረት፥
ከመይ ኢላ ተገዛኢት ኮነት?
2ቤት። ብለይቲ ኣምሪራ ትበኪ፤
ንብዓታ ኣብ ምዕጕርታ ኣሎ።
ካብቶም ናይ ቀደም ፈተውታ ዝነበሩ፥
ሓደ እኳ ዘፀናንዓ የለን።
ኵሎም ፈተውታ ጠለምዋ፤
ኵሎም ከዓ ፀላእታ ኾኑ።
3ጋሜል። ይሁዳ ብሰንኪ ብርቱዕ መከራን፥
ፅኑዕ መግዛእትን፥ ተማረኸት።
ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ተቐመጠት፤
ዕረፍቲ እውን ሰኣነት፤
ኵላቶም እቶም ዘጨንቕዋ ተጨኒቓ ረኸብዋ።
4ዳሌጥ። በዓላታ ኸኽብር ዝመፅእ ሓደ እኳ የለንሞ፥
መንገድታት ፅዮን ይበኽዩ ኣለዉ፤
ብበሪታታ ዝኣቱን ዝወፅእን የለን፤
ካህናታ ድማ ይቝዝሙ ኣለዉ።
ደናግላ ይጕህያ ኣለዋ፤
ፅዮን መሪርዋ ትሳቐ ኣላ።
5ሄ። ብሰንኪ ብዝሒ በደላ፥
እግዚኣብሄር መቕፃዕቲ ኣውሪዱላ እዩሞ፥
ፀላእታ ድማ ይገዝእዋ ኣለዉ።
ወደረኛታታ ተመቸዎም፤
ደቃ ብፀላኢ ተማሪኾም ተወሰዱ።
6ዋው። ንጓል ፅዮን ኵሉ ግርማ ተፈለያ፤
መሳፍንታ መዋፈሪ ኸም ዝሰኣኑ ዋልያታት ኮኑ፤
ቀቅድሚ እቲ ዘሳጕጎም ብድኻም ሃደሙ።
7ዛይ። ኢየሩሳሌም ብመዓልቲታት መከራኣን ምንክርታታን፥
ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝነበራ ዅሉ ኽቡር ነገራትን፥
ትዝክሮ ኣላ።
ህዝብታታ ኣብ ኢድ ፀላኢ ምስ ወደቑ፥
ዝረድኣ ኣይረኸበትን፤
ፀላእታ ረአይዋ፤ ብምፍርራሳውን ሰሓቑ።
8ሔት። ኢየሩሳሌም ብርቱዕ ሓጢኣት ገይራ እያ፤
ስለዙይውን ረኸሰት፤
እቶም ዘኽብርዋ ዝነበሩ ዅሎም ዕርቃና ሪኦም ነዓቕዋ፤
ንሳውን እህህ እናበለት ገፃ ንድሕሪት መለሰት።
9ጤት። ርኽሰታ ኣብ ዘፈር ክዳና ኣሎ፤
መወዳእታኣ ኣይሓሰበቶን፤
ስለዙይ ውርደታ ዘገርም ኮነ፤
ዘፀናንዓውን የለን፤
ፀላኢ ልዕልና ረኺቡ እዩ እሞ፥
ኦ እግዚኣብሄር፥ መከራይ ረአ።
10ዮድ። ፀላኢ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሃብታ ኢዱ ዘርግሐ፤
ኣብ ማሕበርካ ኸይኣትዉ ዝኸልከልካዮም ኣህዛብ፥
ኣብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ እንተለዉ ረአየቶም።
11ካፍ። ኵሉ ህዝባ ዝበልዖ እንጀራ ደልዩ የእዊ ኣሎ፤
ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥
ንዅሉ ኽቡር ጥሪቶም፥
ብምግቢ ይልውጥዎ ኣለዉ፤
ኦ እግዚኣብሄር፥ ተዋሪደ እየሞ ረአ፤ ተመልከትውን።
12ላሜድ። “ኵልኹም ኣቱም ሓለፍቲ መንገዲ፥
እዙይ ኣባኻትኩም ዝኾነ የለንዶ?
እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ጕሁር ቍጥዓኡ፥
ነኣይ ኸም ዝቐፅዐኒ፥
ከምቲ ኣነ ዝተቐበልክዎ ስቓይ ዝተቐበለ እንተሎ ኸዓ፥
ንዑ ረአዩ፤ ተመልከቱውን።”
13ሜም። “ካብ ላዕሊ ሓዊ፥
ናብ ኣዕፅምተይ ሰደደ፤ በርትዐኒውን፤
ንእግረይ መፈንጠር ዘርግሐለይ፤
ንድሕሪት ድማ መለሰኒ፤
ኣጥፍአኒ፤ ኵልሻዕውን ኣድከመኒ።”
14ኖን። “ኣርዑት በደለይ ብኢዱ ተትሓዘት፤
ተጠላሊፉ ድማ ኣብ ክሳደይ ተጠምጠመ፤
ንሓይለይውን ኣድከሞ፤
ጐይታ ናብ ኢድ እቶም ክቃወሞም ዘይከኣለኒ
ፀላእተይ ኣሕሊፉ ሃበኒ።”
15ሳምኬት። “እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣብ ማእኸለይ ዝነበሩ ጀጋኖይ ደርበዮም፤
ነጕባዘይ ክጭፍልቕ፥ ሰራዊት ኣኽተተለይ፤
እግዚኣብሄር ነታ ድንግል ጓል ይሁዳ፥
ብመፅመቚ ኸም ዝርገፅ ወይኒ ረገፃ።”
16“ዘፀናንዐኒ ንነፍሰይውን ዘህድኣ ኻባይ ርሒቑ እዩሞ፥
ስለዙይ ኣነ እበኪ ኣለኹ፤
ኣዒንተይ ድማ ንብዓት የፍስሳ፤
ፀላኢ ስለ ዝበርትዐ ድማ ደቀይ ጠፊኦም እዮም።”
17ፌ። ፅዮን ኣእዳዋ ዘርግሐት፤ ዘፀናንዓ ግና የለን፤
“እግዚኣብሄር ንያእቆብ ብዅሉ ወገን ዝኸቡዎ ፀላእቲ ኣዘዘሉ፤
ኢየሩሳሌም ኣብ ማእኸሎም ከም ርኽስቲ ዀነት።”
18ፃዴ። “ኣነ ኣብ ልዕሊ ቓል ኣፉ፥
ስለ ዝዓመፅኩ እዩ እምበር፥
እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩ።
ኣቱም ህዝብታት ኵልኻትኩም ስምዑ፤
ስቓየይውን ረአዩ፤
ኣጕባዘይን ጐርዞታተይን ተማሪኾም ከዱ።”
19ቆፍ። “ንፈተውተይ ፀዋዕኽዎም፤
ንሳቶም ግና ኣታለሉኒ፤
ካህናተይን ዓበይተይን፥ ሰብነቶም ንኸበርትዑ፥
ምግቢ ኽልምኑ እንተለዉ ኣብ ከተማታት ሃለቑ።”
20ሬስ። “ኦ እግዚኣብሄር፥ ተጨኒቐ እየሞ፥
ኣምዑተይውን ተሃዊኹኒ እዩሞ ተመልከት፤
የመና ዓመፀኛ ኾይነ እየሞ፤
ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተገላበጠኒ፤
ኣብ ወፃኢ ሰይፊ ንደቀይ ይውድእ ኣሎ፤
ኣብ ውሽጢ ቤትውን ሞት ኣሎ።”
21ሳን። “ሰባት ናይ ስቓይ ቍዘማይ እናሰምዑ፤
ዘፀናንዐኒ ሓደ እኳ የለን፤
ኵሎም ፀላእተይ፥ ጭንቀተይ ሰምዑ፤
ንስኻ ስለ ዝገበርካዮ ግና ተሓጐሱ፤
ኦ ጐይታ! እታ ስሌኣቶም ዝተናገርካያ መዓልቲ፥
ክተምፅኣ ኢኻ፤
ንሳቶምውን ከምዝ ኸማይ ክኾኑ እዮም።”
22ታው። “ብኽያተይ በዚሑ፥
ልበይውን ይጠልመኒ ኣሎ እሞ፥
ኵሉ ኽፍኣቶም ኣብ ቅድሜኻ ይብፃሕ፤
ከምቲ ብሰንኪ ሓጢኣተይ ዝገበርካዮ፥
ከምኡ ድማ ንኣኣቶም ግበሮም።”

Currently Selected:

ሰቆቃወ 1: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ሰቆቃወ 1