YouVersion Logo
Search Icon

ኢያሱ መእተዊ

መእተዊ
መፅሓፈ ኢያሱ፥ ህዝቢ እስራኤል ብኢያሱ ተመሪሖም ንከነዓን ብውግእ ከም ዝሓዝዋ ዝገልፅ መፅሓፍ እዩ። ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተገሊፁ ዘሎ ዋና ዜና፥ ምስጋር ፈለግ ዮርዳኖስ፥ ምፍራስ ግንቢ ኢያሪኮ፥ ኣብ ጋይ ዝተገብረ ውግእ፥ ነቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ህዝቡን ዝተገብረ ኺዳን፥ ህዝቢ እስራኤል ከም ዘሐደሶ ዝብል እዩ። ካብ መፅሓፍ ኢያሱ እታ እምብዛ ፍልጥቲ ዝኾነት ጥቕሲ “ንመን ከም እተገልግሉ ሎሚ ምረፁ፤ ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል” እትብል እያ (24፡15)።
ትሕዝቶ
1. ከነዓን ከም ዝተስዓረት 1፡1-12፡24
2. ምምቓል ርስቲ 13፡1-21፡45
1) ብምብራቕ ዮርዳኖስ ዘሎ ምድሪ 13፡1-33
2) ብምዕራብ ዮርዳኖስ ዘሎ ምድሪ 14፡1-19፡51
3) ከተማታት ዕቝባ 20፡1-9
4) ከተማታት ሌዋውያን 21፡1-45
3. እቶም ኣብ ምብራቕ ዝሰፈሩ ነገድ ንዓዶም ከም ዝተመለሱ 22፡1-34
4. ኢያሱ ንእስራኤል ከም ዝመዓዶም 23፡1-16
5. ኪዳን ኣብ ሴኬም ከም ዝተሓደሰ 24፡1-33

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in