ኢያሱ 8
8
ከተማ ጋይ ከም ዝተደምሰሰት
1እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ኣይትፍራሕ፥ ኣይትደንግፅ። ተዋጋእቲ ዝኾኑ ሰባት ውሰድ፤ ደይብ እሞ ንጋይ ውግኣያ። ረአ፤ ኣነ ንንጉስ ጋይን ንህዝቡን ንኸተማኡን ንሃገሩን ኣሕሊፈ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ። 2ከምቲ ንኢያሪኮን ንንጉሳን ዝገበርካዮም፥ ንጋይን ንንጉሳን ድማ ኸምኡ ኽትገብሮም ኢኻ። ምርኮኣን ጥሪታን ግና ንኣኻትኩም ውሰድዎ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ኸዓ ሕቡእ ደጀን ግበር” በሎ።
3ኢያሱ ድማ ምስ ኵሎም እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ኮይኑ ንጋይ ክወግኣ ተስአ። ሰላሳ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ሰባት ሓርዩ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ኣዚዙ ብለይቲ ሰደዶም። 4“ርአዩ፤ ነታ ኸተማ ብድሕሪኣ ሕቡእ ደጀን ግበሩላ፤ ካብታ ኸተማ እምብዛ ኣይትርሓቑ። ኵልኻትኹም ከዓ ተዳሊኹም ፅንሑ። 5ኣነን እቲ ምሳይ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ድማ፥ ናብታ ኸተማ ኽንፅጋዕ ኢና። ከምቲ ናይ ቀዳማይ ክዋግኡና ምስ ወፁ፥ ካብ ቅድሚኣቶም ክንሃድም ኢና። 6ሽዑ ‘ከምቲ ናይ ቀዳማይ ካብ ቅድሜና ይሃድሙ ኣለዉ’ ኽብሉ እዮም፤ ወፂኦም ምእንቲ ኽስዕቡና ኻብታ ኸተማ ኽሳዕ እነርሕቖም፥ ካብ ቅድሚኣቶም ክንሃድም ኢና። 7ንስኻትኩም ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነታ ኸተማ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ እሞ፥ ካብቲ ዝተሓባእኹምሉ ወፂእኹም ነታ ኸተማ ሓዝዋ። 8ነታ ኸተማ ምስ ሓዝኩምዋ ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ብሓዊ ኣባርዕዋ፤ እንሆ ኣዚዘኩም ኣለኹ” ኢሉ ሰደዶም።
9ንሳቶም ከዓ ናብታ ዝሕብኡላ፥ ኣብ መንጎ ቤቴልን ጋይን ከይዶም፥ ኣብ ወገን ምዕራብ ጋይ ተሓብኡ። ኢያሱ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ማእኸል ህዝቢ ሓደረ።
10ኢያሱ ድማ ኣንጊሁ ተስአ፤ ነቲ ህዝቢ ኣሰሊፉ ኸዓ፥ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ናብ ጋይ ደየበ። 11እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ተዋጋኢ ህዝቢ እውን ደየበ፤ ቀሪቦም ከዓ ናብ መንፅር እታ ኸተማ መፂኦም፥ ብሰሜን ጋይ ሰፈሩ። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ጋይን ከዓ ለሰ ነበረ። 12ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰባት ወሲዱ፥ ኣብ መንጎ ቤቴልን ጋይን ብምዕራብ እታ ኸተማ ሕቡእ ደጀን ገይሩ ኣንበሮም። 13ንዅሉ እቲ ህዝቢ፥ ነቲ ብሰሜን እታ ኸተማ ዝነበረ ዅሉ ጭፍራን ነቶም ብምዕራብ እታ ኸተማ ዝነበሩ ሕቡኣቱን ከምኡ ኣስፈርዎም፤ ኢያሱ ኸዓ በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ማእኸል እቲ ለሰ ኸደ።
14ናይ ጋይ ንጉስ እዙይ ምስ ረአየ፥ ንሱን ሰብ እታ ኸተማን ቀልጢፎም ኣንጊሆም ተስኡ እሞ፥ በቲ ዝተወሰነ ጊዜ ንእስራኤል ክወግእዎም ናብ ቅድሚ እቲ ዓረባ #8፡14 ዓረባ፦ ብዕብራይስጢ “ረባዳ በረኻ” ማለት እዩ። ወፁ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ሕቡእ ሓይሊ ኸም ዘሎ ግና ኣይፈለጡን ነበሩ። 15ኢያሱን ኵሎም እስራኤልን ከዓ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ዝተስዓሩ መሲሎም ብመንገዲ ምድረ በዳ ሃደሙ። 16ሽዑ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፥ ከሳጕጉዎም ተፀውዑ፤ ንኢያሱ ድማ ኣሳጎጕዎ፤ ካብታ ኸተማ ኸዓ ኸም ዝርሕቑ ገበርዎም። 17ኣብ ጋይን ኣብ ቤቴልን ደድሕሪ እስራኤል ክስዕብ ዘይወፀ ሰብ ኣይነበረን። ነታ ኸተማ ብኽፍትታ ሓዲጎምዋ፥ ደድሕሪ እስራኤል ሰዓቡ።
18እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ነታ ኸተማ ጋይ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፥ ነቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዂናት ናብኣ ኣቢልካ ዘርግሓዮ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዂናት ናብታ ኸተማ ኣቢሉ ዘርግሖ። 19ንሱ እዙይ ምስ ገበረ እቶም ተሓቢኦም ዝነበሩ፥ ቀልጢፎም ካብቲ ዝተሓብኡሉ ቦታ ወፂኦም ጐየዩ፤ ነታ ኸተማ ድማ ኣትዮም ሓዝዋ፤ ቀልጢፎምውን ብሓዊ ኣባርዕዋ።
20እቶም ናይ ጋይ ሰባት፥ ንድሕሪኦም ግልፅ እንተ በሉ፥ እንሆ ትኪ ኻብታ ኸተማ ንሰማይ ክወፅእ ረአዩ። ሽዑ ናብዙይ ኮነ ናብቱይ ክሃድሙ ኣይከኣሉን። እቶም ንምድረ በዳ ኣቢሎም ዝሃደሙ ህዝቢ እስራኤል ናብኣቶም ኣቢሎም ተመሊሶም ነበሩሞ። 21ኢያሱን ኵሎም እስራኤልን፥ እቶም ተሓቢኦም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ነታ ኸተማ ኸም ዝሓዝዋ፥ ትኪ እታ ኸተማውን ንላዕሊ ኸም ዝወፀ ምስ ረአዩ፥ ተመለሱ እሞ፥ ንህዝቢ ጋይ ቀተልዎም። 22እቶም ካልኦትውን ካብ ከተማ ናብኣቶም ወፁ። ሽዑ እዚኣቶም በዙይ፥ እቲኣቶም ከዓ በቱይ ስለ ዝኸበብዎም፥ ደቂ ጋይ ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ኮኑ። ደቂ እስራኤል ድማ፥ ካብ ህዝቢ ጋይ ሓደኳ እንተየምለጦም ቀተልዎም። 23ንንጉስ ጋይ ከዓ ብህይወቱ እንተሎ ሒዞም ናብ ኢያሱ ኣምፅእዎ።
24እስራኤል ነቶም ኵሎም ደቂ ጋይ ኣብቲ ዘሳጕጉዎም ዝነበሩ ግራውትን ምድረ በዳን ቀቲሎም ምስ ወድኡ፥ ደቂ ጋይ ከዓ ዅሎም ብስሕለት ሰይፊ ምስ ወደቑ፥ ሽዑ ዅሎም ብዘለዉ ደቂ እስራኤል ናብ ጋይ ተመለሱ እሞ፥ ነቶም ህዝባ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዕዎም። 25እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ዝወደቑ ደቂ ጋይ፥ ካብ ሰብኣይን ካብ ሰበይትን፥ ኵሎም ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ነፍሲ ኾኑ። 26ኢያሱ ድማ ዅሎም ደቂ ጋይ ክሳዕ ዝጠፍኡ፥ ነታ ዂናት ዝዘርግሐት ኢዱ ኣይመለሳን። 27እስራኤል ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ዝኣዘዞ፥ ጥሪትን ምርኮ እታ ኸተማን ጥራሕ ማሪኾም ንባዕላቶም ወሰዱ።
28ኢያሱ ንኸተማ ጋይ ብሓዊ ኣባራዓ፤ ክሳዕ ሎሚ ኸዓ ንዘለኣለም ኵምሪ ዑና ገበራ። 29ንንጉስ ጋይ ድማ ኽሳዕ ምሸት ኣብ ኦም ሰቐሎ፤ ፀሓይ ምስ ዓረበት ከዓ፥ ኢያሱ ነቲ ሬሳኡ ኻብ ኦም ከውርድዎ ኣዘዘ፤ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማውን ደርበይዎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ዓብዪ ጨቝላ እምኒ ጨቈሉላ።
ኣብ እምባ ጌባል ሕጊ ሙሴ ኸም ዝተነበበ
30ሽዑ ኢያሱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ኣብ እምባ ጌባል መሰውኢ ሰርሐ። 31ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ንደቂ እስራኤል ዝኣዘዞም፥ ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴውን ተፅሒፉ ዘሎ፥ መሰውኢ ኻብ ዘይተወቕረ፥ ሓፂን ዘይነኽኦ ኣእማን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡ፤ መስዋእቲ ምስጋናውን ሰውኡ። #ዘፀ. 20፡25። 32ነቲ ሙሴ ዝፀሓፎ ሕጊ ኸዓ ኢያሱ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣብቲ ኣእማን ፀሓፎ። #ዘዳ. 27፡2-8። 33ኵሎም ደቂ እስራኤልን ዓበይትን ኣሕሉቕን ፈረድትን ምስኣቶም ዝነብሩ ባዕዳንን ኣብ መንፅር እቶም ታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሌዋውያን ካህናት ብየማኖምን ብፀጋሞምን ደው በሉ። እቲ ህዝቢ ድማ ፍርቁ ብወገን እምባ ገሪዛን፥ ፍርቁ ድማ ብወገን እምባ ጌባል ቆመ። እዙይ ከዓ ኸምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ህዝቢ እስራኤል ክባረኹ እንተለዉ ዝኣዘዞም ገበረ። 34ድሕሪዙይ ኢያሱ ንዅሉ ቓል ሕጊ፥ ነቲ በረከትን መርገምን፥ ከምቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ተፅሒፉ ዘሎ ኣንበቦ። 35ኢያሱ ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ንኣንስቶምን ህፃናቶምን፥ ነቶም ኣብ ማእኸሎም ዝነብሩ ባዕዳንን፥ ነቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ሕጊ ብምሉኡ ኣንበበሎም እምበር፥ ሓደ ቓል እኳ ኣይሓደገን። #ዘዳ. 11፡29፥ 27፡11-14።
Currently Selected:
ኢያሱ 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in