ኢያሱ 5
5
ግርዘት ኣብ ጌልገላ
1ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ኣሞራውያንን፥ እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዝነበሩ ነገስታት ከነዓናውያንን፥ ደቂ እስራኤል ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገርዎ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ማይ ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዘንቀፆ ምስ ሰምዑ፥ ብፍርሓት ልቦም መኸኸ፤ ብድሕሪዙይ ካብ ደቂ እስራኤል ዝተልዓለ ነፍሲ ኣይተረፈሎምን።
2በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንኢያሱ “በሊሕ ፅንፅልሒት ጌርካ፥ ንደቂ እስራኤል ንኻልኣይ ጊዜ ግረዞም” በሎ። 3ኢያሱ ድማ በሊሕ ፅንፅልሒት ኣንፂሉ፥ ንደቂ እስራኤል ኰረብታ ግርዘት#5፡3 ኰረብታ ግርዘት፦ ብዕብራይስጢ “ጊብያት ሃኣራሎት” ይበሃል። ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ገረዞም።
4ምኽንያቱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ህዝቢ፥ ኵሎም ተባዕትዮ ዝኾኑ ተዋጋእቲ ኻብ ግብፂ ምስ ወፁ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ መንገዲ ሞቱ። 5እቶም ዝወፁ ህዝቢ ኵሎም ግሩዛት እዮም ነይሮም፤ እቶም ካብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ መንገዲ ዝተወለዱ ዅሎም ህዝቢ ግና ኣይተገረዙን ነበሩ። 6ደቂ እስራኤል፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰምዕዎ፥ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ተዋጋእቲ ሰብኡት ብሞት ክሳዕ ዝሃልቁ፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ተጕዓዙ። እግዚኣብሄር ድማ እታ ነቦታቶም ዝመሓለሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ከየርእዮም መሓለ። #ዘሑ. 14፡28-35። 7ነቶም ክንዳኣቶም ዘተስኦም ደቆም ከዓ፥ ኣብ መንገዲ ስለ ዘይተገረዙ፥ ዘይግሩዛት ኮይኖም ነበሩ እሞ፥ ኢያሱ ገረዞም። 8ኵሎም ህዝቢ ምስ ተገረዙ ኸዓ ኽሳዕ ዝሓውዩ ኣብ ሰፈሮም ተቐመጡ።
9እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “ሎሚ ነቲ ናይ ግብፂ ነውሪ ኻባኻትኩም ኣወገድክዎ” በሎ። ስም እታ ቦታ እቲኣ ኸዓ ኽሳዕ ሎሚ ጌልገላ #5፡9 ጌልገላ፦ ብዕብራይስጢ “ምንክርራው” ወይ “ምልጋስ” ማለት እዩ። ይበሃል ኣሎ።
10ደቂ እስራኤል ኣብ ጌልገላ ሰፊሮም እንተለዉ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ወርሒ ኣጋ ምሸት ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ፋሲካ ገበሩ። #ዘፀ. 12፡1-13። 11ፅባሕ እታ ፋሲካ ድማ፥ ካብ ፍረ እኽሊ እታ ምድሪ፥ ቅጫን ቆሎን በልዑ። 12እኽሊ እታ ምድሪ ምስ በልዑ፥ ንፅባሒቱ እቲ መና ኣቋረፀ፤ ደቂ እስራኤል በታ ዓመት እቲኣ ኻብ እቶት ምድሪ ከነዓን በልዑ እምበር፥ ድሕሪኡስ እቲ መና ኣይወረደሎምን። #ዘፀ. 16፡35።
13ኢያሱ ኣብ ጥቓ ኢያሪኮ እንተሎ ዓይኑ ኣልዒሉ ጠመተ፤ ዝተመዘዘ ሰይፊ ብኢዱ ዝሓዘ ሰብኣይ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ነበረ። ኢያሱ ኸዓ ናብኡ ኸይዱ፥ “ንስኻ ኻባና ዲኻ ወይ ካብ ፀላእትና?” በሎ።
14ንሱ ድማ “ኣይፋለይን፥ ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኮይነ ሕዚ መፂአ ኣለኹ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ብገፁ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደሞ፥ “ጐይታይ! ንኣይ ንባርያኻ እትብሎ እንታይ ኣሎ?” በሎ። 15እቲ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቕድስቲ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውፅእ” በሎ። ኢያሱ ኸዓ ኸምኡ ገበረ።
Currently Selected:
ኢያሱ 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: