YouVersion Logo
Search Icon

ኢያሱ 19

19
ርስቲ ስምኦን
1እቲ ኻልኣይ ዕፃ ድማ ናብ ነገድ ስምኦን ከከም ዓሌቶም በፅሐ። ርስቶም ከዓ ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ ይሁዳ ነበረ። 2ንሱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ቤርሳቤህን ሴባን ሞላዳን፥ #1 ዜና. 4፡8-33። 3ሓፃርሹዓልን ባላን ዔፄምን፥ 4ኤልቶላድን በቱልን ሔርማን፥ 5ፂቅላግን ቤትማርካቦትን ሓፀርሱሳን፥ 6ቤተ ለባኦት ሻሩሔንን፥ ኵለን ዓሰርተ ሰለስተ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
7ዓይንን ሪሞንን ዔተርን ዓሻንን፥ ኵለን ኣርባዕተ ኸተማታት እየን። ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። 8ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚኣተን ክሳዕ ባዕላትብዔር፥ ወይ እታ ናይ ደቡብ ራማት፥ ዘለዋ ዅለን ዓድታት እውን ምስኣተን እየን። ርስቲ ነገድ ደቂ ስምኦን ከከም ዓሌቶም እዙይ እዩ። 9ደቂ ይሁዳ ርስቶም የመና ገፊሕ ስለ ዝነበረ፥ ካብቲ ብፅሒቶም ተነክዩ ንነገድ ስምኦን ብርስትነት ተውሃቦም። ብኸምዙይ ደቂ ስምኦን ኣብ ማእኸል ደቂ ይሁዳ ርስቲ ወረሱ።
ርስቲ ዛብሎን
10እቲ ሳልሳይ ዕፃ ድማ ንደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም በፅሖም። ወሰን ርስቶም ከዓ ኽሳዕ ሳሪድ እዩ። 11ብወገን ምዕራብ ናብ መርዓላ ኣቢሉ ይድይብ እሞ ናብ ደባሼት ኣቢሉ ናብቲ ኣብ መንፅር ዮቅንዓም ዘሎ ሩባ ይበፅሕ። 12ካብ ሳሪድ ከዓ ናብ ምብራቕ፥ ናብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ወሰን ኪስሎትታቦር ይበፅሕ፤ ናብ ደብራት ኣቢሉ ናብ ያፊዓ ድማ ይድይብ። 13ካብኡ ኸዓ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ጋትሔፍርን ናብ ዒታቃፂንን ይሓልፍ፤ ቀፂሉውን ናብታ ናብ ኔዓ እትበፅሕ ሪምንናን ይሓልፍ። 14እቲ ወሰኑ ድማ ንኣኣ ዘይሩ ብሰሜን ገይሩ ናብ ሓናቶን የብልሞ፥ ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ከዓ ይበፅሕ፤ 15እዙይውን፥ ቀጣትን ናሃላልን ሺምሮንን ይዳላን ቤተልሔምን፥ ዝበሃላ ዅለን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። 16እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን።
ርስቲ ይሳኮር
17እቲ ራብዓይ ዕፃ ንደቂ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም በፅሖም፦ 18ወሰኖም ናብ ኢይዝራኤልን ከስሎትን ሱነምን ይበፅሕ። 19ናብ ሓፍራይምን ሺኦንን ኣናሓራትን፥ 20ረቢትን ቂሶንን ኣቤፅን፥ 21ሬሜትን ዓይንጋኒምን ዓይንሓዳን ቤትጳፄፅን ይበፅሕ። 22እቲ ወሰን ከዓ ናብ ታቦርን ሻሓፁማን ቤትሳሜስን ይበፅሕ። ቀፂሉ ናብ ዮርዳኖስ ይወፅእ፤ ኵለን ድማ ዓሰርተ ሽዱሽተ ኸተማታትን ቍሸታትን እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። 23እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንነገድ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም እየን።
ርስቲ ኣሴር
24እቲ ሓምሻይ ዕፃ ኸዓ ንነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም በፅሖም። 25ወሰኖም ድማ ሔልቃትን ሓሊን ቤጤንን ኣዚፍን። 26ኣላሜሌክን ዓምዓድን ምሽኣልን ነበረ፥ ብወገን ምዕራብ ከዓ ናብ ቀርሜሎስን ናብ ሺሖርሊብናትን ይበፅሕ። 27ንምብራቕ ፀሓይ ኣቢሉ ናብ ቤትዳጎን ይምለስ፤ ናብ ዛብሎንን ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ኣብ ሰሜን ቤትዔሜቅን ንዒኤልን በፂሑ፥ ብፀጋም ናብ ካቡል ይድይብ። 28ካብኡ ናብ ዔብሮንን ናብ ራኣብን ናብ ሓሞንን ናብ ቃናን ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶና ይበፅሕ። 29እቲ ወሰን ድማ ብራማ ኣቢሉ ኽሳዕ እታ ዝተዓረደት ከተማ ጢሮስ ይበፅሕ፤ ከምኡውን ወሰኑ ናብ ሖሳ ይምለስ እሞ ናብ ባሕሪ ምድሪ ኣክዚብ ይሓልፍ። 30ዑማን ኣፌቅን ረኣብን፥ ኵለን ዕስራን ክልተን ከተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። 31እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን።
ርስቲ ንፍታሌም
32እቲ ሻድሻይ ዕፃ ንደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም በፅሖም። 33ወሰኖም ድማ ኻብ ሔሌፍን ካብታ ኣብ ፀዕነኒም ዘላ ኤሎንን ኣዳሚኔቈብን ያብነኤልን ክሳዕ ለቁም በፂሑ፥ ናብ ዮርዳኖስ ይድይብ። 34ንምዕራብ ኣቢሉ ኸዓ፥ ናብ ኣዝኖትታቦር ይበፅሕ፤ ካብኡ ኸዓ ናብ ሑቆቅ ይወፅእ እሞ፥ ብደቡብ ናብ ዛብሎን፥ ብምዕራብውን ናብ ኣሴር፥ ብምብራቕ ድማ ብዮርዳኖስ ናብ ይሁዳ ይበፅሕ። 35እተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ድማ፥ ፂድምን ፄርን ሓማትን ረቃትን ኬኔሬትን፥ 36ኣዳማን ራማን ሓሶርን፥ 37ቃዴስን ኤድራይን ዓይንሓፆርን፥ 38ዪርኦንን ሚግዳልኤልን ሖሬምን ቤትዓናትን ቤትሳሜስን፥ ኵለን ዓሰርተ ትሽዓተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። 39እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ቍሸታተን ንደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን።
ርስቲ ዳን
40እቲ ሻውዓይ ዕፃ ንነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም በፅሖም። 41ወሰን ርስቶም ፆርዓን ኤሽታኦልን ዒርሸሜሽን፥ 42ሸዕለቢንን ኤሎንን ይትላን፥ 43ኤሎንን ትምናን ኣቃሮንን፥ 44ኢልተቄን ገባቶንን ባዕላትን፥ 45ይሁድን ብኔብረቅን ጋትሪሞንን፥ 46ሜያርቆንን ራቆንን፥ እቲ ኣብ መንፅር ኢዮጴ ዘሎውን ምስኡ ይቝፀር ነበረ። 47ደቂ ዳን ምስ ፀገሞም ንሌሼም ተዋጊኦም ሓዝዋ፤ ነቶም ህዝባውን ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም፤ ወሪሶም ድማ ተቐመጥዋ፤ ንሌሼም ድማ ብስም ኣቦኣቶም “ዳን” ኢሎም ሰመይዋ። #መሳ. 18፡27-29። 48እዘን ከተማታት እዚኣተን መምስ ዓድታተን ንደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም ዝበፅሓኦም ርስቲ እየን።
ርስቲ ኢያሱ
49ነታ ምድሪ በብወሰና ንርስቲ ምስ ተማቐልዋ ኸዓ፥ ደቂ እስራኤል ንኢያሱ ወዲ ነዌ ኣብ ማእኸሎም ርስቲ ሃብዎ። 50ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር እታ ዝደለያ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ዘላ ኸተማ ቲምናት ሴራ ሃብዎ። ነታ ኸተማ ሰርሓ፤ ኣብኣ ድማ ተቐመጠ።
51ካህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን ሹመኛታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ኣብ ሴሎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኖም፥ ብዕፃ ዝተማቐልዎ ርስትታት እዙይ እዩ። ምምቓል እታ ምድሪ ኸዓ ብኸምዙይ ተፈፀመ።

Currently Selected:

ኢያሱ 19: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in