YouVersion Logo
Search Icon

ኢያሱ 13

13
ገና ዘይተስዓረ ምድሪ
1ኢያሱ ድማ ዕድመ ፀጊቡ ኣሪጉ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ነዊሕ ዘመን ጌርካ ኣሪግካ ኢኻ፤ ገና ድማ እትተሓዝ ገፋሕ ምድሪ ተሪፋ ኣላ። 2እታ ዝተረፈት ምድሪ ኸዓ እዚኣ እያ፦ ኵለን ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ጌሹራውያንን፥ 3ካብታ ኣብ ቅድሚ ግብፂ ዘላ ሺሖር ንሰሜን ከዓ ኽሳዕ እታ ምስ ምድሪ ከነዓን እትቝፀር ወሰን ኣስቀሎና፥ ናይቶም ዔዋውያን ዝነበሩ፥ ኣብ ጋዛ፥ ኣብ ኣዛጦን፥ ኣብ ኣስቀሎና፥ ኣብ ጌት፥ ኣብ ኣስቀሎና ናይ ዝገዝኡ፥ ናይ ሓሙሽተ ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ምድሪ እያ። 4ብደቡብ ድማ ዅሉ ምድሪ ከነዓናውያን፥ ሜዓራ ናይ ሲዶናውያንውን ክሳዕ ኣፌቅ፥ ክሳዕ ወሰን ኣሞራውያን፥ 5ምድሪ ጌባላውያን፥ ብምሉኡ ሊባኖስ ድማ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ፥ ካብቲ ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ዘሎ በዓል ጋድ ክሳዕ እቲ ንሓማት ዘእቱ። 6ንዅሎም ካብ ሊባኖስ ክሳዕ ሚስረፎት ማይም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ሲዶናውያን፥ ኣነ ኻብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክሰጎም እየ። ንስኻ ኸዓ ኸምቲ ዝኣዘዝኩኻ፥ እታ ምድሪ ንእስራኤል ርስቲ ጌርካ ኣካፍሎም። #ዘሑ. 33፡54። 7እምበኣር እዛ ምድሪ እዚኣ ንትሽዓቲኦም ነገድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ጌርካ ምቐላ።”
ብምብራቕ ዮርዳኖስ ዘሎ መሬት ከም ዝተመቕለ
8ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን፥ ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝሃቦም፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ርስቶም ተቐበሉ። #ዘሑ. 32፡33፥ ዘዳ. 3፡12።
9እታ ምድሪ ኻብታ ኣብ ገምገም ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፥ ካብታ ኣብ ማእኸል ሩባ ዘላ ኸተማ ኸዓ ዅሉ ጐልጐል ሜድባ ኽሳዕ ዲቦን ትበፅሕ ነበረት። 10ከምኡውን ኣብታ ምድሪ ዅለን ከተማታት ናይቲ ኣብ ሓሴቦን ክሳዕ ወሰን ደቂ ኣሞን ዝነገሰ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥ 11ገለዓድን ወሰን ጌሹራውያንን መዓካታውያንን፥ ብምሉኡ እምባ ኣርሞንኤምን ኵሉ ባሳንድማ ኽሳዕ ሳልካ፥ 12ኵሉ መንግስቲ ዓግ ኣብ ባሳን፥ እቲ ኣብ ኣስታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ዝነገሰ ነበረ። ዓግ ካብቶም ተረፍ ራፋውያን ዝተረፈ ነበረ። ሙሴ ድማ ነቲ ህዝቢ ስዒሩ መሬቶም ሓዘ። 13ንጌሹራውያንን ንመዓካታውያንን ግና ደቂ እስራኤል ኣየውፅእዎምን እሞ ጌሹርን ማዓካትን ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ማእኸል እስራኤል ይቕመጡ ኣለዉ።
14ንነገድ ሌዊ ግና ርስቲ ኣይሃቦምን፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥ ርስቶምስ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ። #ዘዳ. 18፡1።
15ሙሴ ንነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ዓሌቶም ርስቲ ሃቦም።
16ወሰኖም ከዓ ኻብታ ኣብ ገምገም ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔርን ካብታ ኣብ ማእኸል ሩባ ዘላ ኸተማን፥ ጐልጐል ሜድባ ብምሉኡን፥ 17ክሳዕ ሓሴቦንን እተን ኣብ ጐልጐል ዘለዋ ዅለን ከተማታታን፥ ዲቦንን ባሞትበዓልን ቤትበዓልሜዖንን፥ 18ያሕፃን ቄዴሞትን ሜፋዓትን፥ 19ቂርያታይምን ሲበማን እታ ኣብቲ ኣብ ለሰ ዘሎ ዀረብታ እትርከብ ፀሬት ሻሓርን፥ 20ቤት ፌጎርን ጎቦታት ፈስጋን፥ ቤትየሺሞትን፥ 21ኵለን ከተማታት ጐልጐልን ኵላ መንግስቲ እቲ ኣብ ሓሴቦን ነጊሱ ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ምስቶም ሹመኛታት ሚድያን፥ ኤዊን ሬቀምን ፁርን ሑርን ሬባን፥ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ሹመኛታት ሴዎን፥ ሙሴ ዝሰዓሮም እዮም። 22ደቂ እስራኤል ከዓ ንበለዓም ጠንቋሊ ወዲ ቢዖር ምስቶም ካልኦት ኣብ ውግእ ዝቐተልዎም ብሰይፊ ቐተልዎ። 23ወሰን ደቂ ሮቤል ድማ ፈለግ ዮርዳኖስ ነበረ። እዘን ከተማታትን ዓድታትን እዚኣተን ከከም ዓሌቶም ርስቲ ደቂ ሮቤል ነበራ።
24ሙሴ ንደቂ ጋድ ከከም ዓሌቶም ዝሃቦም ርስቲ እዙይ እዩ፦
25ወሰኖም ኢያዜርን ኵለን ከተማታት ገለዓድን ፍርቂ ምድሪ ደቂ ኣሞን ክሳዕ እታ ኣብ መንፅር ረባት ዘላ ዓሮዔር ነበረ። 26ካብ ሓሴቦን ድማ ኽሳዕ ራማት ሚፅጴን በጦኒምን፥ ካብ መሃናይም ከዓ ኽሳዕ ወሰን ዳቤር ነበረ። 27ኣብቲ ለሰ ድማ እቲ ተረፍ መንግስቲ ሴዎን፥ ንጉስ ሓሴቦን ዝኾነ፥ ቤትሃራምን ቤትኒምራን ሱኰትን ፃፎንን ነበረ። እቲ ወሰን ብወገን ምብራቕ ሩባ ዮርዳኖስ ኮይኑ ኽሳዕ ወሰን ባሕሪ ገሊላ ይበፅሕ ነበረ። 28እዘን ከተማታትን ዓድታትን እዚኣተን ከከም ዓሌቶም ርስቲ ደቂ ጋድ ነበራ።
29ሙሴ ንፍርቂ ነገድ ምናሴውን ከከም ዓሌቶም ርስቲ ሃቦም። 30ወሰኖም ካብ መሃናይም ባሳን ብምሉኡ፥ ኵሉ መንግስቲ ዓግ ንጉስ ባሳን፥ ኵለን ዓድታት ናይታ ኣብ ባሳን ዘላ ያኢር፥ ስሳ ኸተማታት፥ 31ፍርቂ ገለዓድ፥ ኣብ ባሳን ዝርከባ ኸተማታት መንግስቲ ዓግ ዝሓውስ ኣስታሮትን ኤድሬዒን እዩ። እዙይ ንፍርቂ ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ኸከም ዓሌቶም ተውሃበ።
32እተን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ብወገን ምብራቕ ኢያሪኮ፥ ኣብ ጐልጐል ሞኣብ፥ ሙሴ ርስቲ ዘካፈሎም፥ እዚኣተን እየን፤ 33ንነገድ ሌዊ ግና፥ ከምቲ ዝበሎም፥ ርስቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝኾነ ሙሴ ርስቲ ኣይሃቦምን። #ዘሑ. 18፡20፥ ዘዳ. 18፡2።

Currently Selected:

ኢያሱ 13: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in