ዮናስ 4
4
ኵራ ዮናስን ምሕረት እግዚኣብሄርን
1እዝ ነገር እዙይ ንዮናስ ኣየሐጐሶን፤ የመናውን ተቘጠዐ። 2#ዘፀ. 34፡6። ናብ እግዚኣብሄር ድማ “ኦ እግዚኣብሄር፥ እልምነካ ኣለኹ፤ እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ዝተዛረብክዎስ እዙይዶ ኣይኮነን? ለጋስን ርህሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓይን፥ በዓል ዓብዪ ምሕረትን፥ ክፍኣት ካብ ምምፃእ እትናሳሕ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ስለ ዝፈለጥኩ እየ፥ ኣቐዲመ ናብ ተርሴስ ዝሃደምኩ። 3#1 ነገ. 19፡4። ኦ እግዚኣብሄር፥ እምበኣርከስ ሕዚ ኻብ ብህይወት ምንባርስ ሙማት ይሕሸኒ እዩ እሞ፥ እልምነካ ኣለኹ፤ ንነፍሰይ ካባይ ውሰዳ” ኢሉ ፀለየ።
4እግዚኣብሄር ድማ “ብሱሩ ኽትቍጣዕዶ ይግብአካ እዩ?” በሎ።
5ዮናስ ከዓ ኻብታ ኸተማ ንወገን ምብራቕ ኣቢሉ ወፀ እሞ፥ ኣብኣ ተቐመጠ፤ ንባዕሉ ድማ ዳስ ገበረ። ነታ ኸተማ ዝወርዳ ኽርኢ ኸዓ ኣብ ትሕቲ ፅላላ ተቐመጠ። 6እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ንዮናስ ርእሱ ኽተፅልለሉ እሞ፥ ካብ ጭንቂ ኽተድሕኖ ኢሉ፥ ሓንቲ ተኽሊ ሓምሓም ኣብቈለ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸም እትዓቢ ድማ ገበራ። ዮናስውን በታ ተኽሊ ሓምሓም የመና ተሓጐሰ። 7ግና ንፅባሒቱ ምስ ወግሐ፥ ኣምላኽ፥ ሓሰኻ ኣዳለወ፤ ነታ ተኽሊ ድማ እቲ ሓሰኻ በልዓ፤ ንሳ ኸዓ ነቐፀት። 8ፀሓይ ምስ በረቐት ድማ፥ እግዚኣብሄር ዘቃፅል ንፋስ ምብራቕ ኣዳለወ፤ እታ ፀሓይ ከዓ ንዮናስ፥ ርእሱ ኽሳዕ ዝዞሮ ወቕዐቶ። ንሱውን ንባዕሉ ሞት ተመንዩ፥ “ካብ ብህይወት ምንባርስ ሙማት ይሕሸኒ” በለ።
9እግዚኣብሄር ከዓ ንዮናስ “ብሓቂ ብዛዕባ እታ ተኽሊ ሓምሓም ክትቍጣዕዶ ይግብአካ እዩ?” በሎ። ዮናስ ድማ “ክሳዕ ሞት ክቝጣዕ ይግብአኒ እዩ” በለ።
10እግዚኣብሄር ከዓ “ንስኻ በታ ዘይደኸምካላን ዘየዕበኻያን፥ ብሓንቲ ለይቲ ዝበቘለት፥ ብሓንቲ ለይቲ ድማ ዝጠፍአት ተኽሊ ሓምሓም ሓዘንካ። 11ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ፥ የማኖም ካብ ፀጋሞም ክፈልዩ ዘይኽእሉ፥ ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዝበዝሑ ሰባትን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋ ኽርህርሀላዶ ኣይግብአንን?” በሎ።
Currently Selected:
ዮናስ 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in