ኢዩኤል 3
3
እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ክፈርዶም እዩ
1እንሆ ድማ፥ በተን መዓልቲታት እቲኣተንን፥
በቲ ጊዜ እቱይን፥
ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ካብ ምርኮ ምስ መለስክዎም፥
2ንዅሎም ኣህዛብ ክእክቦም፥
ናብ ለሰ ኢዮሳፍጥ ከዓ ኸውርዶም እየ፤
ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ህዝበይን፥
ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን፥
ነቶም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ዘበልዎምን፥
ንምድረይ ከዓ እተማቐልዋን ኣህዛብ፥
ኣብኡ ኽፋረዶም እየ።
3ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዕፃ ኣውደቑ፤
ንኣመንዝራ ሰበይቲ፥ ዋጋኣ ተባዕታይ ቈልዓ ሃቡ፤
ጓል ድማ ንወይኒ ሸጥዋ፤ ሰተዩውን።
4ኣቱም ጢሮስን ሲዶናን ኵልኻትኩም ግዝኣት ፍልስጥኤምን፥ ኣነ ምሳኻትኩም እንታይ ኣለኒ? ኽትፈድዩኒ ዲኹም? እንተ እትፈድዩኒ እኳ፥ ቀልጢፈ ብድንገት ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ። 5ብሩረይን ወርቀይን ወሲድኩም ኢኹም እሞ፥ እቲ ዘብህግ ክቡር ኣቕሓይ ከዓ፥ ናብ መቕደሳትኩም ኣእቲኹምዎ ኢኹም እሞ፥ 6ንደቂ ይሁዳን ንደቂ ኢየሩሳሌምን ድማ፥ ካብ ወሰኖም ክተርሕቕዎም፥ ናብ ግሪካውያን ሼጥኩምዎም ኢኹም እሞ። 7እንሆ፥ ኣነ ኻብቲ ንኣኣቶም ዝሸጥኩምዎም ስፍራ ኸልዕሎም እየ፤ ፍዳኹምውን ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ። 8ነዙይ እግዚኣብሄር ተዛሪብዎ እዩ እሞ፥ ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን፥ ናብ ኢድ ደቂ ይሁዳ ኽሸጦም እየ፤ ንሳቶምውን ናብቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ህዝቢ፥ ናብ ሰብ ሳባ ኽሸጡኹም እዮም።
9እዙይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣውጁ፤
ንውግእ ተዳለዉ፤ ነቶም ጀጋኑ ኣንቅሕዎም፤
ኵሎም ተዋጋእቲ ቐሪቦም ይውፅኡ።
10ማሕረሻኹም ሰይፊ፥
ንማዕፂድኩም ድማ ዂናት ክኸውን ቀጥቅጥዎ፤
እቲ ድኹም ድማ፥
ኣነ ጅግና እየ ይበል።
11ኣቱም ኣብ ከባቢ ዘለኹም ኵልኹም ኣህዛብ፥
ቀልጥፉ ንዑ ተአከቡ፤
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንጀጋኑኻ ናብኡ ኣውርዶም።
12ኣነ ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ ክፈርድስ፥
ኣብኡ ክቕመጥ እየሞ፥
እቶም ኣህዛብ ይለዓሉ፥
ናብ ለሰ ዮሳፍጥውን ይውፅኡ።
13ክፍኣቶም ስለ ዝበዝሐ፥
ቀውዒ በፂሑ እዩ እሞ፥ ማዕፂድ ስደዱ፤
እቲ መፅመቚ መሊኡ፥
ኣጋንእ ከዓ መሊኡ የንጠብጥብ ኣሎ እሞ ንዑ ርገፁ።
14መዓልቲ እግዚኣብሄር፥
ኣብ ለሰ ፍርዲ ቀሪባ እያሞ፥
ናይ የመና ብዙሕ ህዝቢ ወኻዕታ፥
ኣብ ለሰ ፍርዲ ኣሎ።
15ፀሓይን ወርሕን ፀልሚተን እየን፤
ከዋኽብቲ ድማ ብርሃኖም ሰዊሮም እዮም።
16እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን፥
ድምፁ ልዕል ኣቢሉ የስምዕ፤
ድምፁውን ልዕል ኣቢሉ፥
ካብ ኢየሩሳሌም ቃሉ ይህብ፤
ሰማይን ምድርን ከዓ የንቀጥቅጡ፤
ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቘቢ፥
ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ ክኸውን እዩ።
17ኣነ ኣብ ቅዱስ እምባይ ኣብ ፅዮን ዝነብር፥
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ ኽትፈልጡ ኢኹም።
በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሩሳሌም ዝተቐደሰት ክትከውን እያ፤
ድሕሪዙይውን ጓኖት ኣይሓልፍዋን እዮም።
18በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፤
እምባታት ሓድሽ ወይኒ ኸንጠብጥቡ፥
ኰረብታታት ድማ ፀባ ኸውሕዙ፥
ካብ ኵሉ ሩባታት ይሁዳ ኸዓ ማያት ከውሕዙ እዮም፤
ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኒ ማይ ክትፍልፍል፥
ንለሰ ሰጢም ድማ ኽተስቲ እያ።
19ኣብ ምድሮም ንፁህ ደም ኣፍሲሶም እዮም እሞ፥
ብሰንኪ እቲ ንደቂ ይሁዳ ዝተገብረ ዓመፅ፥
ግብፂ ኽትባድም፥ ኤዶምያስ ከዓ ምድረ በዳ ኽትከውን እያ።
20ይሁዳ ግና ንዘለኣለም፥
ኢየሩሳሌምውን ንውሉድ ወለዶ መንበሪ ክኸውን እዩ።
21ኣነ ድማ ነቲ ዘየፅረኽዎ ደሞም ከፅርዮ እየ፤
እግዚኣብሄርውን ኣብ ፅዮን ክሓድር እዩ።
Currently Selected:
ኢዩኤል 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ኢዩኤል 3
3
እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ክፈርዶም እዩ
1እንሆ ድማ፥ በተን መዓልቲታት እቲኣተንን፥
በቲ ጊዜ እቱይን፥
ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ካብ ምርኮ ምስ መለስክዎም፥
2ንዅሎም ኣህዛብ ክእክቦም፥
ናብ ለሰ ኢዮሳፍጥ ከዓ ኸውርዶም እየ፤
ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ህዝበይን፥
ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን፥
ነቶም ኣብ መንጎ ኣህዛብ ፋሕ ዘበልዎምን፥
ንምድረይ ከዓ እተማቐልዋን ኣህዛብ፥
ኣብኡ ኽፋረዶም እየ።
3ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዕፃ ኣውደቑ፤
ንኣመንዝራ ሰበይቲ፥ ዋጋኣ ተባዕታይ ቈልዓ ሃቡ፤
ጓል ድማ ንወይኒ ሸጥዋ፤ ሰተዩውን።
4ኣቱም ጢሮስን ሲዶናን ኵልኻትኩም ግዝኣት ፍልስጥኤምን፥ ኣነ ምሳኻትኩም እንታይ ኣለኒ? ኽትፈድዩኒ ዲኹም? እንተ እትፈድዩኒ እኳ፥ ቀልጢፈ ብድንገት ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ። 5ብሩረይን ወርቀይን ወሲድኩም ኢኹም እሞ፥ እቲ ዘብህግ ክቡር ኣቕሓይ ከዓ፥ ናብ መቕደሳትኩም ኣእቲኹምዎ ኢኹም እሞ፥ 6ንደቂ ይሁዳን ንደቂ ኢየሩሳሌምን ድማ፥ ካብ ወሰኖም ክተርሕቕዎም፥ ናብ ግሪካውያን ሼጥኩምዎም ኢኹም እሞ። 7እንሆ፥ ኣነ ኻብቲ ንኣኣቶም ዝሸጥኩምዎም ስፍራ ኸልዕሎም እየ፤ ፍዳኹምውን ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ። 8ነዙይ እግዚኣብሄር ተዛሪብዎ እዩ እሞ፥ ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን፥ ናብ ኢድ ደቂ ይሁዳ ኽሸጦም እየ፤ ንሳቶምውን ናብቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ህዝቢ፥ ናብ ሰብ ሳባ ኽሸጡኹም እዮም።
9እዙይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣውጁ፤
ንውግእ ተዳለዉ፤ ነቶም ጀጋኑ ኣንቅሕዎም፤
ኵሎም ተዋጋእቲ ቐሪቦም ይውፅኡ።
10ማሕረሻኹም ሰይፊ፥
ንማዕፂድኩም ድማ ዂናት ክኸውን ቀጥቅጥዎ፤
እቲ ድኹም ድማ፥
ኣነ ጅግና እየ ይበል።
11ኣቱም ኣብ ከባቢ ዘለኹም ኵልኹም ኣህዛብ፥
ቀልጥፉ ንዑ ተአከቡ፤
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንጀጋኑኻ ናብኡ ኣውርዶም።
12ኣነ ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ ክፈርድስ፥
ኣብኡ ክቕመጥ እየሞ፥
እቶም ኣህዛብ ይለዓሉ፥
ናብ ለሰ ዮሳፍጥውን ይውፅኡ።
13ክፍኣቶም ስለ ዝበዝሐ፥
ቀውዒ በፂሑ እዩ እሞ፥ ማዕፂድ ስደዱ፤
እቲ መፅመቚ መሊኡ፥
ኣጋንእ ከዓ መሊኡ የንጠብጥብ ኣሎ እሞ ንዑ ርገፁ።
14መዓልቲ እግዚኣብሄር፥
ኣብ ለሰ ፍርዲ ቀሪባ እያሞ፥
ናይ የመና ብዙሕ ህዝቢ ወኻዕታ፥
ኣብ ለሰ ፍርዲ ኣሎ።
15ፀሓይን ወርሕን ፀልሚተን እየን፤
ከዋኽብቲ ድማ ብርሃኖም ሰዊሮም እዮም።
16እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን፥
ድምፁ ልዕል ኣቢሉ የስምዕ፤
ድምፁውን ልዕል ኣቢሉ፥
ካብ ኢየሩሳሌም ቃሉ ይህብ፤
ሰማይን ምድርን ከዓ የንቀጥቅጡ፤
ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቘቢ፥
ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ ክኸውን እዩ።
17ኣነ ኣብ ቅዱስ እምባይ ኣብ ፅዮን ዝነብር፥
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ ኽትፈልጡ ኢኹም።
በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሩሳሌም ዝተቐደሰት ክትከውን እያ፤
ድሕሪዙይውን ጓኖት ኣይሓልፍዋን እዮም።
18በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፤
እምባታት ሓድሽ ወይኒ ኸንጠብጥቡ፥
ኰረብታታት ድማ ፀባ ኸውሕዙ፥
ካብ ኵሉ ሩባታት ይሁዳ ኸዓ ማያት ከውሕዙ እዮም፤
ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኒ ማይ ክትፍልፍል፥
ንለሰ ሰጢም ድማ ኽተስቲ እያ።
19ኣብ ምድሮም ንፁህ ደም ኣፍሲሶም እዮም እሞ፥
ብሰንኪ እቲ ንደቂ ይሁዳ ዝተገብረ ዓመፅ፥
ግብፂ ኽትባድም፥ ኤዶምያስ ከዓ ምድረ በዳ ኽትከውን እያ።
20ይሁዳ ግና ንዘለኣለም፥
ኢየሩሳሌምውን ንውሉድ ወለዶ መንበሪ ክኸውን እዩ።
21ኣነ ድማ ነቲ ዘየፅረኽዎ ደሞም ከፅርዮ እየ፤
እግዚኣብሄርውን ኣብ ፅዮን ክሓድር እዩ።
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in