ኢዩኤል 2
2
ኣንበጣ ምምፃእ መዓልቲ እግዚኣብሄር የመልክት
1መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመፅእ ኣላ፤
ቀሪባ ኸዓ እያ እሞ፥
ኣብ ፅዮን መለኸት ንፍሑ፤
ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ድማ ኣእውዩ፤
መዓልቲ እግዚኣብሄር መፂኣ እያሞ፥
ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ዅላቶም የንቀጥቅጡ።
2መዓልቲ ፀልማትን ጣቓን፥
መዓልቲ ደመናን ግብ ዝበለ ፀልማትን፥
ዓቢይን ሓያልን ህዝቢ፥
ከም ብርሃን ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ እምባታት ተዘርጊሑ ኣሎ፤
ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኸምኣቶም ዝበለ ኣይነበረን፤
ድሕሪኣቶምውን ክሳዕ ብዙሕ ውሉድ ወለዶ፥
ከምኣቶም ዝበለ ኸቶ ኣይኸውንን።
3ኣብ ቅድሚኣቶም ሓዊ ትባላዕ፥
ኣብ ድሕሪኣቶም ድማ፥ ሃልሃልታ ሞዅ የብል፤
እታ ምድሪ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ገነት ኤደን፥
ኣብ ድሕሪኣቶም ከዓ ምድረ በዳ እያ፤
ካብኣቶምውን ዘምልጥ የለን።
4ትርኢቶም ከም ትርኢት ኣፍራስ እዩ፤
ከም ኣፍራስ ድማ ይጋልቡ።
5ከምቲ ኣብ ርእሲ እምባ ድዋዕዋዕ ዝብል ሰረገላታት፥
ከምቲ ንሓሰር ክበልዕ እንተሎ፥
ጥዋዕዋዕ ዝብል ድምፂ ሃልሃልታ ሓዊ፥
ከምቲ ንውግእ ዝተሰለፈ ሓያል ህዝቢ ይዘሉ።
6ኣብ ቅድሚኣቶም ህዝብታት ይጭነቑ፤
ኵሉ ገፅ ሰብውን ይፅልም።
7ከም ጀጋኑ ይጐዩ፤
ከምዝዋግኡ ሰባት ናብ ቅፅሪ ይድይቡ፤
ነፍሲ ወከፍ በብጐደናኡ ይሓልፍ፤
ካብ መንገዶም ከዓ ድሕር ኣይብሉን።
8እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ኣይዳፋእን፤
ነፍሲ ወከፍ በብመንገዱ ይኸይድ፤
ናብ ማእኸል ውግእ ይሓልፉ፤ ኣይቘስሉንውን።
9ነታ ኸተማ ይወሩ፤
ኣብ ልዕሊ ቕፅሪ ይጐዩ፤
ናብ ኣባይቲ ይድይቡ፤
ከም ሰራቒውን ብመሳዅቲ ይኣትዉ።
10ምድሪ ኣብ ቅድሚኣቶም ትድንግፅ፤
ሰማያት ይንቅጥቀጡ፤
ፀሓይን ወርሕን ይፅልምታ፤
ከዋኽብቲ ኸዓ ብርሃኖም ይኽውሉ።
11እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምፁ ይህብ፤
ሰፈሩ የመና ብዙሕ እዩ እሞ፥
እቲ ንቓሉ ዝፍፅም ንሱ ሓያል እዩ፤
መዓልቲ እግዚኣብሄር ዓባይን፥
የመና እተፍርሕን እያ፤ መንከ ይኽእላ?
እግዚኣብሄር ተነስሁ ኢሉ ኸም ዝፀውዐ
12እምበኣርከስ ሕዚ እውን፥
ብፆምን ብብኽያትን ብሓዘንን፥
ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
13ንሱ ለዋህን፥ ርሕሩህን፥
ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ዝበዝሐ፥
ክፉእ ነገር ካብ ምምፃእ ዝናሳሕ እዩሞ፥
ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቕደዱ፤
ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ።
14ብምሕረቱ ተናሲሑ ዝምለስ እንተ ኾነ፥
ብድሕሪኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥
ብቝርባን እኽልን ብቝርባን መስተን፥
በረኸት ዝሓድግ እንተ ኮነ፥ መን ይፈልጥ?
15ኣብ ፅዮን መለኸት ንፍሑ፤
ቅዱስ ፆም ኣውጁ፤
ዝተቐደሰ ጉባኤውን ፀውዑ።
16ህዝቢ ኣክቡ፤ ነቲ ጉባኤውን ቀድሱ፤
ንኣረጋውያን ኣክቡ፤
ቈልዑን ጡብ ዝጠብዉ ህፃናትን ኣክቡ፤
መርዓዊ ኻብ ሕልፍኚ፥
መርዓት ከዓ ኻብ መጋረጃኣ ይውፅኡ።
17እቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ካህናት፥
ኣብ መንጎ ኣዳራሽን መሰውእን እናበኸዩ፦
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንህዝብኻ ራህርሀሉ፤
ነቲ ርስትኻ፥ ኣህዛብ መመሰሊ ኽገብርዎ፥
ንመላገፂ ኣሕሊፍካ ኣይትሃቦ፤
ስለ ምንታይከ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥
ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ? ዝበሃሉ ይበሉ።
18እግዚኣብሄር ስለ ምድሩ ቐንአ፤
ንህዝቡ ኸዓ ራህርሀ።
19እግዚኣብሄር ንህዝቡ መለሰሉ፥ በሎውን፤
እንሆ፥ ኣነ እኽልን ወይንን ዘይትን ክሰደልኩም እየ፤
ንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትፀግቡ ኢኹም፤
ድሕሪዙይ ኣብ ማእኸል ህዝብታት፥
መላገፂ ኣይክገብረኩምን እየ።
20ነቲ ሰራዊት ሰሜን ካባኻትኩም ከርሕቖ እየ፤
ናብ ደረቕን ዝዐነወን ምድሪ፥
ገፁ ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፥
ዝባኑ ኸዓ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ገይረ ኽሰጎ እየ፤
ንሱ ዓብዪ ትዕቢት ገይሩ እዩ እሞ፥
ሕማቕ ጨናኡ ኽወፅእ፥
ክርፋሑ ድማ ኽለዓል እዩ።
21ኣቲ ምድሪ፥ እግዚኣብሄር ዓብዪ ነገር ገይሩ እዩሞ፥
ኣይትፍርሒ፤ ተሓጐሲ፤ ዕልልውን በሊ።
22ኣቱም እንስሳ ምድሪ፥
እቲ መጓሰዪ በረኻ ለምሊሙ፥
እቲ ኦምውን ፈርዩ እዩሞ፥
ኦም በለስን ተኽሊ ወይንን ከዓ፥
ሓይላቶም ይህቡ ኣለዉ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።
23ኣቱም ደቂ ፅዮን፥
ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር፥
ዝናም ፅድያ ብፅድቂ ይህበኩም ኣሎሞ፥
ከም ቀደሙ ዝናም ፅድያን ፅብሓትን፥
የውርደልኩም ኣሎሞ፥ ተሓጐሱ፤
ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ፥
ደስ ይበልኩም፤ ንእኡውን ዕልል በሉ።
24ዓውድታት ከዓ እኽሊ ኽመልኡ እዮም፤
መፅመቚታትውን ወይንን ዘይትን፥
መሊኡ ትርፍርፍ ክብል እዩ።
25ኣነ ኸዓ እቶም ኣንበጣን ኵብኵብታን ሓሰኻን፥
ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ ዓብዪ ሰራዊተይ ዝበልዐን ዓመታት ክምልሰልኩም እየ።
26ብዙሕ መብልዕ ክትበልዑ፥ ክትፀግቡውን ኢኹም፤
ነቲ ተኣምራት ዝገበረልኩም፥
ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ፥
ክተመስግንዎ ኢኹም፤
ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሓፍርን።
27ኣነ ኣብ ማእኸል እስራኤል ከም ዘለኹ፥
ኣነ ኸዓ እግዚኣብሄር ኣምላኻኩም ከም ዝኾንኩ፥
ብዘይ ዝኣይ ድማ ኻልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ኽትፈልጡ ኢኹም፤
ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሓፍርን።
28ብድሕሪዙይ ከምዙይ ክኸውን እዩ፤
መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ዝለበሰ ኸፍስስ እየ፤
ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ክንበዩ፥
ኣረጋውያንኩም ሕልሚ ኽሓልሙ፥
ኣጓብዝኩም ከዓ ራእይ ክሪኡ እዮም።
29በተን ኣዋርሕ እቲኣተን፥
ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ፥
መንፈሰይ ክኽዑ እየ።
30ኣብ ልዕሊ ሰማይ ከዓ ተኣምራት፥
ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ድማ፥
ደምን ሓዊን ትክን ከርኢ እየ።
31እታ ዓባይን መፍርሒትን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥
ፀሓይ ናብ ፀልማት፥
ወርሒ ድማ ናብ ደም ክትልወጥ እያ።
32ከምዙይ ክኸውን እዩ፤
ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ፥ ክድሕን እዩ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥
ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን፥
መድሓኒት ክርከብ እዩ፤
ኣብቶም እግዚኣብሄር ዝፅውዖም፥
ብስራት ዝስበኸሎም ክርከቡ እዮም።
Currently Selected:
ኢዩኤል 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in