YouVersion Logo
Search Icon

ኢዩኤል 1

1
1ናብ ኢዩኤል ወዲ ባቱኤል ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦
ኣንበጣ ዘስዓቦ ጥፍኣት
2ኣቱም ኣረጋውያን፥ እዙይ ስምዑ፤
ኣቱም ኣብ ምድሪ እትነብሩ ዅልኻትኩምውን፥
ኣእዛንኩም ፅን ይበል።
እዙይ ብዘመንኩም ወይ ብዘመን ኣቦታትኩም፥
ከምዙይ ዝበለዶ ኾይኑ ይፈልጥ እዩ?
3እዙይ ንደቅኹም ንገሩ፤
ደቅኹም ከዓ ንደቆም፥
ደቆምውን ነቲ ዳሕረዋይ ትውልዲ ይንገሩ።
4ካብ ኵብኵብታ ዝተረፈ ኣንበጣ በልዖ፤
ካብ ኣንበጣ ዝተረፈ ኸዓ ቃቔጣ በልዖ፤
ካብ ቃቔጣ ዝተረፈ ድማ ሓሰኻ በልዖ።
5ኣቱም ሰካራማት፥ ንቕሑን ብኸዩን፤
ኣቱም ሰተይቲ ወይኒ ዅልኻትኩም፥
እቲ ሓድሽ ወይኒ ኻብ ኣፍኩም ተወሲዱ እዩ እሞ፥
ዋይ ዋይ በሉ።
6ቊፅሪ ዘይብሉ ሓያል ህዝቢ፥
ናብ ምድረይ ደዪቡ እዩሞ፤
ኣስናኑ፥ ኣስናን ኣንበሳ እዩ፤
ከም ናይ ኣንስተይቲ ኣንበሳ ዝበለ ምንጋጋ ኸዓ ኣለዎ።
7ንተኽሊ ወይነይ ኣባደማ፤
ንኦም በለሰይ ድማ ፈሓቆ፤
ጨሪሱ ቐንጢጡ ኸዓ ደርበዮ፤
ጨናፍሩውን ፃዕደወ።
8ከምታ ንሰብኣይ ንእስነታ፥
ወጮ ተኸዲና እትበኪ ድንግል ብኸዪ።
9ቍርባን እኽልን ቍርባን መስተን፥
ካብ ቤት እግዚኣብሄር ተወጊዱ፤
እቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ካህናት ይበኽዩ ኣለዉ።
10እቲ እኽሊ ጠፊኡ፥ እቲ ሓድሽ ወይኒ እውን ነቒፁ፥
ዘይትውን ጐዲሉ እዩ እሞ፥
እቲ ገራሁ ባዲሙ፥ ምድሪ እውን ትበኪ ኣላ።
11እቶት ገራሁ ጠፊኡ እዩ እሞ፥
እቶም ሓረስቶት፥ ብምኽንያት ስርናይን ስገምን ሓፈሩ፤
እቶም ሰብ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን፥
ዋይ ዋይ በሉ።
12ተኽሊ ወይኒ ነቐፀ፤ ኦም በለስ ከዓ ፀምለወ፤
ኦም ሮማንን ተምርን ምልዖን፥
ኵሉ ኣእዋም በረኻን ነቐፀ፤
ሓጐስውን ካብ ደቂ ሰብ ረሓቐ።
13መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን፥
ካብ ቤት ኣምላኽኩም ተሪፉ እዩ እሞ፥
ኣቱም ካህናት፥ ወጮ ተዓጢቕኩም ብኸዩ፤
ኣቱም ኣገልገልቲ መሰውኢውን፥ ዋይ ዋይ በሉ፤
ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ፥ ንዑ፤
ምሉእ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ወጮ ደቅሱ።
14ፆም ኣውጁ፤ ጉባኤ ፀውዑ፤
ንሽማግለታትን ኣብታ ምድሪ ንዝነብሩ ዅላቶምን፥
ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፤
ናብ እግዚኣብሄር ከዓ ተማህለሉ።
15መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላሞ፥
ነዛ መዓልቲ እዚኣ ወዮ!
ንሳውን ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥
ከም ጥፍኣት ክትመፅእ እያ።
16ካብ ቅድሚ ዓይንና ምግቢ፥
ካብ ቤት ኣምላኽና ድማ፥
ሓጐስን ዕልልታን ዝጠፍአዶ ኣይኮነን?
17እቲ ዘርኢ ኣብ ውሽጢ ምድሪ በስበሰ፤
እኽሊ ሃጒጉ እዩ እሞ ቖፎታት ጥራሖም ኮኑ፤
ማዕከናትውን ፈረሱ።
18እንስሳታት ዓዕ ይብሉ፤
እተን መጓሰ ኸፍቲ፥
ዝጓሰያሉ ስለ ዝሰኣና ተጨነቓ፤
መጓሰ ኣባጊዕ ድማ ጠፍኣ።
19ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰዪ ሓዊ በሊዕዎ፤
ንዅሉ ኣእዋም በረኻ ኸዓ፥
ሃልሃልታ ሞዅ ኣቢልዎ እዩ እሞ፥
ኦ እግዚኣብሄር፥ ናባኻ አእዊ ኣለኹ።
20ወሓዚ ማያት ነፂፉ፤
ነቲ መጓስዪ በረኻ ድማ ሓዊ በሊዕዎ እዩ እሞ፥
እንስሳ በረኻውን ናባኻ የእውዩ ኣለዉ።

Currently Selected:

ኢዩኤል 1: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in