ኢዮብ መእተዊ
መእተዊ
መፅሓፍ ኢዮብ ብዛዕባ ሓደ ሕያዋይ ዝኾነ ሰብ እሞ፥ ስቓይን መከራን ዝወረዶ፥ ዝትርኽ መፅሓፍ እዩ። እዝ ሰብ እዙይ ዅሎም ደቁ ዝሞትዎን ኵሉ ሃብቱ ዝጠፍኦን፥ ንባዕሉውን ብዘሰቅቕ ቍስሊ ዝሳቐ ዝነበረ ሰብ እዩ። ኢዮብን ሰለስተ ፈተውቱን፥ ብግጥሚ ገይሮም ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢዮብ ዝወረደ ዘሰቅቕ ሕማም ስምዒቶም ከም ዝገለፁን፥ ኣብ መወዳእታ ድማ እግዚኣብሄር ከም ዝተገልፀሉን ይትርኽ።
እቶም ፈተውቱ፥ ብዛዕባ እቲ ንኢዮብ ዝረኸቦ ስቓይ፥ ከምቲ ብዘመኖም ዝነበረ ኣተሓሳስባ ገይሮም ርኢቶኦም ይገልፁሉ ነበሩ። “እግዚኣብሄር ንሕያዋይ ፅቡቕ ዝፈዲ፥ ንኽፉእ ከዓ ዝቐፅዕ እዩ። ስለዙይ ኢዮብ ሓጢኣት ስለ ዝገበረ እዩ እዝ መከራዙይ ክበፅሖ ዝኸኣለ” ኢሎም ይሓስቡ ነበሩ። ኢዮብ ግና “ሕያዋይን ቅኑዕን ስለ ዝኾንኩስ ከምዙይ ዝበለ ብርቱዕ መቕፃዕቲ ኽወርደኒ ኣይግባእን እዩ” ይብል ነበረ። ከመይ ኢሉ እግዚኣብሄር ከምዙይ ዝበለ ኽፉእ ነገር ክወርዶ ኸም ዝፈቐደ እውን ክርድኦ ኣይከኣለን። ምስ እዝ ዅሉ ግና እምነቱ ኣየጥፍአን። እኳ ደኣ፥ ቅንዕናኡ ሪኡ ኽምሕሮን ናብ ናይ ቀደሙ ኽብርን ናብራን ከዓ ኽመልሶን ንእግዚኣብሄር ይልምን ነበረ።
እግዚኣብሄር ንኢዮብ ግሉፅ ምላሽ ኣይሃቦን፤ ግና ብዘደንቕ ኣገላልፃ ገይሩ መለኮታዊ ስልጣኑን ጥበቡን ኣርኣዮ። ሽዑ ኢዮብ፥ እግዚኣብሄር ፈላጥን ዓቢዪን ምዃኑ ብትሕትና ተቐቢሉ፥ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፀ ቓል ድፍረትን ቍጥዓን ድማ ተነስሀ።
ኣብ መወዳእታ፥ ኢዮብ ናብ ናብራ ቐደሙ ኸም ዝተመለሰን፥ ሃብቱ ድማ ኻብቲ ናይ ቅድም ከም ዝበዝሐን፥ እቲ ፅሑፍ ይገልፅ። እቶም ፈተውቲ ኢዮብ ነቲ ዝወረዶ ስቓይ ትርጕሙ ስለ ዘይፈለጥዎ እግዚኣብሄር ገሰፆም። ኢዮብ ግና፥ ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ብልምዲ ዝግበር እምነት፥ እግዚኣብሄር የመና ይዓቢ፥ ኢሉ ዝኣመነ ንሱ ጥራሕ ነበረ።
ትሕዝቶ
1. ፈተና ኢዮብ 1፡1-2፡13
2. ኢዮብን ፈተውቱን 3፡1-31፡40
1) ኢዮብ ከም ዝተመረረ 3፡1-26
2) መጀመርታ ዝርርብ፥ (ክትዕ) 4፡1-14፡22
3) ካልኣይ ዝርርብ (ክትዕ) 15፡1-21፡34
4) ሳልሳይ ዝርብብ (ክትዕ) 22፡1-27፡23
5) ንጥበብ ምውዳስ 28፡1-28
6) መወዳእታ ስምዕታ ኢዮብ 29፡1-31፡40
3. ዘረባ ኤሊሁ 32፡1-37፡24
4. እግዚኣብሄር ንኢዮብ ዝመለሰሉ 38፡1-42፡6
5. መደምደምታ ዘረባ 42፡7-17
Currently Selected:
ኢዮብ መእተዊ: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in