ኢዮብ 7
7
1“ህይወት ሰብ ኣብ ምድሪ ብርቱዕ ሰልፊዶ ኣይኮነን?
መዓልትታቱኸ ኸምቲ በዓል ውዕለትዶ ኣይኮነን?
2ከምቲ ኸፅልል ዝናፍቕ ኣገልጋሊ፥
ከምቲ ደመወዙ ዝፅበ በዓል ውዕለት፥
3ከምኡ ነኣይ፥ ወርሓት ከንቱ ኾነኒ፤
ናይ ፃዕሪ ለይትታት ድማ ተወሰናለይ።
4ምስ ደቀስኩ ‘መኣዝ ኮን ክትስእ እየ?’ እብል።
ለይቲ ግና ይነውሕ፤
ክሳዕ ዝወግሕ ከዓ እገላበጥ።
5ስጋይ ብሓሰኻን ብቕራፍን ተሸፊኑ፤
ቈርበተይውን እናተጨደደ ይመግል።
6መዓልትታተይ ካብ መወርወሪ ኣላማይ ይቕልጥፋ፤
ብዘይ ተስፋውን ይውድኣ።”
7“ኦ እግዚኣብሄር! ህይወተይ እስትንፋስ ከም ዝኾነ ዘክር፤
ኣዒንተይውን መሊሰን ፅቡቕ ነገር ኣይሪኣን እየን።
8ዝሪአኒ ዘሎ ዓይኒ ሰብ መሊሱ ኣይሪአንን እዩ፤
ኣዒንትኻ ኣባይ ይኾና፤ ኣነ ግና ኣይርከብን።
9ደመና ተበቲኑ ኸም ዝጠፍእ፥
ከምኡ ናብ መቓብር ዝወርድ ሰብ መሊሱ ኣይወፅእን እዩ።
10ናብ ቤቱ ኸቶ ኣይምለስን፤
ቦታኡውን መሊሱ ኣየለልዮን።
11ስለዙይ ኣፈይ ኣይክልክልን እየ፤
መንፈሰይ ስለ ዝተሃወኸ ኽዛረብ እየ፤
ንነፍሰይ ስለ ዝመረራውን ክቝዝም እየ።
12ስለ ምንታይ ሓላዊ ትገብረለይ?
ኣነዶ ባሕሪ ወይ ዓሳ ኣንበሪ እየ?
13‘መንፀፈይ ከፀናንዐኒ፥
ምድቃሰይውን ሓዘነይ ከቕልለለይ እዩ’ እንተ በልኩ፥
14ሽዑ ንስኻ ብሕልሚ ተፈራርሐኒ፤
ብራእይውን ተደንግፀኒ፤
15ከምዙይ ኢልካ ኻብ ምንባር፥
ነፍሰይ፥ ተሓኒቕካ ሙማት መረፀት።
16ንህይወተይ ነዓቕክዋ፤ ንዘለኣለም ክነብር ኣይደልን፤
ዘመን ህይወተይ ከም ትንፋስ እዩ እሞ፥ ሕደገኒ።
17 #
መዝ. 144፡3። “ንኽተኽብሮ ልብኻውን ንኽትህቦ፥
ሰብ እንታይ እዩ?
18በብፅባሕ እትቋመቶ፥ በብቕፅበትውን እትፈታተኖስ፥
ሰብ እንታይ እዩ?
19ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትሓድገኒ?
ምራቐይ ክሳዕ ዝውሕጥ ዘይትሓድገኒኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ?
20ኣታ ንሰብ እትከታተል፥
በዲለ እንተ ኾይነስ፥ እንታይ ክገብረልካ?
ስለ ምንታይ ኢኻ ዒላማኻ ዝገበርካኒ?
ስለ ምንታይ ኣነ ሸኽሚ ኾንኩኻ?
21ስለ ምንታይከ ኢኻ በደለይ ይቕረ ዘይትብለለይ?
ሓጥያተይከ ንምንታይ ዘይትሓድገለይ?
ኣነስ ሕዚ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ኽድቅስ እየ እሞ፥
ንግሆ ኽትደልየኒ ኢኻ፤ ግና ኣይትረኽበንን።”
Currently Selected:
ኢዮብ 7: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ኢዮብ 7
7
1“ህይወት ሰብ ኣብ ምድሪ ብርቱዕ ሰልፊዶ ኣይኮነን?
መዓልትታቱኸ ኸምቲ በዓል ውዕለትዶ ኣይኮነን?
2ከምቲ ኸፅልል ዝናፍቕ ኣገልጋሊ፥
ከምቲ ደመወዙ ዝፅበ በዓል ውዕለት፥
3ከምኡ ነኣይ፥ ወርሓት ከንቱ ኾነኒ፤
ናይ ፃዕሪ ለይትታት ድማ ተወሰናለይ።
4ምስ ደቀስኩ ‘መኣዝ ኮን ክትስእ እየ?’ እብል።
ለይቲ ግና ይነውሕ፤
ክሳዕ ዝወግሕ ከዓ እገላበጥ።
5ስጋይ ብሓሰኻን ብቕራፍን ተሸፊኑ፤
ቈርበተይውን እናተጨደደ ይመግል።
6መዓልትታተይ ካብ መወርወሪ ኣላማይ ይቕልጥፋ፤
ብዘይ ተስፋውን ይውድኣ።”
7“ኦ እግዚኣብሄር! ህይወተይ እስትንፋስ ከም ዝኾነ ዘክር፤
ኣዒንተይውን መሊሰን ፅቡቕ ነገር ኣይሪኣን እየን።
8ዝሪአኒ ዘሎ ዓይኒ ሰብ መሊሱ ኣይሪአንን እዩ፤
ኣዒንትኻ ኣባይ ይኾና፤ ኣነ ግና ኣይርከብን።
9ደመና ተበቲኑ ኸም ዝጠፍእ፥
ከምኡ ናብ መቓብር ዝወርድ ሰብ መሊሱ ኣይወፅእን እዩ።
10ናብ ቤቱ ኸቶ ኣይምለስን፤
ቦታኡውን መሊሱ ኣየለልዮን።
11ስለዙይ ኣፈይ ኣይክልክልን እየ፤
መንፈሰይ ስለ ዝተሃወኸ ኽዛረብ እየ፤
ንነፍሰይ ስለ ዝመረራውን ክቝዝም እየ።
12ስለ ምንታይ ሓላዊ ትገብረለይ?
ኣነዶ ባሕሪ ወይ ዓሳ ኣንበሪ እየ?
13‘መንፀፈይ ከፀናንዐኒ፥
ምድቃሰይውን ሓዘነይ ከቕልለለይ እዩ’ እንተ በልኩ፥
14ሽዑ ንስኻ ብሕልሚ ተፈራርሐኒ፤
ብራእይውን ተደንግፀኒ፤
15ከምዙይ ኢልካ ኻብ ምንባር፥
ነፍሰይ፥ ተሓኒቕካ ሙማት መረፀት።
16ንህይወተይ ነዓቕክዋ፤ ንዘለኣለም ክነብር ኣይደልን፤
ዘመን ህይወተይ ከም ትንፋስ እዩ እሞ፥ ሕደገኒ።
17 #
መዝ. 144፡3። “ንኽተኽብሮ ልብኻውን ንኽትህቦ፥
ሰብ እንታይ እዩ?
18በብፅባሕ እትቋመቶ፥ በብቕፅበትውን እትፈታተኖስ፥
ሰብ እንታይ እዩ?
19ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትሓድገኒ?
ምራቐይ ክሳዕ ዝውሕጥ ዘይትሓድገኒኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ?
20ኣታ ንሰብ እትከታተል፥
በዲለ እንተ ኾይነስ፥ እንታይ ክገብረልካ?
ስለ ምንታይ ኢኻ ዒላማኻ ዝገበርካኒ?
ስለ ምንታይ ኣነ ሸኽሚ ኾንኩኻ?
21ስለ ምንታይከ ኢኻ በደለይ ይቕረ ዘይትብለለይ?
ሓጥያተይከ ንምንታይ ዘይትሓድገለይ?
ኣነስ ሕዚ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ኽድቅስ እየ እሞ፥
ንግሆ ኽትደልየኒ ኢኻ፤ ግና ኣይትረኽበንን።”
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in