YouVersion Logo
Search Icon

ኢዮብ 5

5
1“ሕዚ እውን ፀውዕ፥ ዝምልሰልካ ኣሎዶ?
ካብ ቅዱሳንከ ናብ ኣየንኦም ግልፅ ክትብል ኢኻ?
2ንሰነፍ ሰብ፥ ቍጥዓ ይቐትሎ፤
ንሰነፍ ከዓ ቕንኣት የጥፍኦ።
3ሰነፍ ሰብ ሱር ሰዲዱ ረአኽዎ፤
ብድንገትውን ንቤቱ ረገምክዋ።
4ደቁ ኻብ ድሕነት ርሒቖም እዮም፤
ኣብ ውሽጢ በሪ ተረጊፆም፥ ዘናግፎምውን የለን።
5ነቲ ዝኣከቦውን ዝጠመየ ይበልዖ፤
እኳ ደኣ ኻብ ውሽጢ ዕሾኽ የውፅኦ፤
ዝፀምአ ነቲ ሃብቶም ይውሕጦ።
6መከራ ኻብ ሓመድ ኣይመፅእን እዩሞ፥
ሽግርውን ካብ ምድሪ ኣይበቍልን።
7ናይ ኣሞራ ጫቚታት ንላዕሊ እናነፈሩ ልዕል ከም ዝብሉ፥
ከምኡውን ሰብ ንመከራ እዩ ዝውለድ።”
8“ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ምለመንኩ፤
ነገረይውን ናብ እግዚኣብሄር መቕረብኩ።
9ንሱ ዘይምርመር ዓብዪ ነገርን፥
ዘይቝፀር ተኣምራትን ይገብር።
10ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝናም የዝንም፤
ኣብ ልዕሊ ገራሁውን ማይ ይልእኽ።
11ንዝተዋረዱ ናብ ላዕሊ የደይቦም፤
ንሕዙናት ንድሕነት ልዕል ልዕል የብሎም።
12ነቲ ዝመኸርዎ፥ ኣእዳዎም ከይፍፅሞ፥
ንሓሳብ ተንኰለኛታት ከንቱ ይገብሮ።
13ንጠቢባን ብተንኰሎም ይሕዞም፤
ንምኽሪ ጠዋያት ድማ ይብትኖ። #1 ቆሮ. 3፡19።
14ብፀሓይ፥ ቀትሪ ይፅልምቶም፤
ብቐትሩ ድማ ኸም ብለይቲ ሃሰስ ይብሉ።
15ንምስኪን ካብ ሰይፊ ኣፎም፥
ካብ ኢድ ሓያልውን የድሕኖም።
16ስለዙይ ነቲ ምስኪን ተስፋ ኣለዎ፤
ክፍኣትውን ኣፋ ኽትዓፁ እያ።”
17“እንሆ፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝግስፆ ሰብስ ብፁእ እዩ፤
ስለዙይ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ተግሳፅ ኣይትንዓቕ። #ምሳ. 3፡11-12፥ ዕብ. 12፡5-6።
18ንሱ ይሰብር፤ ይፅግንውን፤
የቝስል፤ ኣእዳዉ ኸዓ ይፍውሱ። #ሆሴዕ 6፡1።
19ካብ ሽዱሽተ ኽፉእ ነገር ከድሕነካ እዩ፤
ኣብ መበል ሻውዓይ ግና ኽፉእ ኣይነኽአካን እዩ።
20ብዘመን ጥሜት ካብ ሞት፥
ብጊዜ ውግእ ካብ ሰይፊ፥ ከድሕነካ እዩ።
21ካብ ጭጕራፍ መልሓስ ክትስወር ኢኻ፤
ጥፍኣት ክመፅእ እንተሎ፥ ኣይትፈርሕን ኢኻ።
22ኣብ ልዕሊ ጥፍኣትን ጥሜትን ክትስሕቕ፥
ካብ ኣራዊት ምድሪ እውን ኣይትፈርሕን።
23ቃል ኪዳንካ ምስ ኣእማን በረኻ ክኸውን እዩሞ፥
ምስ ኣራዊት በረኻ ብሰላም ክትነብር ኢኻ።
24ድንኳንካውን ብሰላም ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ኢኻ፤
ንደምበኻ ክትምልከቶ ኢኻ፤
ሓደኳ ኣይጐድለካን።
25ዘርእኻውን ዓብዪ ኸም ዝኸውን፥ ትውልድኻ ድማ፥
ከም ሳዕሪ ምድሪ ኸም ዝኸውን ክትፈልጥ ኢኻ።
26ኵልሱስ እኽሊ ብጊዜኡ ኸም ዝኣቱ፥
ዕድመ ፀጊብካ ኽትቅበር ኢኻ።”
27“እንሆ ነዙይ መርመርና፤
ዝሰማዕናዮውን እዙይ እዩ፤
ንስኻ ግና ዝኾነ ሰሪሕኻ እንተ ዄንካ ንባዕልኻ ፍለጦ።”

Currently Selected:

ኢዮብ 5: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in