YouVersion Logo
Search Icon

ኢዮብ 20

20
ፍርዲ ኣየዳሉን እዩ
1ድሕሪዙይ ሶፋር በዓል ናዕማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2“ነዙይ ምላሽ ክህበሉ ሓሳባተይ ይድርኸኒ ኣሎ፤
ምናዳ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ይህውኸኒ ኣሎ።
3እቲ ዘነውረኒ ተግሳፅ ሰሚዐዮ ኣለኹ፤
መንፈስ ምስትውዓለይውን ይምልሰለይ ኣሎ።”
4“ካብ ጥንቲ፥ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነብር ጀሚሩ፥
5ፈኸራ ኽፉኣት ሰባት ሓፂር፥
ሓጐስ እቲ ሕሱም ከዓ ኸም ቕፅበት ዓይኒ፥
ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ?
6ልዕልናኡ ኽሳዕ ሰማይ እንተ ደየበ፥
ርእሱውን ክሳዕ ደመና እንተ በፅሐ፥
7ከም ፋንድያ ንሓዋሩ ይጠፍእ፤
እቶም ዝረአይዎ ‘ኣበይ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።
8ከም ሕልሚ ይበርር፤ ንሱውን ኣይርከብን፤
ከም ራእይ ለይቲውን ይጠፍእ።
9እቲ ዝረአዮ ዓይኒ መሊሱ ኣይሪኦን እዩ፤
ነቲ ዝነበረሉ ቦታውን መሊሱ ኣይሪኦን እዩ።
10ደቁ ንድኻታት የቀባጥሩ፤
ኢዱውን ንሃብቱ መሊሱ ይህብ።
11እቲ ሓይሊ ንእስነት ዝኾነ ዓፅሙ፥
ምስኡ ኣብ ሓመድ ይድቅስ።”
12“ክፍኣት ንኣፉ ይምቅሮ፤
ኣብ ትሕቲ መልሓሱ ኸዓ ይሓብኦ፤
13ካብ ኣፉ ኸይመልቆ ይሕዞ፤
ኣብ ትንሓጉ ኸዓ ይዓቝሮ፤
14ምግቡ ኣብ ኣምዑቱ ይተሓዋወስ፤
ኣብ ውሽጡ ድማ ኸም ሕንዚ ኣፍዑት ይኾኖ።
15ነቲ ዝወሓጦ ሃብቲ ኽተፍኦ እዩ፤
እግዚኣብሄር ካብ ከብዱ ኸውፅኦ እዩ።
16ንሕንዚ ተመን ይጠቡ፤
መልሓስ ተመን ከዓ ይቐትሎ።
17ንዓይኒ ማይን፥
ነቲ መዓርን ፀባን ዘውሕዝ ሩባታት ኣይሪኦን።
18ነቲ ፍረ ድኻሙውን እንተይወሓጠ ይመልሶ፤
በቲ ነጊዱ ዘትረፎ ሃብቱ ድማ ደስ ኣይብሎን እዩ።
19እዙይ ድማ ንድኻታት ስለ ዘጥቅዖምን ስለ ዝሓደጎምን፥
ዘይሰርሖ ገዛውቲውን ስለ ዝወሰደን እዩ።
20ከብዱ ዕረፍቲ ኣይፈለጠንሞ፥
እቲ ዝፈተዎ ነገር ኣየድሓኖን።
21ንሱ ኽበልዕ እንተሎ ዝኾነ እኳ ኣየትርፍን ነበረ፤
ስለዙይ ሃብቱ ኣይቐውምን።
22ምስ ፀገበ ይጭነቕ፤
ኢድ ኵሎም ፅጉማት ከዓ ትረኽቦ።
23ከብዱ እንተየፅገበ፥ እግዚኣብሄር ጓህሪ ቝጥዓኡ፥
ኣብ ልዕሊኡ ይሰድድ፤
እንትበልዕውን የዝንመሉ።
24ካብ ኣፅዋር ሓፂን እንተ ሃደመኳ፥
ቀስቲ ነሃስ ኽወግኦ እዩ።
25ነቲ ቐስቲ ይስሕቦሞ፥ ካብ ስጋኡ ይወፅእ፤
እቲ ብልጭልጭ ዝብል ብልሑውን፥
ካብ ሓሞቱ ይወፅእ፤
ፍርሓትውን ይወድቆ።
26ንመዝገቡ ፀልማት ተዳልዩሉ ኣሎ፤
ብዘይ መናፍሕ ዝነድድ ሓዊ ክውሕጦ፥
ነቲ ኣብ ድንኳኑ ዝተረፈውን ክበልዖ እዩ።
27ሰማይ ንበደሉ ይቐልዕ፤
ምድሪ ኸዓ ኣንፃሩ ትለዓሎ።
28ጥሪት ቤቱ ፋሕ ክብል፥
በታ መዓልቲ ቝጥዓኡ፥
ከም ወሓዚ ማይ ክሓልፍ እዩ።
29ክፉእ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ዝቕበሎ ዕድል እዙይ እዩ፤
እግዚኣብሄር ዝመደበሉ ርስቲውን እዙይ እዩ።”

Currently Selected:

ኢዮብ 20: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in