YouVersion Logo
Search Icon

ዮሃንስ 2

2
መርዓ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ
1ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ኸዓ፥ ኣብ ገሊላ ኣብ እትርከብ ኣብ ቃና መርዓ ነበረ። እኖ ኢየሱስውን ኣብኡ ነበረት። 2ኢየሱስውን ምስ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብቲ መርዓ ተዓዲሙ ነበረ።
3ወይኒ ምስ ተወድኦም፥ እኖ ኢየሱስ “ወይኒኮ የብሎምን እዩ” በለቶ። 4#ዮሓ. 7፡6-8፥30፥ 8፡20፥ 12፡23፥ 13፡1፥ 17፡1። ኢየሱስ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ ምሳኺ እንታይ ኣለኒ? ጊዜይ እኮ ገና ኣይበፅሐን” በላ። 5#ሉቃ. 5፡5። እኖኡ ኸዓ ነቶም መሰለፍቲ “ኵሉ ንሱ ዝብለኩም ግበሩ” በለቶም። 6#ማር. 7፡3-4። ኣብኡ ኣይሁድ ከምቲ ስርዓቶም ዝነፅሁለን፥ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዝሕዛ፥ ሽዱሽተ ኣጋንእ እምኒ ተቐሚጠን ነበራ። 7ኢየሱስ ነቶም መሰለፍቲ “ነዘን ኣጋንእ፥ ማይ ምልእወን” በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ኽሳዕ ኣፈን መልእወን። 8ሽዑ “ሕዚ ቐዲሕኹም ነቲ ኣቦ ዳስ ሃብዎ” በሎም። ንሳቶም ድማ ወሲዶም ሃብዎ። 9እቲ ኣቦ ዳስ ግና፥ ነቲ ናብ ወይኒ ዝተለወጠ ማይ፥ #2፡9 ግእዝ “ጥዒሙ ተደነቐ” ዝብል ይርከብ። ኻበይ ከም ዝመፀ ኣይፈለጠን፤ እቶም ማይ ዝመልኡ መሰለፍቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ። እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ፀዊዑ፦ 10“ኵሉ ሰብ ኣቐዲሙ ጥዑም ወይኒ የስቲ፤ ብዙሕ ምስ ሰተዩ ኸዓ፥ እቲ ዝተሓተ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጥዑም ወይኒ ኽሳዕ ሕዚ ኣፅኒሕኻዮ” በሎ። 11#ዮሓ. 1፡14፥ 2፡23፥ 3፡2፥ 4፡48፥ 5፡36፥ 6፡2፥ 7፡31፥ 9፡16፥ 11፡40፥45፥ 12፡37። ኢየሱስ ነዝ ናይ መጀመርታ ተኣምራት እዙይ፥ ኣብ ገሊላ ኣብ እትርከብ ኣብ ቃና ገበረ። ክብሩ ድማ ገለፀ፤ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ ኣመኑ።
12ድሕሪዙይ ንሱ፥ እኖኡ፥ ኣሕዋቱ፥ ደቀ መዛሙርቱ፥ ናብ ቅፍርናሆም ወሪዶም፥ ኣብኡ ቑሩብ መዓልቲ ተቐመጡ።
ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ንዝነግዱ ኸም ዘባረረ
(ማቴ. 21፡12-13ማር. 11፡15-17ሉቃ. 19፡45-46)
13 # ዘዳ. 16፡5-6፥ ሉቃ. 2፡41፥ ዮሓ. 6፡4፥ 11፡55። ፋሲካ ኣይሁድ ቀሪቡ ነበረሞ፥ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። 14ኣብ ቤተ መቕደስ ከዓ፥ ኣብዑርን ኣባጊዕን ርግብታትን ዝሸጡ፥ መሽረፍቲ ገንዘብውን ተቐሚጦም ረኸበ። 15ካብ ገመድ ጭጕራፍ ተኒጉ፥ ንዅሎም ኣባጊዕን ኣብዑርን፥ ካብ ቤተ መቕደስ ኣውፅኦም፤ ንገንዘብ እቶም መሽረፍቲ እውን በተኖ፤ ነቲ ጠረጴዛውን ገምጠሎ። 16ነቶም ሸየጥቲ ርግብታት ድማ “ነዙይ ካብዙይ ኣልዕልዎ! ንቤት ኣቦይ ቤት ንግዲ ኣይትግበርዎ!” በሎም። 17#መዝ. 69፡9። ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ቅንኣት ቤትካ በልዐኒ” ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ። 18#ማቴ. 16፡1፥ 21፡23፥ ሉቃ. 18፡34፥ ዮሓ. 6፡30። ሽዑ ኣይሁድ፥ “ነዙይ ክትገብር ስልጣን ከም ዘለካ፥ እንታይ ምልክት ተርእየና?” ኢሎም ጠየቕዎ። 19#ማር. 14፡58። ኢየሱስ ድማ፥ “ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ ኣፍርስዎ፤ ኣነ ኸዓ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕሎ እየ” ኢሉ መለሰሎም። 20እቶም ኣይሁድ ድማ “እዝ ቤተ መቕደስ እዙይ በርብዓን ሽዱሽተን ዓመት እዩ ዝተሃንፀ፤ ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኽተልዕሎ ኢኻ?” በልዎ። 21ንሱ ግና ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዝተዛረበ። 22#ሉቃ. 24፡8፥ ዮሓ. 12፡16። ካብ ምዉታን ምስ ተስአ፥ ደቀ መዛሙርቱ ስለዙይ ከም ዝበሎም ዘከሩ፤ በቲ ቓል መፅሓፍን፥ በቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦን ድማ ኣመኑ።
23 # ዮሓ. 2፡11። ነቲ ኢየሱስ ብበዓል ፋሲካ ኣብ ኢየሩሳሌም እንተሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረአዩ፥ ብዙሓት ሰባት ብእኡ ኣመኑ። 24ኢየሱስ ግና ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ ኣይኣመኖምን። 25#ማቴ. 9፡4። ነቲ ዅሉ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ስለ ዝፈልጥ ከዓ፥ ሓደኳ ብዛዕባ ሰብ ክነግሮ ኣየድልዮን ነበረ።

Currently Selected:

ዮሃንስ 2: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

YouVersion uses cookies to personalize your experience. By using our website, you accept our use of cookies as described in our Privacy Policy