ኤርሚያስ 9
9
1ነቶም ተወጊኦም ዝሞቱ ደቂ ጓል ህዝበይ፥
ለይትን መዓልትን ክበክስ፥
ርእሰይ ዒላ ማይ፥ ኣዒንተይ ድማ፥
ፈልፋሊ ንብዓት ኮይኑ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ!
2ህዝበይ ኵላቶም ዘመውትን፥
ጉባኤ ጠለምትን ኮይኖም እዮም እሞ፥
ንህዝበይ ክሓድጎም፥ ካብኣቶምውን ንኽፍለስ
ኣብ ምድረ በዳ መሕደሪ ኣጋይሽ መን ምሃበኒ!
3ንሳቶም ንልሳኖም ከም ቀስቲ ገይሮም፥
ሓሰት ይግትሩ ኣለዉ፤
ኣብ ምድሪ ብሓሰት በርትዑ፥
ግና ንሓቂ ኣይኮነን።
ካብ ክፍኣት ናብ ክፍኣት ይኸዱ ኣለዉ፤
ንኣይ ኣይፈለጡንን እዮም፤
ይብል እግዚኣብሄር።
4ነፍሲ ወከፍ ሓው፥ መታለሊ፥
ነፍሲ ወከፍ ብፃይ ድማ፥ ሓማዪ እዩ እሞ፥
ነፍሲ ወከፍ ካብ ዓርኩ ይጠንቀቕ፤
ንሓዉ እውን ኣይእመኖ።
5እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የዐሽዎ፤
ሓቂ ዝዛረብ ከዓ የለን፤
ንመልሓሶም ሓሰት ምዝራብ የልምድዎ፤
ሓጢኣት ንምግባርውን ይደኽሙ።
6እትነብረሉ ዘለኻ ኣብ ማእኸል ጥበራ እዩ፤
ብሰንኪ ጥበራኦም ድማ፥
ክፈልጡኒ ኣይደለዩን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ከዓ፥
“ህዝበይ ኣነ ኣምላኾም ምዃነይ፥
ኣይፈልጡን እዮም” ይብል ኣሎ።
7ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥
ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“እንሆ ኽዅልዖምን ክፍትኖምን እየ፤
ስለ ኽፍኣት ጓል ህዝበይ፥
ካብዙይ ዝበለ እንታይ ክገብር እኽእል?
8ልሳኖም ዝተስሓለ ፍላፃ እዩ፤
ሓሰትውን ይዛረብ፤
ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ ብኣፉ ሰላም ይዛረቦ፤
ብልቡ ግና ይፀናተዎ።
9በዝ ነገር እዙይዶ ኽቐፅዖም ኣይግብአንን እዩ?
ነፍሰይከ ኣብ ልዕሊ ኸምዙይ ዝበለ ህዝቢ፥
ክትብቀልዶ ኣይግባእን? ይብል እግዚኣብሄር።”
10“ንእምባታት ብኽያት፥
ነቲ መውፈሪ ምድረ በዳውን፥
ዋይ ዋይ ምባል ከልዕል እየ፤
ሰብ ከይሓልፉሎም ብሓዊ ነዲዶም እዮምሞ፥
ክቝዝመሎም እየ፤
ኣብኡ ድምፂ ኸፍቲ ኣይስማዕን፤
ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ጀሚሩ፥
ክሳዕ እንስሳ ዘገዳምውን ሃዲሞም ከዱ።”
11እግዚኣብሄር ከዓ፥
“ንኢየሩሳሌም መዀመሪ ፍርስራስ እምንን፥
ሰፈር ወኻሩን ክገብራ፥
ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ፥
ሓደ እኳ ዘይነብረለን ዑናታት ክገብረን እየ” ይብል ኣሎ።
12ኣነ ድማ “እታ ሃገር፥ ሓደ እኳ ብኣኣ ዝሓልፍ ዘየለ ኾይና፥ ከም ምድረ በዳ ነዲዳ ዝጠፍአትስ ስለ ምንታይ እዩ? እቲ ነዙይ ዘስተውዕሎ ጥበበኛኸ መን እዩ? ነዙይ ክገልፆኸ ኣፍ እግዚኣብሄር ንመን ተዛረበ?” በልኩ።
13እግዚኣብሄር ከዓ ኸምዙይ ይብል፦ “እዝ ዅሉ ዝኾነ፥ ነቲ ኣብ ቅድሚኣቶም ዘንበርክዎ ሕገይ ሓደጉ። ቃለይ ኣይሰምዑን ብእኡውን ኣይተመላለሱን። 14እኳ ደኣ ብትሪ ልቦም ከምቲ ኣቦታቶም ዝመሃርዎም በዓል ንዝብሃል ጣዖት ተኸተሉ። 15ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ነዝ ህዝቢ እዙይ ዕረ ኸብልዖ፥ መሪር ማይውን ከስትዮ እየ። 16ኣብ ማእኸል እቶም ንሳቶም ኮኑ ኣቦታቶም ዘይፈልጥዎም ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፥ ክሳዕ ዝውድኡ ድማ ሰይፊ ደድሕሪኣቶም ክሰደሎም እየ።”
ህዝቢ ኢየሩሳሌም ሓገዝ ደልዮም ከም ዘእወዩ
17ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
“በኸይቲ ኣንስቲ ኽመፃ ፀውዑ፤
ንኽመፃ ናብተን ብልሓተኛታት ኣንስቲ እውን ለኣኹለን።”
18“ኣዒንትና ንብዓት ክቛፅር፥
ቅርንብ ዓይንናውን ማይ ከውሕጅ፥
ቀልጢፈን የልቅሳልና” በሉ።
19“ኣታ ኽንደይ ተዘመትና!
ንኣባይትናውን ኣፍሪሶምዎ እዮም እሞ፥
ምድርናውን ሓዲግና ኢናሞ፥
ውርደትናኸ ኽንደይ ዓብዪ እዩ!”
ዝብል ድምፂ ቝዘማ ኻብ ፅዮን ይስማዕ ኣሎ።
20“ኣትን ኣንስቲ፥ ንቓል እግዚኣብሄር ስምዓ፤
ኣእዛንክን ድማ ቓል ኣፉ ይቀበል፤
ነዋልድክን ኣውያት ኣልምዳአን፤
ንስንሳትክን ከዓ ቝዘማ ተመሃሃራ።
21ሞት ንቘልዑ ኻብ መንገድታት ከጥፍእ፥
ነጕባዝ ድማ ኻብ ኣደባባያት ከፅንት
ብመሳዅትና ደዪቡ፥
ናብ ኣዳራሻትናውን ኣትዩ እዩ።
22ሬሳታት እቶም ሰባት፥
ከምቲ ደድሕሪ ዓፃዲ ዝእክቦ ዘይብሉ ቐሪምን፥
ከም ኣብ ግራት ዝወደቐ ድዅዕን እዩ፤
ይብል እግዚኣብሄር።”
23እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
“ጥበበኛ ብጥበቡ ኣይመካሕ፤
ሓያልውን ብሓይሉ ኣይመካሕ፤
ሃብታምውን ብሃብቱ ኣይመካሕ።
24 #
1 ቆሮ. 1፡31፥ 2 ቆሮ. 10፡17። ዝምካሕስ፥ ኣነ ኣብ ምድሪ ምሕረትን
ፍርድን ፅድቅን ዝገብር እግዚኣብሄር ምዃነይ፥
ብምስትውዓሉን ብምፍላጡን ደኣ ይመካሕ፤
ንኣይ ደስ ዘብሉ እዚኣቶም እዮምሞ፤
ይብል እግዚኣብሄር።”
25-26“ኵላቶም ኣህዛብ ኣይተገርዙን፤ ኵሎም ቤት እስራኤልውን ልቦም ኣይተገርዘን እዩሞ፥ እንሆ ንዅሎም ግሩዛት ንግብፅን ይሁዳን ኤዶምያስን ኣሞንን ሞኣብን፥ ነቶም ፀጕሮም ወሰና ወሰን ዝላፅዩ፥ ኣብ ምድረ በዳ ዝነብሩ ዅላቶምን፥ ብዘይ ምግራዞም ዝቐፅዐለን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
Currently Selected:
ኤርሚያስ 9: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in