ኤርሚያስ 8
8
1“በቲ ጊዜ እቱይ ነዕፅምቲ ነገስታት ይሁዳን፥ ነዕፅምቲ መኳንንቲ ይሁዳን ነዕፅምቲ ኻህናትን ነዕፅምቲ ነቢያትን፥ ነዕፅምቲ ህዝቢ ኢየሩሳሌምን፥ ካብ መቓብሮም ከውፅእዎ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር። 2ኣብ ቅድሚ እቶም ዝፈተውዎምን ዘምለኽዎምን ዝተኸተልዎምን ዝደለይዎምን ዝሰገዱሎምን ፀሓይን ወርሕን ኵሎም ከዋኽብቲ ሰማይን ክዝርግሕዎም እዮም። ኣብ ምድሪ ተደርቢዩ ድዅዒ ክኸውን እዩ እምበር፥ ዝእክቦ ወይ ዝቐብሮ የለን። 3ኵሎም እቶም ካብዝ ኽፉእ ወለዶ እዙይ ዝተረፉ፥ ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ስፍራ ዘለዉ፥ ብህይወት ካብ ምንባር ሙማት ክመርፁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ሓጢኣት ዘስዓቦ መቕፃዕቲ
4እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኸምዙይ ክብሎም ነገረኒ፦ “ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትስእን እዩ? ዝሰሓተኸ ኣይምለስን ድዩ? 5ህዝቢ ኢየሩሳሌም ደኣ ስለ ምንታይ ኵልሻዕ ንድሕሪት ዝምለስ? ኣብ ተንኰል ፀኒዖም ምምላስውን ይኣብዩ። 6ፅን ኢለ ሰማዕኹ፤ ቅንዕና ኣይዛረቡን፤ ካብ ክፍኣቱ ዝናሳሕን ‘ስለ ምንታይ ክፉእ ገበርኩ’ ዝብልን የለን። ከምቲ ናብ ውግእ ዝፋንን ፈረስ፥ ነፍሲ ወከፎም በብመንገዶም ይኸዱ። 7ራዛ ኣብ ሰማይ ወርሓቱ ይፈልጥ፤ ባሪቶን ለዃዂቶን ዓያን ዝምለሳሉ ጊዜያት ይፈልጣ፤ ህዝበይ ግና ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣይፈልጥን። 8ከመይ ኢልኩም ደኣ ኢኹም ‘ንሕና ለባማት ኢና፤ ሕጊ እግዚኣብሄር ድማ ምሳና ኣሎ’ እትብሉ ዘለኹም? እንሆ ሓሰውቲ ፀሓፍቲ ናብ ሓሰት ለዊጦምዎ እዮም። 9እዞም ጥበበኛታት እዚኣቶም ክሓፍሩን ክድንግፁን ክተሓዙን እዮም። ንሳቶም ንቓል እግዚኣብሄር ሓዲጎምስ፥ ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ሃልይዎም እዩ? 10ካብ ኣናእሽቶኦም ክሳዕ ዓበይቶም ኵላቶም ስስዐ ይኽተሉ፤ ካብ ነቢይ ኽሳዕ ካህን ኵላቶም ሓሰት የዘውትሩ። ስለዙይ ኣንስቶም ንኻልኦት ክህበን፤ ገራሁኦምውን ንዘጥርይዎ ክህቦ እየ። 11#ሕዝ. 13፡10። ሰላም ዘየለስ፥ ሰላም ሰላም እናበሉ፥ ንመስበርቲ ጓል ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ። 12#ኤር. 6፡12-15። ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ፈፂሞም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ፃሕ ክብሉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
13“ኣነ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየ፤ ኣብ ሃረግ፥ ወይኒ ኣይርከብን፤ ኣብ ኦም በለስውን በለስ ኣይርከብን፤ ቈፅሊ እኳ ይረግፍ፤ ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ኽህቦም እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
14“ስለ ምንታይ ስቕ ኢልና እንቕመጥ? ተኣከቡ፤ ንዑናይ ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ንእቶ፤ ኣብኡ ኸዓ ንጥፋእ፤ ንእኡ ስለ ዝበደልና፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሪር ማይ ክንሰቲ ሂቡና እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣጥፊኡና እዩ። 15ንሰላም ብተስፋ ተፀበና፤ ግና ሰናይ ኣይመፀን። እንሓውየሉ ጊዜ ተፀበና፤ እንሆ ኸዓ ድንጋፀ ኾነ። 16ፀላእትና ድሮ ኽሳዕ ከተማ ዳን በፂሖም ኣለዉ፤ ድምፂ ኹርፋ ኣፍራሶም ኣብ ዳን ተሰምዐ። ብምሕምሓም ድንጉላ ኣፍራሶም ድማ ዅላ እታ ሃገር ትርዕድ። መፁ፤ ነታ ምድርን ኣብኣ ንዝነብሩ ዅሎምን ከዓ በልዕዎም።”
17“እንሆ፥ ዓዛሚ ኽዕዝሞም ዘይከኣሎ ኣትማንን ገበላትን ክሰደልኩም እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኽነድፉኹም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ኤርሚያስ ንህዝቡ ኸም ዝሓዘነሎም
18ሓዘነይ ዘይፀናናዕ እዩ፤
ልበይውን ይጠልመኒ ኣሎ።
19“እግዚኣብሄርዶ ኣብ ፅዮን የለን እዩ?
ንጉሳኸ ኣብኣ የለን ድዩ?”
ዝብል ኣውያት ጓል ህዝበይ፥
ካብ ርሑቕ ሃገር ይስማዕ ኣሎ።
“ስለ ምንታይ ደኣ ብቕሩፅ ምስልታቶምን
ብጓኖት ጣዖታቶምን ዘቘጥዑኒ?”
20እቶም ህዝቢ ኸዓ “ቐውዒ ሓለፈ፤
ሓጋይ ተወድአ፤ ንሕና ኸዓ ኣይደሓንናን።”
21ጓል ህዝበይ ስለ ዝተሰበረት፥ ተሰበርኩ፤
ፀለምኩ፤ ሰካሕኹውን።
22ኣብ ገለዓድዶ ዝልከ ፈውሲ የለን እዩ?
ኣብኡኸ ሓኪምዶ የለን እዩ?
ጓል ህዝበይ ደኣ ስለ ምንታይ ዘይተፈወሰት?
Currently Selected:
ኤርሚያስ 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: