YouVersion Logo
Search Icon

ኤርሚያስ 6

6
ኢየሩሳሌም ብፀላእቲ ኸም ዝተኸበበት
1ኣቱም ደቂ ብንያም፥ መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ካብ ሰሜን ይመፅእ ኣሎ እሞ፥ ካብ ማእኸል ኢየሩሳሌም ህደሙ፤ ኣብ ቴቁሔ መለኸት ንፍሑ፤ ኣብ ርእሲ ቤት ሃካሪም ምልክት ኣልዕሉ። 2ነዛ ፅብቕትን ሕንቅቕትን ጓል ፅዮን ከጥፍኣ እየ። 3ጓሶት ምስ መጓሰታቶም ናብኣ ይመፁ። ድንኳናቶም ከዓ ኣብ ዙርያኣ ይተኽሉ፤ ነፍሲ ወከፍ በብወገኖም ድማ ኣብኣ መጓሰኦም የዋፍሩ። 4“ክትዋግእዋ ተዓጠቑ፤ ተስኡ ቐትሪ እንተሎ ንውፃእ፥ ምድሪ መስዩ እዩ፤ ፅላሎት ምሸት ከዓ ነዊሑ እዩሞ ወይለና። 5ተስኡ ብለይቲ ንውፃእ፤ ነዳራሻታታውን ነፍርሶ።”
6ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣእዋማ ቝረፁ፤ ንኢየሩሳሌም ከዓ ብቕፅሪ ኽበብዋ። ብዅሉ ወገና ዓመፅን ግፍዕን ኣለዋ እሞ፥ እትቕፃዕ ከተማ እያ። 7ዒላ፥ ማይ ከም ዘፈልፍል፥ ከምኡ ኸዓ ኽፍኣት ተፈልፍል ኣላ። ኣብኣ ዓመፅን ጥፍኣትን ይስማዕ ኣሎ፤ ሕማምን ቍስልን ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩ። 8ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኣነ ኸይሓድገክን፥ ሰብ ዘይብላ ምድረ በዳውን ኸይገብረክስ ተግሳፅ ተቐበሊ።”
ዓማፂት እስራኤል
9ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰብ ወይኑ ኸም ዝቕርም ከምኡ፥ ነቶም ተረፍ እስራኤል ክቕርምዎም እዮም፤ ከምቲ ኣራዪ ዘቢብ ኣብ ሃረግ ዝገብሮ መመሊስካ ኢድካ ዘርግሕ።”
10ኣነ ኸዓ “እንሆ እዝኖም ዘይተገረዘ፥ ክሰምዑ ዘይኽእሉ እዮም። ንቓል እግዚኣብሄር ከም ነውሪ ስለ ዝቘፀርዎ፥ ደስ ኣየብሎምን እዩ። እሞኸ ደኣ ምእንቲ ኽሰምዑስ ንመን እየ ዝዛረብ? ንመንከ እየ ዘጠንቅቕ? 11ስለዙይ ብቝጥዓ እግዚኣብሄር ተመሊአ ኣለኹ፤ ክዕገስ ድማ ኣይክእልን። ኣብ ሜዳ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ኣብቶም መናእሰይ ባይቶን ኣሕቢርካ ኣፍስሶ፤ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ኽውሰዱ እዮም፤ ኣረጋውያንውን ምስ ጐበዝ ክተሓዙ እዮምሞ። 12ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ኢደይ ክዝርግሕ እየሞ፥ ኣባይቶም፥ ገራሁኦምን ኣንስቶምን ብሓባር ንኻልኦት ክኾኑ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር። 13ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም፥ ኵላቶም ስሰዐ ዝሓስቡ እዮም። ካብ ነቢይ ጀሚሩ ኽሳዕ ካህን ብተንኰል ይሰርሑ። 14#ሕዝ. 13፡10። ሰላም ዘየለስ፥ ሰላምዩ እናበሉ፥ ንመውቃዕቲ ህዝበይ ብሸለልታ ይፍውስዎ ኣለዉ። 15#ኤር. 8፡10-12። ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ምንም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን እዮም። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ምስ ቀፃዕኹዎም ከዓ ፃሕ ኢሎም ክወድቁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እስራኤል መንገዲ ኣምላኽ ከም ዝሓደገት
16 # ማቴ. 11፡29። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ጐደና ደው ኢልኩም ተመልከቱ፤ እቲ ጥንታዊ መንገድታት፥ እቲ ፅቡቕ ጐደና ኣየናይ ምዃኑ ጠይቑ እሞ፥ ብእኡ ተመላለሱ፤ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።”
ንሳቶም ግና “ኣይንመላለሰሉን” ኢና በሉ። 17ድምፂ መለኸት ስምዑ ኢለ ሓለውቲ ሸምኩልኩም፤ ንሳቶም ግና “ኣይንሰምዕን” በሉ።
18“ኣቱም ኣህዛብ ስምዑ፤ ኣቱም ማሕበር፥ እቲ ዝመፆም ዘሎ ፍለጡ። 19ኣቲ ምድሪ ስምዒ፤ ኣብ ቃላተይ ኣየድሃቡን፤ ንሕገይ ከዓ ደርብዮምዎ እዮምሞ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም መዓት ከውርደሎም እየ፤ እዙይ ከዓ ፍረ ሓሳቦም እዩ። 20ስለ ምንታይ ዕጣን ካብ ሳባ፥ ምዑዝ ቃንጫ ድማ ኻብ ርሑቕ ሃገር እተቕርቡለይ? ዝቃፀል መስዋእትኹም ደስ ኣየብለንን እዩ፤ እቲ ኻልእ መስዋእትኹምውን ኣየብህገንን እዩ። 21ስለዙይ፥ እንሆ፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ህዝቢ እዙይ መዐንቀፊ እምኒ አንብር ኣለኹ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣቦታትን ውሉድን ሓቢሮም ክዕንቀፉ፥ ጐረቤትን ዓርኩን ሓቢሮም ክጠፍኡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ካብ ወገን ሰሜን ዝመፅእ ወራር
22እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ህዝቢ ኻብ ሃገር ሰሜን ይመፁ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ይለዓል። 23ቀስትን ኲናትን ዝሓዙ፥ ጨካናት፥ ምሕረትውን ዘይብሎም እዮም። ድምፆም ከም ባሕሪ ይሃምም፤ ኣብ ልዕሊ ኣፍራስውን ይቕመጡ። ኣቲ ጓል ፅዮን፥ ንሰልፊ ኸም ዝተዳለወ ሰብ ክዋግኡኺ ተዳልዮም ኣለዉ።”
24“ወረኦም ሰማዕና፤ ኢድና ደኺማ ኣላ። ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ወላድ ሰበይቲ ቕልውላው ጭንቂ ሓዘና። 25ሰይፊ ፀላኢን፥ ፍርሓትን ኣብ ኵሉ ወገን ኣሎሞ፥ ናብ መይዳ ኣይትውፅኡ፤ ብመንገድታትውን ኣይትኺዱ።” 26“ኣቲ ጓል ህዝበይ፥ እቲ መጥፍኢ ብድንገት ክመፀና እዩ እሞ ኸሊ ተኸደኒ፤ ኣብ ሓሙዅሽቲ ፈፈው በሊ፤ ንሓደ ወዳ ኸም እትሓዝን ሕዘኒ፤ መሪር ብኽያትውን ብኸዪ። 27መንገዶም ምእንቲ ኽትፈልጥን ክትምርምሮምን ኣብ ማእኸል ህዝበይ ፈታኒ ገይረ ኣቖምኩኻ። 28ኵላቶም የመና ዓመፀኛታት እዮም፤ ከም ነሃስን ሓፂንን ዝተረሩ ጠለምትን ከዳዓትን እዮም። ኵላቶም ሓሜት እናዘርኡ ይኸዱ፤ ነሃስን ሓፂንን እዮም፤ ብልሽዋት እዮም። 29እቲ መናፍሕ ይነፍሕ፤ እቲ ዓረር ብሓዊ መኸኸ። እቶም ክፉኣት ካብ መንጎኣቶም ስለ ዘይተፈልዩ ኸዓ ንህዝበይ ምንፃህ ከንቱ እዩ። 30እግዚኣብሄር ኣወጊድዎም እዩሞ ‘ዝተወገዱ ብሩር’ ኢሎም ክፅውዕዎም እዮም።”

Currently Selected:

ኤርሚያስ 6: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ኤርሚያስ 6