YouVersion Logo
Search Icon

ኤርሚያስ 52

52
ውድቀት ኢየሩሳሌም
(2 ነገ. 24፡18—25፡7)
1ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌምውን ዓሰርተ ሓደ ዓመት ነገሰ። እኖኡ ኣሚጣል እትብሃል ጓል ኤርሚያስ በዓል ሊብና ነበረት። 2ሴዴቅያስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምቲ ዅሉ ንጉስ ኢዮኣቄም ዝገበሮ ሓጢኣት ገበረ። 3እግዚኣብሄር ከዓ የመና ስለ ዝተቘጥዐ፥ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዝነብሩን ህዝቢ፥ ካብ ቅድሚ ገፁ ምእንቲ ኽሰጎም፥
ሴዴቅያስ ኣብ ልዕሊ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዓመፀ። 4#ሕዝ. 24፡2። ናቡከደነፆር ከዓ ሴዴቅያስ ምስ ነገሰ ኣብ ታሽዐይቲ ዓመቱ፤ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ናብ ኢየሩሳሌም ዘመተ። ኣብ ዙርያኣ ድማ ሰፈሩ፤ ዕርድታት ሰሪሖም ከዓ ኸበብዋ። 5እታ ኸተማ ኽሳዕ መበል ዓሰርተ ሓደ ዓመት መንግስቲ ሴደቅያስ ተኸቢባ ነበረት። 6ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ፥ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርቲዑ ስለ ዝነበረ፥ ህዝቢ እታ ሃገር ዝበልዖ ሰኣነ። 7#ሕዝ. 33፡21። ሽዑ እታ ኸተማ ጋሕ ኢላ ተኸፍተት። ባቢሎናውያን ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ እኳ እንተ ነበሩ፥ ኵላቶም እቶም ተዋጋእቱ ብለይቲ መሊቖም ወፁ፤ በቲ ኣብ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ኣብ መንጎ ኽልተ መንደቕ ዘሎ ኣፍ ደገ ሓሊፎም ከዓ፥ ናብ ዓረባ ኣቢሎም ሃደሙ። 8ሰራዊት ከለዳውያን ግና ነቲ ንጉስ ሰዓብዎ፤ ንሴዴቅያስ ድማ ኣብ ጐልጐል ኢያሪኮ ሓዝዎ። ሰራዊቱ ድማ ሓዲጎምዎ ፋሕ በሉ። 9ንሴዴቅያስ ከዓ ናብ ንጉስ ባቢሎን ኣምፅእዎ። ናቡከደነፆር ሽዑ ኣብታ ኣብ ሃማት እትርከብ ሪብላ እትብሃል ከተማ ነበረ። ኣብኣ ኸዓ ንሴዴቅያስ ፈረዶ። 10ንደቁ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረዶም፤ ንዅሎም ኣሕሉቕ ይሁዳ ኸዓ ኣብኣ ኣብ ሪብላ ቐተሎም። 11ብድሕሪዙይ ንሴዴቅያስ ኣዒንቱ ኣንቈሮ፤ ብመቝሕ ነሃስ ኣሲሩ ድማ ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ኸዓ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣንበሮ።
ምፍራስ ቤተ መቕደስ
(2 ነገ. 25፡8-17)
12 # ሕዝ. 12፡13። ናቡከደነፆር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ፥ ኣብ ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ናይታ ሓምሸይቲ ወርሒ፥ ዓስረይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዝቐውምን፥ ኣዛዚ ሰራዊቱን ናቡዘረዳን ናብ ኢየሩሳሌም መፀ። 13#1 ነገ. 9፡8። ንቤተ መቕደስን ቤተ መንግስትን ንዅለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ንዅለን ዓበይቲ ህንፃታት ብሓዊ ኣባርዐን። 14እቲ ምስኡ ዝነበረ ሰራዊት ባቢሎን ከዓ፥ ንዅሉ እቲ ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ዝነበረ መንደቕ ኣፍረሶ። 15ሽዑ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት ባቢሎን፥ ንገሊኦም ካብቶም ድኻታት ህዝብን፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ተሪፎም ዝነበሩን፥ ምስቶም ቅድም ዓሚፆም፥ ምስ ንጉስ ባቢሎን ኣሻርዮም ዝነበሩን፥ ብሓባር ማሪኹ ንባቢሎን ወሰዶም። 16ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት፥ ነቶም መሬት ዘይነበሮም፥ የመና ድኻታት እታ ሃገር እቲኣ፥ ተኸልቲ ወይንን ሓረስቶትን ክኾኑ ሓደጎም።
17ባቢሎናውያን ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረ፥ ብነሃስ ዝተሰርሐ ኣዕማድን ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ መቐመጢ ኣቑሑን፥ ብነሃስ ዝተሰርሐ ጋብላን ሰባበርዎ፤ ንዅሉ እቲ ነሃስ ከዓ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። 18ከምኡውን ነቲ ድስትታትን መፅሓሪታትን ካራታትን ሒላባትን ፅዋዓትን፥ ንዅሉ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉሉ ዝነበሩ ብነሃስ ዝተሰርሑ ኣቑሑን ብምሉኡ ወሰድዎ። 19እቲ ኣዛዚ ዘብዐኛታት፥ ካብ ንፁህ ወርቅን ብሩርን ኵሉ ኣፃሕልን መፅሓሪታትን ሒላባትን ድስትታትን ቀዋሚ ቐንዲልን ፅንሃሃትን ፅዋዓትን፥ እዝ ኣዛዚ ሰራዊት ወሰዶ። 20እቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዘስርሖ ኽልተ ኣዕምድን፥ መቐመጢ ኣቑሑትን፥ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ምስሊ ኣብዑር ዝተቐመጠ ጋብላን፥ ዝተሰርሐሉ ነሃስ የመና ኸቢድ ስለ ዝነበረ ኽምዘን ኣይተኽኣለን። 21እተን ኣዕምዲ ኽልቲአን ማዕረ ነበራ። ቁመተን ዓሰርተ ሸሞንተ እመት፥ ዙርያአን ዓሰርተ ኽልተ እመት ነበራ። ውሽጠን ጓንጓ እቲ ዝተሰርሐሉ ሓፂን ከዓ ምርጓዱ ኣርባዕተ ኣፃብዕቲ ነበረ። 22ኣብ ልዕሊ ኽልቲአን ሓሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ ጕልላት ነበረን። እቲ ጕልላት ከዓ ብቕርፂ ዓይኒ ርግብን ሮማንን ዘጌፀ ነበረ፤ እቲ ኻልእ ዓምዲ እውን፥ ናይቲ ሮማን ጌፃጌፅ ወሲኽካ ምስዙይ ሓደ ዓይነት ነበረ፤ ኵሉ ኸዓ ኻብ ነሃስ ዝተሰርሐ ነበረ። 23#1 ነገ. 7፡15-47። ኣብ ሓንቲ ዓምዲ ሚእቲ ሮማን ነበራ፤ እተን ሮማናት ብወፃኢ ተስዓን ሽዱሽተን ጥራሕ ይረአያ ነበራ።
ህዝቢ ይሁዳ ተማሪኾም ንባቢሎን ከም ዝተወሰዱ
(2 ነገ. 25፡27-30)
24ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት ባቢሎን፥ ነቲ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ሰራያን፥ ነቲ ምኽትሉ ዝኾነ ኻህን ሶፎንያስን ነቶም፥ ሰለስተ ሓለውቲ በርን ወሰዶም። 25ካብታ ኸተማ ኸዓ፥ ንሓደ ነቲ ኣዛዚ እቶም ተዋጋእቲ ዝነበረ ስሉብን፥ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ሸውዓተ መማኽርቲ ንጉስን፥ ነቲ ንህዝቢ እታ ሃገር፥ ንውግእ ዝምልምል ዝነበረ ፀሓፊ ናይቲ ኣዛዚ ሰራዊትን፥ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ፥ ኣብታ ኸተማ ዝተረኽቡ ኻልኦት ስሳ ሰብኡትን ወሰደ። 26ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት ነዚኣቶም ወሲዱ ናብታ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝነበረላ ኸተማ ሪብላ ኣምፅኦም። 27ንጉስ ባቢሎን ከዓ፥ ኣብታ ኣብ ሃማት ዘላ ኸተማ ሪብላ ወቒዑ ቐተሎም። በዝ ኸምዙይ ከዓ ይሁዳ ኻብ ሃገሩ ተማረኸ። 28ናቡከደነፆር ማሪኹ ናይ ዝወሰዶ ቑፅሪ ህዝቢ እዙይ እዩ፦ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ሰለስተ ሽሕን ዕስራን ሰለስተን ኣይሁድ ማረኸ። 29ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት መንግስቱ፥ ሸሞንተ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ሰብ ካብ ኢየሩሳሌም ማረኸ። 30ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመት መንግስቱ፥ ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊቱ፥ ካብ ይሁዳ ሸውዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ሰባት ማረኸ። ብምሉኦም እቶም ዝተማረኹ ኣርባዕተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበሩ።
31ዮርማሮዴክ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ፥ ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ፥ ንኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ምሕረት ገበረሉ፤ ካብ ቤት ማእሰርቲውን ኣውፅኦ። እዙይ፥ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ፥ ካብ ዝማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሸውዓተን ዓመቱ፤ ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ ኾነ። 32ኤዊል መሮዳክ ብፅቡቕ ረአዮ፤ ንመንበሩ ድማ ኻብ መንበር እቶም ምስኡ ተማሪኾም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣበሎ። 33ንኢኮንያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኽደኖ ዝነበረ ኽዳን ለወጠሉ፤ ምሉእ ዕድሚኡ ኸዓ ኣብ ቅድሚኡ እንጀራ ይበልዕ ነበረ። 34ንጉስ ባቢሎን ኵልሻዕ ንኢኮንያን እንተየቋረፀ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ቐለቡ ይህቦ ነበረ።

Currently Selected:

ኤርሚያስ 52: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in