YouVersion Logo
Search Icon

ኤርሚያስ 45

45
ኣምላኽ ንባሮክ ዝሃቦ ተስፋ
1 # 2 ነገ. 24፡1፥ 2 ዜና. 36፡5-7፥ ዳን. 1፡1-2። ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ንሱውን ነዘን ቃላት እዚኣተን፥ ካብ ኣፍ ኤርሚያስ ክፅሕፈን እንተሎ፥ ነቢይ ኤርሚያስ ንባሮክ ወዲ ኔሪ ዝነገሮ ቓል እዙይ እዩ። 2እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ባሮክ! 3ንስኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ሕማመይ ሓዘን ወሲኹኒ እዩሞ ወይለይ! ካብዙይ ዝተልዓለ ደኺመ ኣለኹ፤ ዕረፍቲውን የብለይን’ ኢልካ ኢኻ።
4“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ነቲ ዝሰራሕኽዎ ኣፍርሶ፤ ነቲ ዝተኸልክዎ ኸዓ እብቍሶ ኣለኹ። ነዙይ ከዓ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኽገብሮ እየ። 5እሞኸ ንስኻ ንርእስኻዶ ዓብዪ ነገር ትደሊ ኣለኻ? እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ መዓት ከውርድ እየሞ፥ ኣይትድለዮ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ግና ኣብ ኵሉ እትኸዶ፥ ንነፍስኻ ኸም ምርኮ ገይረ ኽህበካ እየ።”

Currently Selected:

ኤርሚያስ 45: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ኤርሚያስ 45