ኤርሚያስ 43
43
ኤርሚያስ ናብ ግብፂ ኸም ዝተወሰደ
1ኤርሚያስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ንኣኣቶም ክነግሮም ዝለኣኾ ንዅሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ነቶም ህዝቢ ተናጊሩ ምስ ወድአ፥ 2-3ሽዑ ኣዛርያስ ወዲ ሆሻያን ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ኵሎም እቶም ዕቡያት ሰብኡትን ንኤርሚያስ “ሓሰት ኢኻ ዝተዛረብካ፤ ባሮክ ወዲ ኔርያ ደኣ እዩ፥ ናብ ኢድ ባቢሎናውያን ክንውፈን ንሳቶም ክቐትሉናን ናብ ባቢሎን ክማርኹናን ኢሉ፥ ኣብ ልዕሌና ኣለዓዒሉካ ዘሎ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ‘ኣብኡ ኽትቅመጡ ናብ ግብፂ ኣይትግዓዙ’ በሎም፥ ኢሉ ኣይለኣኸካን” በልዎ። 4ስለዙይ ዮሃናን ወዲ ቃሬያ ኾነ፥ ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊት ኮኑ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ነቲ “ኣብ ሃገር ይሁዳ ተቐመጡ” ዝበሎም ቃል እግዚኣብሄር ኣይሰምዕዎን። 5ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ኵሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ነቶም ኣብ ሃገር ይሁዳ ኽቕመጡ ኻብተን ተቐሚጦምወን ዝነበሩ ሃገራት ዝተመለሱን፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ይሁዳ ተሪፎም ዝነበሩን፥ ምስኣቶም ንግብፂ ወሰድዎም። 6ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣዋልድ ንጉስን፥ ኵሎም እቶም ናቡዘረዳን ኣዛዚ ሰራዊት፥ ምስ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ሓዲግዎም ዝነበሩን ወሰድዎም። ምስኣቶምውን ንኤርሚያስን ንባሮክ ወዲ ኔርያን ወሰዱ። 7ንቓል እግዚኣብሄር ኣይሰምዑንሞ ናብ ግብፂ ኣተዉ፤ ክሳዕ ጣፍናስ ከዓ በፅሑ።
8ሽዑ ኣብ ጣፍናስ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ። 9“ዓበይቲ ኣእማን ውሰድ እሞ ናይ ኣይሁድ ሰባት እናረአዩኻ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገ መእተዊ ቤት ፈርዖን ብኢድካ ሕብኣየን። 10ሽዑ እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፦ እንሆ፥ ኣነ ንባርያይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ልኢኸ ኸምፅኦ እየ፤ ንዙፋኑ ድማ ኣብ ልዕሊ እዘን ኣነ ዝሓባእኹወን ኣእማን ከንብሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ንድንኳን መንግስቱ ኣብ ልዕሊአን ክዝርግሖ እዩ። 11ንሱ ኽመፅእ እዩ፤ ንሃገር ግብፂ ኸዓ ኽወቕዓ እዩ። ሽዑ እቲ ዝመውት ንሞት፥ እቲ ዝማረኽ ንምርኮ፥ እቲ ዝስየፍ ንሰይፊ ኽውፈ እዩ። 12ኣብ ኣባይቲ ኣማልኽቲ ግብፂ ሓዊ ኸባርዕ እየ፤ ንሱ ኸዓ ኸቃፅሎምን ክማርኾምን እዩ። ጓሳ ኽዳኑ ኸም ዝኽደን ንሱውን ንግብፂ ክኸድና እዩ። ካብኣውን ብደሓን ክወፅእ እዩ። 13ንሱ ነቲ ኣብ ቤት ሳሚስ ዘሎ ሓወልትታት ግብፂ ኽሰባብሮ እዩ። ንኣባይቲ ኣማልኽቲ ግብፂውን ብሓዊ ኸቓፅሎ እዩ።”
Currently Selected:
ኤርሚያስ 43: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in