ኤርሚያስ 41
41
1ኣብ ሻውዓይ ወርሒ ናይታ ዓመት፥ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስን ካብ መኳንንቲ ንጉስን ዝነበረ እስማኤል፥ ወዲ ናታንያ ወዲ ኤሊሳማ፥ ዓሰርተ ሰብ ሒዙ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ናብ ምፅጳ መፀ። ኣብኣ ኸዓ ዅሎም ሓቢሮም እንጀራ በልዑ። 2ሽዑ እስማኤል ወዲ ናታንያን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዓሰርተ ሰባትን ተሲኦም ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሸይምዎ ንዝነበረ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን፥ ብሰይፊ ሰዪፎም ቀተልዎ። 3#2 ነገ. 25፡25። ነቶም ምስ ጎዶልያስ ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ዅላቶም ኣይሁድን፥ ነቶም ኣብኡ ዝፀንሑ ተዋጋእቲ ከለዳውያንንውን ቀተልዎም።
4ንጎዶልያስ ምስ ቀተልዎ ኸዓ ንፅባሒቱ፥ ሓደ እኳ እንተይፈለጠ እንተሎ፥ 5ካብ ሴኬምን ካብ ሲሎን ካብ ሰማርያን ጭሕሞም ዝላፀዩ፥ ክዳኖም ዝቐደዱ፥ ሰብነቶም ዘቝሰሉ ሰማንያ ሰባት፥ መስዋእቲ እኽልን ዕጣንን ሒዞም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከቕርቡ መፁ። 6እስማኤል ወዲ ናታንያ ኸዓ ኻብ ምፅጳ እናበኸየ ኸደ። ምስ ተራኸቦም ድማ “ንዑናይ፤ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም” ንኺድ በሎም። 7ኣብ ማእኸል ከተማ ምስ ኣተዉ ግና፥ እስማኤል ወዲ ናታንያንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ሓረድዎም፤ ናብ ጕድጓድ ከዓ ደርበይዎም።
8ካብኣቶም ድማ ዓሰርተ ሰባት ንእስማኤል “ሕቡእ መዝገብ፥ ስርናይን ስገምን ዘይትን መዓርን ኣብ በረኻ ኣለና እሞ፥ ኣይትቕተለና” ዝብልዎ ተረኽቡ፤ ንሱውን ካብቶም ኣሕዋቶም ፈልዩ እንተይቐተለ ሓደጎም። 9እታ እስማኤል ንዅሉ ሬሳታት እቶም ዝቐተሎም ሰባት ዝደርበየላ ዒላ፥ ንጉስ ኣሳ ንባዖስ ንጉስ እስራኤል ፈሪሑ ዘዅዓታ ገፋሕ ጕድጓድ ነበረት። ንኣኣ እስማኤል ወዲ ናታንያ በቶም ቅቱላት መልኣ። 10እስማኤል ከዓ መሊሱ ነቶም ኣብ ምፅጳ ዝነበሩ ዅሎም ተረፍ ህዝቢ፥ ነዋልድ ንጉስን፥ ንዅሉ እቲ ናቡዘረዳን ሓለቓ ሰራዊት ባቢሎን፥ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ዘማዕቘቦ፥ ኣብ ምፅጳ ዝተረፈ ህዝብን ማሪኹ ወሰዶም። ናብ ደቂ ኣሞን ኣቢሉ ንክኸይድ ድማ ተልዓለ። 11ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ እቲ ዅሉ እስማኤል ወዲ ናታንያ ዝገበሮ ኽፍኣት ምስ ሰምዑ፥ 12ኵሉ ሰቦም ሒዞም፥ ንእስማኤል ወዲ ናታንያ ኽዋግኡ ሰዓብዎ እሞ ኣብቲ ኣብ ገባዖን ዘሎ ብዙሕ ማያት ረኸብዎ። 13ኵሎም እቶም እስማኤል ማሪኽዎም ዝነበረ ህዝቢ ንዮሃናን ወዲ ቃሬያንን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምስ ረአዩ፥ ተሓጐሱ። 14ኵሎም እቶም እስማኤል ካብ ምፅጳ ማሪኹ ዝወሰዶም ሰባት፥ ኣምሊጦም ናብ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ተመሊሶም ከዱ። 15እስማኤል ወዲ ናታንያ ግና፥ ምስ እቶም ሓቢሮምዎ ዝነበሩ ሸሞንተ ሰብኡት፥ ካብ ዮሃናን ኣምሊጡ ናብ ደቂ ኣሞን ከደ።
16ሽዑ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ነቶም እስማኤል ወዲ ናታንያ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ምስ ቀተሎ፥ ካብ ምፅጳ ማሪኹ ዝወሰዶም ተሪፎም ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፥ ተዋጋእትን ኣንስትን ቈልዑን ስሉባትን ካብኡ ወሰዶም። 17-18እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ነቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ዝሸሞ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ስለ ዝቐተሎ፥ ንባቢሎናውያን ብምፍራሖም ንግብፂ ክኸዱ ነቐሉ። ኣብታ ኣብ ጥቓ ቤተልሔም ዘላ፥ ጌሮት ከመዓም እትብሃል ቦታ ኸዓ ሰፈሩ።
Currently Selected:
ኤርሚያስ 41: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in