ኤርሚያስ 4
4
ተነስሁ
1“ኦ እስራኤል፥ እንተ ተመለስካ ናባይ ደኣ ተመለስ። ንርኽሰትካ ኻብ ቅድመይ እንተ ኣወጊድካ፥ 2ሽዑ ‘እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ኢልካ ብሓቅን ብቕንዕናን ብፅድቅን እንተ መሓልካ፥ ኣህዛብ ከዓ ብእኡ ኽባረኹን ብእኡ ድማ ኽምክሑን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
3 #
ሆሴዕ 10፡12። እግዚኣብሄር ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ፅግእኹም ሕረሱ፤ ኣብ እሾዅ ኣይትዝርኡ። 4ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩን፥ ብሰንኪ ኽፍኣት ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይነድድ እሞ፥ ሓደ እኳ ኸጥፍኦ ኸም ዘይኽእል ኮይኑ ሃልሃል ከይብልስ፥ ንእግዚኣብሄር ተገረዙ፤ ናይ ልብኹም ሸለፈትውን ኣወግዱ።”
ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ዝመፅእ ወራር
5ኣብታ ሃገር መለኸት ንፍሑ ኢልኩም፥
ኣብ ይሁዳ ተናገሩ፥
ኣብ ኢየሩሳሌምውን ኣውጁ፤
ዓው ኢልኩም ድማ፥
“ተኣከቡ እሞ ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ንእቶ”
ኢልኩም ንገሩ።
6ካብ ሰሜን መዓትን ዓብዪ ጥፍኣትን ከምፅእ እየሞ፥
“ናብ ፅዮን ኣቢሉ ዘመልክት ሰንደቕ ዕላማ” ትኸሉ፤
መፀግዒ ድለዩ፤ ኣይትደንጕዩ።
7ኣንበሳ ካብ ፀምፀም ዱር ወፂኡ ኣሎ፤
ንኣህዛብ ዝዘምትውን ተሲኡ ኣሎ፤
ንምድርኺ ባድማ ኽገብር ድማ
ካብ ስፍራኡ ወፂኡ ኣሎ፤
ከተማታትኪ ኸዓ ሓደ እኳ ዝነብረለን
ክሳዕ ዝሰኣን ክዓንዋ እየን።
8እምበኣር እቲ ዝነድድ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥
ካባና ኣይተመለሰን እዩ እሞ፥
ከሊ ተኸደኑ፤ ኣልቅሱ፤ ዋይ ዋይ ድማ በሉ።
9“በታ መዓልቲ እቲኣ፥
ንነገስታትን ንመኳንንትን ልቦም ክጠልሞም፥
ካህናት ክድንግፁ፥
ነቢያትውን ክድንፀዉ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
10ሽዑ ኣነ “ኣየ፥ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ሰይፊ ኽሳዕ ነፍስና በፂሑ እንተሎስ፥ ደሓን ኢኹም ብምባልካ ነዝ ህዝቢ እዙይን ንኢየሩሳሌምን ብርግፅ ጠበርካዮ” በልኩ።
11በቲ ዘመን እቱይ ነዝ ህዝቢ እዙይን ንኢየሩሳሌምን ከምዙይ ክበሃል እዩ፦ “ዘቃፅል ንፋስ ካብቲ በረኽቲ ምድረ በዳ ናብ ጓል ህዝበይ ክመፅእ እዩ” ግና ንምምሳእን ንምዝራውን ዝኸውን ኣይኮነን። 12እቲ ኻባይ ዝመፅእ ንፋስ ካብኡ የመና ዝበርትዐ ክኸውን እዩ፤ ኣነውን ሕዚ ፍርደይ ክነግሮም እየ።
ፀላኢ ንይሁዳ ኸም ዝኸበባ
13እንሆ ኸም ደመና ኾይኑ ይወፅእ ኣሎ፤ ሰረገላታቱ ኸም ኣውሎ ንፋስ እዮም፤ ኣፍራሱ ኻብ ንስሪ ይቕልጥፉ። ጠፊእና ኢና እሞ ወይለና!
14ኣቲ ኢየሩሳሌም፥ ምእንቲ ኽትድሕንስ ልብኺ ኻብ ክፍኣት ሕፀቢ። ክሳዕ መኣዝ ኢዩኸ ኽፉእ ሓሳብ ኣብ ውሽጥኺ ዝነብር?
15ካብ ዳን ድምፂ ይስማዕ፤ ካብ እምባታት ኤፍሬምውን ናይ መከራ ወረ ይውረ ኣሎ። 16እንሆ ኻብ ርሑቕ ሃገር ዝኸብብ ሰራዊት ይመፅእ ኣሎ፤ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ ይፍክሩለን ኣለዉ ኢልኩም ንኣህዛብ ንገርዎም፥ ንኢየሩሳሌምውን ኣፍልጥዋ። 17ንኣይ ስለ ዝተፃረረት፥ ከም ሓለውቲ ግራት ኮይኖም ብዅሉ ወገና ይኸብዋ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
18ኦ ይሁዳ፥ ነዙይ ኣብ ልዕሌኺ ኸም ዝወርድ ዝገበረ፥ ኣካይዳኽን ግብርኽን እዩ፤ እዙይ መሪር እዩሞ፥ ናብ ልብኺ ይበፅሕ።
ንኤርሚያስ ክንዲ ህዝቡ ዝተሰምዖ ሓዘን
19ኣምዑተይ! ኣምዑተይ!
ልበይ የመና ሓሚሙ ኣሎ።
ብውሽጠይውን ልበይ ተሃዊኹኒ እዩ።
ኦ ነፍሰይ ድምፂ መለኸትን፥
ህማም ውግእን ትሰምዒ ኣለኺሞ፥
ስቕ ክብል ኣይክእልን እየ።
20ጥፍኣት ኣብ ርእሲ ጥፍኣት ይወርድ ኣሎ፤
ኵላ እታ ሃገር ዓንያ እያ፤
ድንኳናትና ብድንገት፥ መጋረጃታትና ድማ
ከም ቅፅበት ዓይኒ ጠፍኣ።
21ክሳዕ መኣዝ እየ ዕላማኡ ዝርኢ፥
ድምፂ መለኸትውን ዝሰምዕ?
22“ህዝበይ ዓያሹ እዮም እሞ ንኣይ ኣይፈልጡንን፤
ድንዙዛት ደቂ እዮም፤
ምስትውዓልውን የብሎምን።
ክፉእ ንምግባር ጥበበኛታት እዮም፤
ሰናይ ምግባር ግና ኣይፈልጡን እዮም።”
ኤርሚያስ ዝረኣዮ ራእይ ጥፍኣት
23ንምድሪ ጠመትክዋ፤
እንሆ ኸዓ ባዶ ምድረ በዳ ነበረት።
ንሰማያትውን ጠመትክዎም፤
ብርሃን ከዓ ኣይነበሮምን።
24ንእምባታት ጠመትክዎም፤
እንሆ ኸዓ ራዕራዕ ይብሉ፤
ኵላቶም ኰረብታታትውን የንቀጥቅጡ ነበሩ።
25ጠመትኩ፤ እንሆ ሰብ ኣይነበረን፤
ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከዓ በሪረን ነበራ።
26ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥
ኣብ ቅድሚ ብርቱዕ ቍጥዓኡን፥
እታ ፈራይት ምድሪ፥ ምድረ በዳ ኾነት፥
እተን ከተማታት ድማ ፈሪሰን ረአኽወን።
27እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
“ኵላ እታ ምድሪ ኽትባድም እያ፤
ግና ፈፂመ ኣየጥፍኣን እየ።”
28ምድሪ ኽትበኪ፥
ሰማይውን ኣብ ላዕሊ ኽፅልምት እዩ፤
ኣነ ኢለ ኣለኹ፤ ወዲአዮውን እየ፤
ኣየናሕስየሉን፤ ካብኡ ኣይምለስን ድማ እየ።
29ካብ ድምፂ ፈረሰኛታትን፥
ወርወርቲ ፍላፃታትን ዝተልዓለ፥
ኵሉ ኸተማታት ይሃድም፤
ገሊኣቶም ናብ ዕሙር ዱር ክኣትዉ፥
ገሊኣቶምውን ናብ በሪኽ ኣኻውሕ ክድይቡ እዮም።
ኵለን ከተማታት ክሕደጋ እየን፤
ኣብኣተን ዝነብር ሰብ እውን ኣይርከብን።
30ኣቲ ዝዓኖኺኸ እንታይ ክትገብሪ ኢኺ?
ቀይሕ ክዳን እትኽደኒ፥
ሽልማት ወርቂ እትሽለሚ፥
ኵሕሊውን እትኰሓሊ፥
ንኸንቱ ኢኺ እተጋይፂ ዘለኺ፤
ፈተውትኺ ንዒቖምኺ፤
ንነፍስኺውን ይደልዩዋ ኣለዉ።
31ከም እትሓርስ፥
በዅሪ ወዳውን ከም እትወልድ ሰበይቲ፥
ዝበለ ድምፂ ሰማዕኹ፤
ድምፂ ጓል ፅዮን ብድኻም ይልሕትት፤
ኣእዳዋውን ትዝርግሕ እሞ፥
ተቐቲሎም ካብ ዝሞቱ ዝተልዓለ፥
ነፍሰይ ላሕሊሓ ኣላሞ፥ ወይለይ በለት።
Currently Selected:
ኤርሚያስ 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

:
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in