ኤርሚያስ 34
34
ንሴዴቅያስ ዝተነግሮ መልእኽቲ
1 #
2 ነገ. 25፡1-11፥ 2 ዜና. 36፡17-21። ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኵሉ ሰራዊቱን፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ኢዱ ዝግዝኡ ዝነበሩ ዅሎም መንግስታት ምድርን ኵሎም ህዝብታትን፥ ምስ ኢየሩሳሌምን ምስ ኵለን ከተማታታን፥ ይዋግኡ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦ 2ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ናብ ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኼድካ ኸምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሱውን ብሓዊ ኸባርዓ እዩ። 3ንስኻ ኸዓ ብርግፅ ተትሒዝካ ናብ ኢዱ ኽትወሃብ ኢኻ እምበር፥ ካብ ኢዱ ኣይተምልጥን ኢኻ፤ ዓይንኻውን ንዓይኒ ንጉስ ባቢሎን ክትርኢ እያ፤ ንሱውን ኣፍ ንኣፍ ምሳኻ ኽነጋገር እዩ። ናብ ባቢሎንውን ክትኣቱ ኢኻ። 4ግና ኣታ ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ብዛዕባኻ ኸምዙይ ይብል፦ ‘ብሰይፊ ኣይትመውትን ኢኻ።’ 5ብሰላም ክትመውት ኢኻ፤ ከምቲ ነቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ቐዳሞት ነገስታት ኣቦታትካ ዘቃፅሉሎም ዝነበሩ ኸቃፅሉልካ እዮም፤ ‘ዋይ ዋይ ጐይታና’ እናበሉ ድማ ኸልቅሱልካ እዮም፤ ኣነ ባዕለይ እዝ ቓል እዙይ ተናጊረ እየሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
6-7ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን፥ ንኢየሩሳሌምን ነተን ተሪፈን ዝነበራ ዅላተን ከተማታት ይሁዳን፥ ነተን ካብ ከተማታት ይሁዳ ተዓሪደን ተሪፈን ዝነበራ፥ ላኪሶን ኣዜቃን ክዋጋእ እንተሎ፥ ኤርሚያስ ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኵለን እዘን ቃላት እዚኣተን ነገሮ።
ኣብ ልዕሊ ባሮት ብምትላል ዝተገብረ ግፍዒ
8ንጉስ ሴዴቅያስ ምስቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ህዝቢ፥ ሓርነት ባሮቶም ክእውጁ ቓል ኪዳን ምስ ኣተወ፥ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ። 9እቲ ኪዳን ከዓ ነፍሲ ወከፎም፥ ዕብራውያን ንዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮቶም ሓራ ኸውፅኡ፥ “ሓደ እኳ ንኣይሁዳዊ ሓዉ፥ ባርያ ኸይገብር” ዝብል ነበረ። 10ኣሕሉቖምን ኵሎም ህዝብን ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮቶም ሓራ ኸውፅኡ፥ ድሕሪዙይ ከዓ ባሮት ከይገብርዎም፥ ቃል ኪዳን ኣተዉ፥ ሓራውን ኣውፅእዎም። 11ደሓር ግና መሊሶም፥ ነቶም ሓራ ኣውፂኦምዎም ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮቶም መለስዎም፤ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ባሮት ገይሮም ድማ ገዝእዎም።
12ስለዙይ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፤ 13እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣነ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብፂ ካብ ቤት ባርነት ዘውፃእኹላ መዓልቲ ኸምዙይ ኢለ ምስኣቶም ኪዳን ኣተኹ፤ 14#ዘፀ. 21፡2፥ ዘዳ. 15፡12። ‘ሸውዓተ ዓመት ምስ ተፈፀማ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ባዕሉ ንኣኻትኩም ንባርነት ዝሸጠ እሞ፥ ሽዱሽተ ዓመት ዝተገዝአኩም ዕብራዊ ሓውኩም፥ ነፍሲ ወከፍኩም ሓራ ኣውፅእዎ፤’ ግና ኣቦታትኩም ኣይሰምዑንን ኣእዛኖምውን ፅን ኣየበሉን። 15ንስኻትኩም ሎሚ ተመሊስኩም፥ ነፍሲ ወከፍኩም ንብፃዩ ሓራ ምውፃእ ብምእዋጅኩም ከዓ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ቅኑዕ ገበርኩም። ኣብታ ብስመይ ዝተሰምየት ቤት ድማ፥ ኣብ ቅድመይ ኪዳን ኣተኹም። 16ግና ተመሊስኩም ንስመይ ኣርከስኩምዎ፤ ነቶም ሓራ ኣውፂእኹም፥ ናብ ዝደለይዎ ክኸዱ ዝሰደድኩምዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መለስኩምዎም፤ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮትኩም ጌርኩም ከዓ ገዛእኹምዎም። 17ስለዙይ ሕዚ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩን ሓርነት ንምእዋጅ ኣይሰማዕኹምንን። ኣነ ኸዓ እንሆ ንውግእን ፌራን ጥሜትን ‘ሓርነት’ እእውጀልኩም ኣለኹ። ንዅሎም መንግስታት ምድሪ መሰክሒ ኽትኮኑ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 18ኣነ ነቶም ቃል ኪዳን ዝተሓላለፉ ሰባት፥ ነቲ ምራኽ ኣብ ክልተ ጨንዲሖም ብመንጎ እቲ ጭንዳሑ ኸዓ ሓሊፎም፥ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዝኣተውዎ ቓል ኪዳን ዘይሓለዉ ሰባት፥ ከምቲ ኣብ ክልተ ዝመቐልዎ ምራኽ ክገብሮም እየ። 19ነቶም ብመንጎ ጭንዳሕ እቲ ምራኽ ዝሓለፉ ኣሕሉቕ ይሁዳን ኣሕሉቕ ኢየሩሳሌምን ስሉባትን ካህናትን፥ ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገርን፥ 20ኣብ ኢድ ፀላእቶምን ኣብ ኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን፥ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ሬሳኣቶም ከዓ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ክኸውን እዩ። 21ንሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንኣሕሉቑን እውን፥ ናብ ኢድ ፀላእቶምን ናብ ኢድ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩ ሰባትን፥ ናብ ኢድ እቲ ኻባኻትኩም ዝረሓቐ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። 22እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ እሞ፥ ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ንሳቶም ክዋግእዋ፥ ክሕዝዋ፥ ብሓዊ ድማ ኸባርዕዋ እዮም፤ ንኸተማታት ይሁዳ ኸዓ ባዲመን፥ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ክገብረን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
Currently Selected:
ኤርሚያስ 34: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in