YouVersion Logo
Search Icon

ኤርሚያስ 32

32
ኤርሚያስ ግራት ከም ዝዓደገ
1 # 2 ነገ. 25፡1-7። ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓስራይ ዓመቱ፥ ናቡከደነፆር ከዓ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦ 2በቲ ጊዜ እቱይ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ንኢየሩሳሌም ከቢቦምዋ ነበሩ፤ ነቢይ ኤርሚያስውን ኣብቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ነበረ። 3ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣእሲሩዎ ነበረ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ዝብል ትንቢት ትዛረብ? ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነዛ ኸተማ እዚኣ፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሱውን ክሕዛ እዩ። 4ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸዓ፥ ብርግፅ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክወሃብ እዩ። ገፅ ንገፅ ከዘራርቦ፥ በዒንቱውን ክሪኦ እዩ እምበር ካብ ኢድ ባቢሎናውያን ኣየምልጥን። 5ሴዴቅያስ ተማሪኹ ናብ ባቢሎን ክኸይድ እዩ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮውን ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ምስ ባቢሎናውያን እንተ ተዋጋእኹም ኣይቐንዐኩምን እዩ’ ይብል እግዚኣብሄር።”
6ኤርሚያስ ከዓ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ በለ፦ 7“እንሆ፥ ኣናምኤል ወዲ ሳሉም፥ ሓው ኣቦኻ፥ ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራተይ ‘መሰል ምቢዛው ዘለካ ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ዓድጋ’ ኽብለካ ናባኻ ኽመፅእ እዩ።” 8ኣናምኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ናብቲ ገበላ ቤት ማእሰርቲ መፂኡ “ክትቢዘዋ መሰል ርስቲ ዘለካ ንስኻ ኢኻሞ፥ ነታ ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ግራተይ ዓድጋ” በለኒ። እዙይውን ቃል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጥኩ። 9ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራት ከዓ ኻብ ኣናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይ ዓደግክዋ፤ ዋጋኣውን ዓሰርተ ሸውዓተ ቕርሺ ብሩር መዚነ ሃብክዎ። 10ነቲ ውዕሊ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፈ ፊርማይ ኣንበርኩ፤ ምስክር ፀዊዐ ድማ ነቲ ቕርሺ ብሩር ብሚዛን መዘንኩሉ። 11ነተን ውዕሊ ዝተፅሓፈን፥ ነታ ሕትምትን ነታ ቕልዕትን ወሲደ፥ 12ኣብ ቅድሚ ኣናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ መፅሓፍ ውዕሊ ዝተፅሓፉ መሰኻኽርን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ኣብ ገበላ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድን፥ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ወዲ መሕሴያ ሃብክዎ። 13ኣብ ቅድሚ ዅሎም ከዓ ንባሮክ ከምዙይ ዝብል ትእዛዝ ሃብክዎ፦ 14“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ‘ነዘን ውዕሊ ዝተፅሓፈን ከም ሕግን ውዕልን ዝተሓትመን ቅሉዕን ወሲድካ፥ ብዙሕ ዓመታት ከይተበላሸዋ ምእንቲ ኽፀንሓ ኣብ ውሽጢ ኣቕሓ መሬት ኣንብረን።’ 15ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ እሞ፥ ‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኣባይትን ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከም ብሓድሽ ክዕድጉ እዮም’ ይብል ኣሎ።”
ፀሎት ኤርሚያስ
16እታ ውዕሊ መሸጣ ዝሓዘት መፅሓፍ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ምስ ሃብክዎ ኸዓ፥ ከምዙይ ኢለ ናብ እግዚኣብሄር ፀለኹ፦ 17“ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እንሆ፥ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በታ እተዘርግሐት ቅልፅምካን፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ንኣኻ ዘይከኣለካ ነገር የለን። 18ንስኻ ነእላፋት ምሕረት እትገብር፥ ግና ብበደል ኣቦታት ድማ ንውሉዶም እትቐፅዕ ኣምላኽ ኢኻ። ንስኻ ዓቢይን ሓያልን ኣምላኽ ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ። 19ንስኻ ብምኽርኻ ዓብዪ፥ ብግብርኻ ብርቱዕ ኢኻ፤ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መንገዶምን፥ ከከም ግብሮምን ምእንቲ ኽትህቦም ከዓ፥ ኣዒንትኻ ኣብ ኵለን መንገድታት ደቂ ኣዳም ክፉታት እየን። 20ንስኻ ኣብ ሃገር ግብፂ ምልክትን ዘደንቕ ነገራትን ገበርካ፤ ከምኡውን ኣብ እስራኤልን ኣብ ካልኦት ህዝብን ክሳዕ ሎሚ እናገበርካ፥ እንሆ ኸዓ በዙይ ስምካ ኣፀዋዕኻ። 21ንህዝብኻ እስራኤል፥ ብምልክትን ብዘደንቕን፥ ብብርቱዕ ኢድን ብዝተዘርግሐ ቕልፅምን ብዘርዕድ ግርማን ካብ ሃገር ግብፂ ኣውፃእኻዮም። 22ነታ ነቦታቶም ክትህቦም ዝመሓልካሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ከዓ ሃብካዮም። 23ንሳቶም ድማ ኣትዮም ሓዝዋ፤ ግና ቓልካ ኣይሰምዑን ብሕግኻውን ኣይተመላለሱን። ነቲ ዅሉ ኽገብርዎ ዝኣዘዝካዮም ኣይገበርዎን፤ ስለዙይ ከዓ እዝ ዅሉ መዓት እዙይ ኣውረድካሎም።
24“ነታ ኸተማ ኽሕዝዋ ድልድል ሓመድ ሰሪሖም ኣለዉ። እታ ኸተማ ኸዓ ብሰንኪ ውግእን ጥሜትን መቕሰፍትን ኣብ ኢድ እቶም ዝዋግኡዋ ባቢሎናውያን ክትወሃብ እያ። እቲ ዝበልካዮ ኸዓ እንሆ፥ ከምቲ እትሪኦ ዘለኻውን እናተፈፀመ እዩ። 25ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እታ ኸተማ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ተውሂባ እንተላስ፥ ንስኻ ‘ግራት ብገንዘብ ዓድግ ምስክር ከዓ ሓዘሉ’ በልካኒ።”
26ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦ 27“እንሆ ኣነ እግዚኣብሄር፥ ናይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ደቂ ሰብ ኣምላኽ እየ፤ ንኣይ ዘይከኣለኒ ነገርዶ ኣሎ እዩ? 28#2 ነገ. 25፡1-11፥ 2 ዜና. 36፡17-21። ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያንን ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሱ ድማ ኽሕዛ እዩ። 29እቶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ዝወግኡ ከለዳውያን ከዓ፥ ክመፁን ነታ ኸተማውን ከባርዕዋን እዮም፤ ከቘጥዑኒ ኢሎም ኣብ ሰገነት፥ ምስተን ንጣዖት በዓል ዝዓጠኑለን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሱለን ኣባይቲ ኸቃፅልዋ እዮም። 30ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ዝኾነ ጥራሕ ገበሩ እምበር፥ ሓደ ነገር ኣይሰርሑን፤ ብሓቂውን ህዝቢ እስራኤል ብስራሕ ኢዶም ኣቘጥዑኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 31እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብቲ ዝተመስረተትሉ መዓልቲ ጀሚራ ኽሳዕ ሎሚ ቍጥዓይን ናህረይን ኣለዓዓለትለይ፥ ስለዙይ ካብ ቅድሚ ዓይነይ ከርሕቓ ወሰንኩ። 32እቲ ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ምስ ነገስታቶምን ኣሕሉቖምን ካህናቶምን ነቢያቶምን፥ ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ ብዝገበርዎ ዅሉ ኽፍኣት ኣቘጥዑኒ። 33ገፆም ዘይኮነስ ዝባኖም ሃቡኒ፤ መላሊሰ እኳ እንተ መሃርክዎም፥ ኣይሰምዑንን ተግሳፅውን ኣይተቐበሉን። 34#2 ነገ. 23፡10፥ ኤር. 7፡30-31፥ 19፡1-6። ነታ ብስመይ ዝተፀውዐት ቤት ምእንቲ ኸርክስዋ ርኽሰቶም ኣብኣ ኣንበሩ። 35#2 ነገ. 23፡10፥ ኤር. 7፡31፥ ዘሌ. 18፡21። ኣወዳትን ኣጓላትን ደቆም ንሞሎኽ ምእንቲ ኽስውኡ፥ ኣብ ለሰ ወዲ ሄኖም፥ ንበዓል መስገዲ ዀረብታታት ሰርሑ። ንይሁዳ ናብ ሓጢኣት ከእትዉ፥ ከምዙይ ዝበለ ርኽሰት ክፍፅሙ፥ ኣነ ኣይኣዘዝኩን ፈፂመውን ኣይሓሰብኩን።”
መፃኢ ተስፋ
36እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፦ “ንስኻ፥ ‘ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ፌራን፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ሓሊፋ ኽትወሃብ እያ’ ስለ ዝበልካያ ስለ እዛ ኸተማ እዚኣ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፤ 37እንሆ፥ ካብቲ ዅሉ ብቝጥዓይን ብዓብዪ መቕሰፍተይን ዝሰጐጕክዎም ክእክቦም እየ፤ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ድማ ኽመልሶም፥ ብሰላምውን ከንብሮም እየ። 38ሽዑ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ። 39ንባዕላቶምን ብድሕሪኦም ከዓ ንደቆምን፥ ሰናይ ምእንቲ ክኾነሎም፥ ኵልሻዕውን ክፈርሑኒ፥ ሓደ ልብን ሓደ መንገድን ክህቦም እየ። 40ንኣኣቶም ሰናይ ካብ ምግባር ድሕር ከይብል፥ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክኣትወሎም፥ ካባይ ከይርሕቑ ኸዓ፥ ፍርሓተይ ኣብ ውሽጢ ልቦም ከሕድር እየ። 41ንኣኣቶም ሰናይ ብምግባረይ እሕጐስ፤ ብምሉእ ልበይን ብምሉእ ነፍሰይን፥ ብሓቂ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኽተኽሎም እየ።
42“ከምቲ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ እዝ ዅሉ ጥፍኣት ዘውረድኩሎም፥ ከምኡ ድማ እቲ ዅሉ ዘተስፎኽዎም ሰናይ ከውርደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 43ኣብታ ንስኻትኩም ሰብን እንስሳን ዘይነብሩላ ንባቢሎናውያን ዝተውሃበት፥ ባዶ ዝበልኩምዋ ሃገር ኣብኣ ገራሁ ኽዕድጉ እዮም። 44ኣነ ነቶም ምሩኻቶም ክምልሰሎም እየሞ፥ ኣብ ሃገር ብንያምን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ከተማታት ደጕዓን ኣብ ከተማታት ጐልጐልን ኣብ ከተማታት ኔጌብን፥ ገራሁ ብገንዘብ ክሽየጥ እዩ፤ እቲ ናይ መሸጣ ውዕልውን፥ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ተፅሒፉ ኽሕተም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

Currently Selected:

ኤርሚያስ 32: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ኤርሚያስ 32