ኤርሚያስ 25
25
ብወገን ሰሜን ዝመፅእ ፀላኢ
1 #
2 ነገ. 24፡1፥ 2 ዜና. 36፡5-7፥ ዳን. 1፡1-2። ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፤ ናቡከደነፆር ከዓ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ ቀዳመይቲ ዓመቱ፤ ንዅሎም ህዝቢ ይሁዳ ዝምልከት ቃል፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ። 2ነቢይ ኤርሚያስ ከዓ ንዅሎም ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን ከምዙይ ኢሉ ተናገረ፦ 3“ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ካብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ፥ ንዕስራን ሰለስተን ዓመት ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ ኣነውን ኣንጊሀ ተሲአ ነገርኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምንን። 4እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣገልገልቱ ነቢያት ኣንጊሁ ለኣኾም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምዎን፤ ክትሰምዕዎ ኢልኩምውን፥ ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን። 5ንሱውን፦ ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ንዘለኣለመ ኣለም ዝሃባ ምድሪ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፉእ መንገድኹምን፥ ካብ ክፉእ ግብርኹምን ክትምለሱ ነገሩኹም። 6ክተምልኽዎምን ክትሰግዱሎምን ኢልኩም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትከተሉ፤ ብስራሕ ኣእዳውኩም ድማ ኣይተቘጥዑኒ፤ ኣነውን ክፉእ ኣይገብረኩምን። 7ግና ኣይሰማዕኹምንን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብስራሕ ኣእዳውኩም ኣቘጣዕኹምኒ፤ ኣብ ልዕሌኹምውን ክፉእ ነገር ኣምፃእኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
8“ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ 9ቃለይ ስለ ዘይሰማዕኹም፥ እንሆ፥ ንዅሎም ህዝብታት ሰሜንን ንኣገልጋሊየይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ከምፅኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ናብዛ ሃገር እዚኣን፥ ናብቶም ዝነብርዋን፥ ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን፥ ከምፅአሎም እየ። ፈፂመ ኸጥፍኦም፥ ንመሰክሕን ንመላገፅን ከዓ ኽገብሮም፥ ንዘለኣለም ድማ ኸባድሞም እየ። 10#ኤር. 7፡34፥ 16፡9፥ ራእይ 18፡22-23። ካብኣቶም ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን፥ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ድምፂ መጥሓንን ብርሃን መብራህትን ከጥፍእ እየ። 11#2 ዜና. 36፡21፥ ኤር. 29፡10፥ ዳን. 9፡2። ኵላ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ኽትባድምን ክትዓኑን እያ፤ እዞም ህዝብታት እዚኣቶምውን ሰብዓ ዓመት ንንጉስ ባቢሎን ክግዝእዎ እዮም። 12እተን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ ድማ ንህዝቢ ባቢሎንን ንንጉሶምን ብሰንኪ በደሎም ክቐፅዖም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሃገሮም ከዓ ንሓዋሩ ኸባድማ እየ። 13ነቲ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር እዚኣ ዝተናገርክዎ ቓላትን፥ ነቲ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዝተፅሓፈን፥ ነቲ ኤርሚያስ ንዅሉ ህዝቢ ዝተናገሮ ትንቢትን ኣብዛ ሃገር እዚኣ ከምፅኦ እየ። 14ህዝባውን ብዙሓት ኣህዛብን ዓበይቲ ነገስታትን ንኣኣቶም ክገዝእዎም እዮም፤ ኣነውን ከም ግብሮምን ከም ስራሕ ኢዶምን ክኸፍሎም እየ።”
ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ
15እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ በለኒ፦ “እንካ፥ እዛ ወይኒ ቝጥዓይ ዝመልአት ፅዋዕ፥ ካብ ኢደይ ውሰድ፤ ንኵሎም ነቶም ኣነ ንኣኻ ዝልእኸካ ህዝብታት ኬድካ ኣስትዮም። 16ካብኡ ምስ ሰተዩ፥ ሰንከልከል ክብሉን፥ ካብቲ ዝሰዶ ሰይፊ ዝተልዓለ ኽዓብዱን እዮም።”
17ኣነ ድማ ነታ ፅዋዕ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ተቐቢለ፥ ናብቶም ኵሎም እግዚኣብሄር ዝለኣኸኒ ህዝብታት ከድኩ፤ ከም ዝሰትይዎውን ገበርኩ። 18ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ምድረ በዳን መሰክሕን መላገፅን መራገምን ምእንቲ ክኾኑ፥ ንኢየሩሳሌምን ንኸተማታት ይሁዳን ንነገስታታን ንኣሕሉቓን፥ 19ንፈርዖን ንጉስ ግብፅን ንሹማምንቱን ንመሳፍንቱን ንዅሉ ህዝቡን፥ 20ንዅሎም ሕውስዋስ ህዝብን፥ ንዅሎም ነገስታት ሃገር ዖፅን፥ ንዅሎም ነገስታት ሃገር ፍልስጥኤምን ኣስቀሎናን ጋዛን ኣቃሮንን፥ ነቶም ኣብ ኣዛጦን ዝተረፉ ህዝብን፥ 21ንዅሎም ህዝቢ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣሞንን፥ 22ንዅሎም ነገስታት ጢሮስን ነገስታት ሲዶናን፥ ነቶም ኣብ ዙርያ ገማግም ማእኸላይ ባሕሪ ዝነብሩ ነገስታትን፥ 23ንኸተማታት ዴዳን ቴማን ቡዝን፥ ነቶም ፀጕሮም ወሰና ወሰን ዝላፅዩ ዅሎምን፥ 24ንዅሎም ነገስታት ዓረብን፥ ንዅሎም ነገስታት እቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝነብሩ ሕውስዋስ ህዝብታትን፥ 25ንዅሎም ነገስታት ዘምሪን፥ ንዅሎም ነገስታት ዔላምን ነገስታት ሜዶንን፥ 26ንዅሎም እቶም ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ዘለዉ ነገስታት ሰሜንን፥ ንዅሎም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘለዉ መንግስታት ዓለምን ካብቲ ፅዋዕ ኣስተኽዎም። ድሕሪ እዚኣቶም ከዓ ንጉስ ሼሻክ ካብኡ ኽሰቲ እዩ። 27ንስኻውን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስተዩ፤ ስኸሩ፤ ትፍኡ፤ መሊስኩም ኣይትተስኡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ዝሰዶ ሰይፊ ውደቑ። 28ነታ ፅዋዕ ካብ ኢድካ ምቕባል እንተ ኣበዩ፥ ምስታይውን እንተ ኣበዩ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ‘ብግዲ ኽትሰትዩ ኢኹም’ ይብል ኣሎ በሎም። 29እንሆ፥ በታ ብስመይ እተፀውዐት ከተማ ምቕፃዕ እጅምር ኣለኹ፤ እሞኸ ብዘይ ቅፅዓትዶ ተምልጡ ኢኹም? ንዅሎም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሰይፊ ኽሰደሎም እየ እሞ፥ እንተይተቐፃዕኹም ኣይትተርፉን ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
30“ኵሉ እዝ ቓል ትንቢት ተናገሮም፤ ከምዙይውን በሎም፦
እግዚኣብሄር ካብ ላዕሊ ኸንጐድጕድ፥
ካብ ቅዱስ ስፍራኡ ኸዓ ድምፁ ኸስምዕ እዩ።
ኣብ ልዕሊ መጓሰኡ ብሓይሊ ኸንጐድጕድ፥
ነቶም ኵላቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ ዓው ኢሉ ድምፁ ኸስምዖም እዩ።
31እግዚኣብሄር ምስ ኣህዛብ ክርክር ኣለዎሞ፥
ዓብዪ ድምፂ ኽሳዕ ምድሪ ኽጋዋሕ እዩ፤
ምስ ኵሉ ስጋ ዝለበሰውን ክፋረድ እዩ፤
ንኽፉኣት ከዓ ንሰይፊ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ፤
ይብል እግዚኣብሄር።”
32ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ መዓት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ኽሓልፍ፥ ብርቱዕ ንፋስ ኣውሎ ኸዓ ኻብ ወሰን ምድሪ ኽለዓል እዩ።” 33በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቶም እግዚኣብሄር ዝቐተሎም፥ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዛሕ ክብሉ እዮም። ዝበኽየሎም ኣይህሉን እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ዛሕ ክብሉ እዮም ኣይእከቡን፤ ኣይቕበሩንውን።
34እትሕረዱለን መዓልቲታት በፂሐን እየን፤ ከም ክቡር ኣቕሓ ሻኽላ ወዲቕኩም ክትሰባበሩ ኢኹም እሞ፥ ኣቱም ጓሶት ዋይ! ዋይ! በሉን ኣእውዩን፤ ኣቱም መራሕቲ መጓሰውን ኣብ ሓመድ ተንከባለሉ። 35እቶም ጓሶት ምህዳም ኣይኽእሉን፤ እቶም መራሕቲ መጓሰ ድማ ኣየምልጡን እዮም። 36እግዚኣብሄር ነቲ ዝጓሰየሉ ምድሪ የጥፍኦ ኣሎሞ፥ ዋይ ዋይታ ጓሶትን፥ ኣውያት መራሕቲ መጓሰን ይስማዕ ኣሎ። 37ካብ ናህሪ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ፥ እታ መሕደሪ ሰላም ባደመት። 38ካብ ጭካነ ሰይፍን ካብ ናህሪ ቝጥዓኡን ዝተልዓለ፥ ሃገሮም ባዲማ እያሞ፤ ከም ኣንበሳ ነታ መሕደሪኡ ሓደጋ።
Currently Selected:
ኤርሚያስ 25: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: