ኤርሚያስ 14
14
ድርቂ፥ ጥሜት፥ ውግእ
1ብዛዕባ ድርቂ ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦
2ይሁዳ ትበኪ ኣላ፤
ደገታት ጥራሖም ኮኑ፤
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ፀልመቶም፤
ብኽያት ኢየሩሳሌም ልዕል ልዕል በለ።
3እቶም ዓበይቲ ነቶም ኣናእሽቱ፥
ማይ ከምፅኡ ለኣኽዎም፤
ንሳቶምውን ናብ ጕድጓድ መፁ፤
ግና ማይ ኣይረኸቡን፤
ማይ ዘይብሉ ዓታሩ ኸዓ ሒዞም ተመለሱ።
ስለ ዝሓፈሩን ስለ ዝሓነኹን ከዓ፥
ርእሶም ተጐልበቡ።
4ዝናም ስለ ዘይዘነመ እታ ምድሪ ተጨዳደደት፤
ሓረስቶት ድማ ሓፊሮም ርእሶም ተጐልበቡ።
5ዋልያ ኣብ ምድረ በዳ ወለደት፤
ሳዕሪ ስለ ዝተስኣነ፥ መሓሲኣ ሓደገት።
6ኣእዱግ በረኻ ድማ፥ ኣብ በረኽቲ ደው ኢለን፥
ከም ወኻሩ ላህልሃ፤
ሳዕሪ ስለ ዝሰኣና ድማ ኣዒንተን ፈዘዛ።
7ክድዓትና ብዙሕ እዩ፤
ንኣኻውን በዲልና ኢና፤
ስለዙይ ኦ እግዚኣብሄር፥
ሓጢኣትና እኳ እንተ መስከረልና፥
ስለ ስምካ ኢልካ ግበር።
8ተስፋ እስራኤል ንስኻ በይንኻ ኢኻ፤
ብጊዜ ጭንቂ እተድሕነናውን ንስኻ ኢኻ፤
ስለ ምንታይ ደኣ ኣብዛ ሃገር፥
ከምቲ ንሓንቲ ለይቲ ጥራሕ ዝሓድር፥
ሓላፊ መንገዲ ጋሻ እትኸውን?
9ስለ ምንታይከ ኸምቲ ቀባሕባሕ እናበለ፥
ከናግፍ ዘይኽእል ጅግና ትኸውን?
ኦ እግዚኣብሄር ንስኻ፥
ብርግፅ ኣብ ማእኸልና ኣለኻ፤
ንሕና ብስምካ ተፀዊዕና ኢና እሞ፥
ኦ እግዚኣብሄር ኣይትሕደገና።
10እግዚኣብሄር፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ፥ ከምዙይ ይብል፦ “ካባይ ክርሕቑ ይፈትዉ፤ ኣእጋሮም ድማ ኣይገትኡን። ስለዙይ ኣነ ኣይፈተኹሎምን። ንበደሎም ክዝክሮ፥ ብሰንኪ ሓጢኣቶም ከዓ ኽቐፅዖም እየ” ይብል ኣሎ።
11እግዚኣብሄር ድማ “ነዝ ህዝቢ እዙይ ሰናይ ኣይትለምነሉ። 12እንተ ፆሙ ፀሎቶም ኣይሰምዕን፤ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን እኳ እንተ ኣቕረቡለይ ኣይቅበለሎምን እየ። እኳ ደኣ ብውግእን ብጥሜትን ብፌራን ከጥፍኦም እየ” በለኒ።
13ሽዑ ኣነ “ኣየ! ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እንሆ እቶም ነቢያት እኮ እዮም ‘እግዚኣብሄር ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ሓቀኛ ሰላም ክህብ እየ ስለ ዝበለ፥ ውግእ ኣይትሪኡን፤ ጥሜትውን ኣይመፀኩምን እዩ’ ዝብልዎም ዘለዉ” በልኩ።
14እግዚኣብሄር ግና “እቶም ነቢያትስ ብስመይ ሓሰት ይንበዩ ኣለዉ። ኣነ ኣይለኣኽክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን ወይ ሓንቲ ቓል ኣይተዛረብክዎምን፤ ንሳቶምስ ራእይ ሓሰትን ጥንቈላን ከንቱነትን ዝኾነ፥ ናይ ልቦም ጥበራ እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ። 15ብዛዕባ እዞም ኣነ እግዚኣብሄር እንተይለኣኽክዎም ‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ ውግእን ጥሜትን ኣይህሉን እዩ’ ኢሎም ብስመይ ዝንበዩ ነቢያት፥ እዞም ነቢያት እዚኣቶም ብውግእን ብጥሜትን ክጠፍኡ እዮም። 16ነቶም ዝተነበዩሎም ህዝቢ ድማ ኽፍኣቶም ኣብ ልዕሊኣቶም ከውርዶ እየ። ንሳቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ብጥሜትን ብውግእን ከም ዝሃልቁ ኽገብር እየ። ሬሳኣቶም ከዓ ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌም ክወድቁ እዮም፤ ዝቐብሮም ድማ ኣይርከብን” በለኒ።
17እዝ ቓል እዙይ ንገሮም፦
“እታ ድንግል ጓል ህዝበይ፥
ብዓብዪ መስበርቲ፥
ብብርቱዕ ቍስሊ ተወቒዓ ኣላሞ፥
ኣዒንተይ ለይትን መዓልትን እንተየቋረፃ፥
ንብዓት የፍስሳ ኣለዋ።
18ናብ ሜዳ እንተ ወፃእኹ፥
እንሆ፥ ብሰይፊ ዝሞቱ ሰባት እርኢ፥
ናብ ከተማ እንተ ኣቶኹ ድማ፥
እንሆ፥ ብጥሜት ዝቓህመሙ ኣለዉ፤
ነቢይን ካህንንውን፥
ናብ ዘይፈልጥዎ ሃገር ይኸዱ ኣለዉ።”
ህዝቢ ይሁዳ ዝገበርዎ ምህለላ
19ኦ እግዚኣብሄር፥ ብሓቂ ፈፂምካዶ፥
ንይሁዳ ደርቢኻያ ኢኻ?
ነፍስኻኸ ንፅዮንዶ ፀሊኣታ እያ?
ስለ ምንታይ ደኣ ኸም ዘይንሓዊ ጌርካ ወቓዕኻና?
ሰላም ተፀበና፤ ግና ሰናይ ኣይመፀን።
እንሓውየሉ ጊዜ ተፀበና፤
እንሆ ኸዓ፥ ራዕዲ ኾነ።
20ኦ እግዚኣብሄር! ንኣኻ በዲልና ኢናሞ፥
ንእመን ኣለና።
ሓጢኣትናን በደል ኣቦታትናን፥
ተፈሊጡና ኣሎ።
21ስለ ስምካ ኢልካ ኣይትንዓቐና፤
ነቲ ዙፋን ክብርኻውን ኣይተዋርዶ፤
ነቲ ምሳና ዝኣተኻዮ ኺዳን፥
ዘክር እምበር ኣይተፍርሶ።
22ካብ ማእኸል እቶም ጣዖታት ኣህዛብ፥
ዝናም ከዝንም ዝኽእል ኣሎዶ?
ሰማይከ ባዕሉ ዝናም ከውርድዶ ይኽእል እዩ?
ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥
እዝ ዅሉ እትገብር ንስኻ ኢኻ እሞ፥
ተስፋና ኣባኻ ንገብር ኣለና።
Currently Selected:
ኤርሚያስ 14: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in