YouVersion Logo
Search Icon

ኤርሚያስ 11

11
ዝፈረሰ ኺዳን
1ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦ 2“ንትሕዝቶ እዝ ኪዳን እዙይ ስማዕ። ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከዓ፥ 3ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኵሉ ነቲ ኣብዝ ቓል ኪዳን እዙይ ዘሎ ትእዛዛት ዘይፍፅም ርጉም ይኹን። 4ካብታ ኸም እቶን ሓጐዶ ዝኾነት ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን እዙይ እዩ። ክእዘዙንን፥ ኵሉ ዝበልክዎም ክፍፅሙን ነገርክዎም። እንተ ደኣ ተኣዚዞምኒ ህዝበይ ከም ዝኾኑ፥ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ከም ዝኸውን ነገርክዎም። 5ሽዑ ኸምዝ ሕዚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ነታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ከም ዝህቦም ነቦታቶም ኣተስፍየዮም ዝነበርኩ ኽፍፅሞ እየ” ኣነ ኸዓ “ኣሜን ጐይታይ” ኢለ መለስኩ።
6ሽዑ እግዚኣብሄር “ናብ ከተማታት ይሁዳን፥ ናብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ኪድ። ንትእዛዝ ኪዳነይ ክሰምዕዎን ክፍፅምዎን ኣውጀሎም። 7ነቦታቶም ካብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኽዎም፥ ክእዘዙኒ ኣበርቲዐ ኣጠንቀቕኩዎም፤ እወ፥ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኸየቋረፅኩ ኣጠንቀቕኩዎም። 8ንሳቶም ግና ነፍሲ ወከፎም፥ ብትሪ ኽፉእ ልቦም ከዱ እምበር፥ ኣይሰምዑንን ኣይተኣዘዙንውን። ስለዙይ ከዓ ነቲ ኽገብርዎ ዝኣዘዝክዎም ስለ ዘይፈፀምዎ፥ ነዝ ኣብዝ ኪዳን እዙይ ተገሊፁ ዘሎ መቕፃዕቲ ኣብ ርእሶም ኣውረድክዎ” በለኒ።
9እግዚኣብሄር ድማ ኸምዙይ በለኒ፦ ኣብ መንጎ ህዝቢ ይሁዳን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኢየሩሳሌምን ሻራ ተረኺቡ ኣሎ። 10ንሳቶም ናብ ሓጢኣት እቶም ንቓለይ ምስማዕ ዝኣበዩ ቐዳሞት ኣቦታቶም ተመለሱ። ንኸምልኹዎም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሰዓቡ። ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኪዳነይ ኣፍረስዎ። 11ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ዘየምልጡሉ መዓት ከውርደሎም እየ፤ ናባይ ከእውዩ እዮም፤ ኣነ ግና ኣይሰምዖምን እየ። 12ሽዑ ህዝቢ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ ናብቶም ዝዓጥኑሎም ኣማልኽቲ ኸይዶም ከእውዩ እዮም። ግና ብጊዜ መከራኦም ከቶ ኣየድሕንዎምን። 13ኦ ይሁዳ ብዝሒ ኣማልኽትኻ ኸምቲ ብዝሒ ኸተማታትካ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቝፅሪ መንገድታት ክንድኡ ድማ መሰውኢ ሰርሑሉ። 14ንሱውን ንበዓል ምእንቲ ኽትዓጥኑሉ፥ መሰውኢ ጌርኩም ኢኹም፤ ንስኻስ ምእንቲ እዝ ህዝቢ እዙይ ኣይትለምን፤ ምእንትኣቶም ከዓ ኣይትጥራዕን ኣይትማህለልን።
15ፈታዊተይ ክፍኣት እናገበረትስ፥ ኣብ ገዛይ እንታይ ኣለዋ? መብፅዓን ዝተቐደሰ ስጋን፥ ቅፅዓትኪ ኸርሕቐልኪዶ ይኽእል? ወይ በዚኣቶም እተምልጢዶ ይመስለኪ? 16እግዚኣብሄር “ፅቡቕ ፍረ ዘለዋ፥ ዝለምዐት ኦም ኣውሊዕ” ኢሉ ንስምኪ ፀውዖ፤ ብድምፂ ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ ሓዊ ኣንደደላ፤ ጨናፍራውን ተሰባበሩ። 17ቤት እስራኤልን ቤት ያእቆብን፥ ንጣዖት ብምዕጣን ብዝገብርዎ ኽፍኣት ስለ ዘቘጥዑኒ፥ ንኣኺ ዝተኸለ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክፋእ ነገር ተናገረልኪ።
ንኤርሚያስ ክቐትልዎ ሻራ ኸም ዝገበሩሉ
18እግዚኣብሄር ኣፍለጠኒ፤ ኣነውን ፈለጥኩ፤ ስራሖምውን ገለፅካለይ። 19ኣነ ግና ንማሕረዲ ኸም ዝዅብኰብ የዋህ ጡበት ነበርኩ፤ ንሳቶም “ስሙ ኸይዝከር፥ ነታ ኦም ምስ ፍሪኣ ንቝረፃ፤ ካብ ምድሪ ህያዋን ድማ ነጥፍኣያ፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ስሙ ኣይዘከር” ኢሎም ከም ዘሻረዉለይ ኣይፈለጥኩን ነይረ።
20ሽዑ “ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ቅኑዕ እትፈርድ፥ ልብን ኰላሊትን ከዓ እትምርምር፥ ነገረይ ኣባኻ ኣማዕቝብ ኣለኹ እሞ፥ ምፍዳይ ሕነኻ ኣብኣቶም ኣርእየኒ” በልኩ።
21ህይወትካ ንምጥፋእ ንዝደልዩን፥ ብስም እግዚኣብሄርውን ትንቢት ኣይትናገር፥ እንተ ዘይኮይኑ ብኢድና ኽትሞት ኢኻ ንዝብሉኻ ሰብ ኣናቶት፥ 22እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ክቐፅዖም እየ፤ ኣጓብዞም ብሰይፊ፥ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ብጥሜት ክሞቱ እዮም። 23በታ ንሰብ ኣናቶት ዝቐፅዐላ ዓመት፥ ኣብኣቶም መዓት ከውርድ እየ እሞ፥ ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣይተርፍን።”

Currently Selected:

ኤርሚያስ 11: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in