YouVersion Logo
Search Icon

መሳፍንት 8

8
ዛብሄልን ስልማናን
1ሰብ ኤፍሬም ድማ “እቲ ምስ ምድያማውያን ክትዋጋእ ኽትከይድ እንተለኻስ ስለ ምንታይ ዘይፀዋዕኻና? ንምንታይከ ኸምዙይ ገበርካና?” በልዎ። ኣበርቲዖምውን ተፃልእዎ።
2ንሱ ድማ “እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ምስቲ ናታትኩም ክነፃፀር እንተሎ ኣብ ቍፅሪ ዝኣቱ ኣይኮነን፤ ደሓር ከዓ ኻብ ምህርቲ ወይኒ ኢይዝራኤልስ ቀሪም ዘለላ ኤፍሬምዶ ኣይሐይሽን? 3ኣምላኽውን ነቶም ሹመኛታት ምድያም፥ ንሔሬብን ንዜብን፥ ኣብ ኢድኩም እዩ ኣሕሊፉ ዝሃበኩም፤ ኣነ ድኣ ምስ እዙይ ዝወዳደር እንታይ ሰሪሐ?” ሽዑ እዝ ዘረባዙይ ምስ ተዛረቦም፥ ቍጥዓኦም ሃድአ።
4ጌዴዎንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰለስተ ሚእቲ ሰባትን ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ መፁ፤ ተሳገርዎውን። ደኺሞም እኳ እንተ ነበሩ ንፀላእቶም የሳጕጉዎም ነበሩ። 5ንሰብ ሱኮት ከዓ “ኣነ ደድሕሪ ዛብሄልን ስልማናን፥ ነገስታት ምድያም፥ ስዒበ ኣሳጕጎም ኣለኹ፤ እዞም ዝስዕቡኒ ዘለዉ ህዝቢ ድማ ደኺሞም እዮም እሞ፥ በይዛኻትኩም እንጀራ ሃብዎም” በሎም። #መዝ. 83፡11።
6እቶም ሹመኛታት ሱኮት ግና “ንሰራዊትካ እንጀራ ኽንህቦምስ፥ ኢድ ዛብሄልን ስልማናንዶ ሕዚ ኣብ ኢድካ እየን?” በልዎ።
7ጌዴዎን ከዓ “እግዚኣብሄር ንዛብሄልን ንስልማናን ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ምስ ሃበኒ፥ ንኣኻትኩም ብእሾዅ በረኻን ብዳንዴርን ክገርፈኩም እየ” በሎም።
8ካብኡ ጵኒኤል ናብ ዝበሃል ቦታ ደየቡ፤ ንኣኣቶም ከዓ ኸምኡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰብ ጵኒኤል ድማ ኸምቲ ናይ ሰብ ሱኮት ገይሮም መለሱሉ። 9ንሱውን ንሰብ ጵኒኤል ከዓ፥ “ብሰላም ምስ ተመለስኩ፥ ነዝ ግንቢ እዙይ ከፍርሶ እየ” በሎም።
10ዛብሄልን ስልማናን፥ ምስ ሰራዊቶም ኣብ ቀርቀር ነበሩ፤ እቶም ካብ ኵሉ ሰራዊት ሰብ ምብራቕ ዝመፁ ኣስታት ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ዝኾኑ ተሪፎም ነበሩ። እቶም ወዲቖም ዝነበሩ ድማ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ሰይፊ ዝመዝዙ ሰባት ነበሩ። 11ጌዴዎን ድማ ብመንገዲ እቶም ኣብ ምብራቕ ኖባን ዮግበሃን ኣብ ድንኳን ሃዲኦም ናብ ዝነብሩ ሰራዊት ደዪቡ፥ ነቲ ኣብ ሰፈር ዘሎ ሰራዊት ኣዘንጊዑ ወቕዖ። 12ዛብሄልን ስልማናን ከዓ ሃደሙ፤ ንሱ ግና ደድሕሪኣቶም ሰዓበ፤ ንኽልቲኦም ነገስታት ምድያም፥ ንዛብሄልን ስልማናን ድማ ማረኾም፥ ንዅሉ ሰራዊቶምውን ኣሸበሮ።
13ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ ካብ ውግእ፥ ብዓቐበት ሔረስ ኣቢሉ ተመለሰ። 14ካብ ሰብ ሱኮት ንሓደ መንእሰይ ሒዙ ጠየቖ፤ ንሱ ኸዓ ስም ናይ ሰብዓን ሸውዓተን ናይ ሱኮት ሹመኛታትን ዓበይቲ ሰባትን ፀሓፈሉ። 15ናብ ሰብ ሱኮት መፂኡ ድማ “ነቶም ዝደኸሙ ሰብካ እንጀራ ኽንህቦምስ፥ ኢድ ዛብሄልን ኢድ ስልማናን ሕዚ ኣብ ኢድካ ድዩ? ኢልኩም ዘባጨኹምለይስ፥ ዛብሄልን ስልማናን እኒሀዉ” በሎም። 16ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ሒዙ ንሰብ ሱኮት ብእሾዅ በረኻን ዳንዴርን ገይሩ ገረፎም። 17ንግንቢ ጵኒኤልውን ኣፍረሶ፤ ንሰብ እታ ኸተማ ኸዓ ቐተሎም።
18ንዛብሄልን ንስልማናን ድማ “እቶም ኣብ ታቦር ዝቐተልኩምዎም ሰባት ከመይ ዝበሉ ነበሩ?” ኢሉ ጠየቖም።
ንሳቶም ከዓ “ከማኻ ዝበሉ ነበሩ፤ ንኣኻውን ይመስሉ ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ መልክዖምውን መልክዕ ደቂ ንጉስ ይመስል ነበረ” ኢሎም መለሱሉ።
19ንሱ ኸዓ “ኣሕዋተይ ደቂ እኖይ እኮ እዮም ነይሮም፤ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፤ ብህይወት እንተ እትሓድግዎም ኔርኩም ኣይምቐተልኩኹምን ነይረ” በሎም። 20ንዮቴር በዅሪ ወዱ “ተሲእኻ ቕተሎም” በሎ። እቲ ወዱ ግና ንእሽተይ ነበረ እሞ፥ ስለ ዝፈርሐ ሰይፊ ኣይመዘዘን።
21ሽዑ ዛብሄልን ስልማናን “ሓይሊ ሰብ ከም ሰብነቱ እዩ እሞ፥ ንስኻ ተሲእኻ ቕተለና” በልዎ። ጌዴዎን ከዓ ተሲኡ ንዛብሄልን ስልማናን ቀተሎም፤ እቲ ኣብ ክሳድ ኣግማሎም ዝነበረ ዳቋታት ከዓ ወሰደ።
ጣዖት ጌዴዎን
22ሽዑ ደቂ እስራኤል ንጌዴዎን፥ “ካብ ኢድ ምድያም ኣድሒንካና ኢኻ እሞ ንስኻን ወድኻን ወዲ ወድኻን ግዝኡና” በልዎ።
23ጌዴዎን ከዓ “ኣነስ ኣይገዝአኩምን፤ ወደይውን ኣይገዝአኩምን፤ እግዚኣብሄር ደኣ ይግዛእኹም” በሎም። 24እስማኤላውያን ስለ ዝነበሩ ናይ ወርቂ ኵትሻ ነበሮምሞ፥ ጌዴዎን “ኵልኻትኩም ካብቲ ዝማረኽኩምዎ ኵትሻኹም ንኽትህቡኒ እልምነኩም ኣለኹ” በሎም።
25ንሳቶም ከዓ “ብፍቓድና ንህበካ” በልዎ። ነፀላ ድማ ዘርግሑ፤ ነፍሲ ወከፍ ከዓ እቲ ዝማረኾ ቐለበታት ናብኡ ደርበየ። 26ብዘይ እቲ ኣብ ነገስታት ምድያም ዝነበረ ድሪን ኵትሻን ግምጃ ኽዳውንትን፥ ብዘይ እቲ ኣብ ክሳውዲ ኣግማሎም ዝነበረ ዳቋታት፥ #8፡26 ዳቋታት፦ ኣብ ክሳድ በቕሊ ዝግበር ሽልማት እዩ። እቲ ዝለመኖ ቐለበታት ወርቂ ሚዛኑ ዳርጋ ዕስራ ኪሎ ግራም ኮነ። 27ጌዴዎን ድማ ንእኡ ኤፉድ ገይሩ፥ ኣብ ከተማኡ ኣብ ኤፍራታ ኣንበሮ። ኵሉ እስራኤል ከዓ ደድሕሪኡ ስዒቡ ኣመንዘረሉ። እዙይ ከዓ ንጌዴዎንን ንቤተሰቡን መፈንጠር ኮነ።
ጌዴዎን ከም ዝሞተ
28ምድያም ከዓ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ተዋረዱ፤ መሊሶምውን ርእሶም ኣየልዓሉን። እታ ሃገር ድማ ብዘመን ጌዴዎን ኣርብዓ ዓመት ዕረፍቲ ረኸበት።
29ይሩበዓል ኢዮኣስ ከዓ ኸይዱ ኣብ ገዛኡ ተቐመጠ። 30ንሱ ድማ፥ ብዙሓት ኣንስቲ ነበራኦ እሞ፥ ካብ ሕቈኡ ዝተወለዱ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ። 31እታ ኣብ ሴኬም ዝነበረት ሰበይቲ ወሰኑ ድማ ወዲ ወለደትሉ፤ ስሙ ኸዓ ኣቢሜሌክ ኢሉ ሰመዮ። 32ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ ዕድመ ፀጊቡ ሞተ፤ ኣብታ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኢዮኣስ ከዓ ተቐበረ።
33ጌዴዎን ምስ ሞተ፥ ደቂ እስራኤል ተመሊሶም ደድሕሪ በዓሊም ስዒቦምውን ኣመንዘሩ። ንበዓልብሪት ከዓ ኣምላኾም ገበርዎ። 34ደቂ እስራኤል ነቲ ኻብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነብሩ ዅሎም ፀላእቶም ዘድሓኖም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይዘከርዎን። 35ንቤት ይሩበዓል ንጌዴዎን ከምቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበረሎም ኵሉ ፅቡቕ ነገር፥ ዝኾነ ሞሳ እኳ ኣይመለሱሉን።

Currently Selected:

መሳፍንት 8: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in