YouVersion Logo
Search Icon

መሳፍንት 7

7
ጌዴዎን ንምድያማውያን ከም ዝሰዓሮም
1ንፅባሒቱ ድማ ይሩበዓል፥ ዝተብሃለ ጌዴዎንን፥ እቲ ዅሉ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ኣንጊሆም ተስኡ፤ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ሓሮድ ከዓ ሰፈሩ። ሰፈር ምድያም ድማ ብወገን ሰሜኖም ኣብ ኰረብታ ሞሬ፥ ኣብቲ ጥቓ ለሰ ነበረ። 2እግዚኣብሄር ከዓ ንጌዴዎን “ኣነ ንምድያም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ እንተ ኾነ እዞም ምሳኻ ዘለዉ ህዝቢ እምብዛ ስለ ዝበዝሑ ‘ብሓይልና ኢና ዝደሓንና’ ኢሎም ክዕበዩ እዮም። 3እምበኣር ሕዚ ነቶም ህዝቢ ‘ካብ ፍርሓት ዝተልዓለ ዅሉ ራዕዲ ዝሓዞ ኻብ እምባ ገለዓድ ይመለስ’ ኢልካ ኣብ እዝኖም ኣውጀሎም” በሎ። ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ዕስራን ክልተን ሽሕ ተመለሱ፤ ዓሰርተ ሽሕ ከዓ ተረፉ። #ዘዳ. 20፡8።
4እግዚኣብሄር ድማ ንጌዴዎን “እዝ ህዝቢ ገና ብዙሕ እዩ፤ ናብ ማይ ኣውርዶም እሞ፥ ኣብኡ ኽፈትኖም እየ። እቲ ኣነ ‘እዙይ ምሳኻ ይኺድ’ ዝብለካ፥ ንሱ ምሳኻ ይኺድ፥ እቲ ‘ምሳኻ ኣይኺድ’ ዝብለካ ዅሉ ኸዓ፥ ምሳኻ ኣይኺድ” በሎ።
5ሽዑ ጌዴዎን ነቲ ህዝቢ ናብ ማይ ኣውረዶ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንጌዴዎን “ነቲ ኸም ኣሳትያ ኸልቢ ብመልሓሱ ማይ ዝሰቲ ንበይኑ ፍለዮ፤ ነቲ ብብርኩ ተንበርኪኹ ዝሰቲውን ከምኡ ንበይኑ ፍለዮ” በሎ። 6ኵሎም እቶም ብኢዶም ሓፊኖም ማይ ዝሰተዩ ኸዓ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ኮኑ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ማይ ክሰትዩ፥ ብብርኮም ተምበርከኹ።
7እግዚኣብሄር ድማ ንጌዴዎን “በዞም ብኢዶም ሓፊኖም ዝሰተዩ ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ከድሕነኩም እየ፤ ንምድያማውያን ከዓ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ። እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ነፍሲ ወከፍ ነናብ ዓዱ ይመለስ” በሎ። 8ሽዑ ጌዴዎን ነቶም ስንቅን መለኸትን ዝወሰዱ ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ወሲዱ፥ ነቶም ዝተረፉ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ነናብ ድንኳኖም ሰደዶም።
ሰፈር ምድያማውያን ድማ ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ ለሰ ነበረ። 9በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌዴዎን “ንምድያም ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፥ ተሲእኻ ናብቲ ሰፈሮም ውረድ። 10ንበይንኻ ምውራድ እንተ ፈሪሕኻ ግና ምስ ፉራ ሓሽከርካ ዄንካ ናብቲ ሰፈር ውረድ። 11እቲ ዝዛረብዎ ስማዕ፤ ብድሕሪኡ ናብቲ ሰፈር ንምውራድ ኢድካ ኽትተብዕ እያ” በሎ። ሽዑ ጌዴዎን ምስ ሓሽከሩ ፉራ፥ ናብ ጥቓ እቶም ኣብ ሰፈር ተሰሊፎም ዝነበሩ ወረደ። 12ምድያማውያንን ኣማሌቃውያንን ኵሎም ደቂ ምብራቕን ብዝሖም ከም ኣንበጣ ዝኾኑ ኣብቲ ለሰ ሰፊሮም ነበሩ። ኣግማሎም ከዓ ኽቝፀራ ዘይኽእላ፥ ኣብ ወሰን ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑፃ ብዙሓት ነበራ።
13ጌዴዎን ምስ መፀ፥ እንሆ ሓደ ሰብ ንብፃዩ ኸምዙይ እናበለ ሕልሙ ይነግሮ ነበረ፦ “ሕልሚ ሓሊመ፥ እንሆ ኸዓ፥ ሓንቲ ጠረሾ ስገም ናብ ሰፈር ምድያም እናንከራረወት መፂኣ ነቲ ድንኳን ወቕዐት፤ እቲ ድንኳን ድማ ንላዕሊ ኣቢሉ ተገልቢጡ ወደቐ።”
14እቲ ብፃዩ ድማ “እዙይ ሰይፊ ናይቲ እስራኤላዊ ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ እዩ፤ ካልእ ኣይኮነን፤ ኣምላኽ ንምድያምን ንዅሉ ሰፈሮምን ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሂብዎ እዩ” በሎ።
15ጌዴዎን፥ እዝ ሕልሚ እዙይን ትርጕሙን ምስ ሰምዐ፥ ሰገደ። ድሕሪዙይ ናብ ሰፈር እስራኤል ተመሊሱ “እግዚኣብሄር ንሰፈር ምድያም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ሂቡኩም እዩ እሞ ተስኡ” በሎም። 16ነዞም ሰለስተ ሚእቲ ሰባት ድማ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ መቐሎም፤ ኣብ ኢድ ኵሎም ከዓ መለኸትን ጥራሑ ሳርማን፥ ኣብ ውሽጢ እቲ ሳርማታትውን ሽግ ሃቦም።
17ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ንኣይ ረአዩ፤ ኣነ ዝገብሮ ኸዓ ግበሩ። እንሆ፥ ከዓ ኣነ ናብ ወሰን ሰፈሮም ምስ በፃሕኹ፥ ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ግበሩ። 18ኣነ ምስቶም ምሳይ ዘለዉ ዅሎም ኮይነ መለኸት ምስ ነፋሕኹ፥ ንስኻትኩምውን ኣብ ኵሉ ዙርያ እቲ ሰፈር መለኸታትኩም ንፍሑ ‘ንእግዚኣብሄርን ንጌዴዎንንውን’ በሉ” በሎም።
19ኣብ መጀመርታ ሓለዋ ፍርቂ ለይቲ፥ ዘብዐኛታት ምስ ተለወጡ ሽዑ ንሽዑ ጌዴዎንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሚእቲ ሰባትን፥ ናብቲ ጥቓ ሰፈር በፅሑ። መለኸት ከዓ ነፍሑ፤ ነቲ ኣብ ኣእዳዎም ዝነበረ ሳርማታትውን ሰበርዎ። 20እቶም ዝተረፉ ኽልተ ኽፍልታት ድማ መለኸቶም ነፍሑ፤ ነቲ ሳርማታትውን ሰበርዎ፤ ኵሎም ከዓ ብፀጋማይ ኢዶም መብራህቲ ሓዙ፤ ምእንቲ ኽነፍሑ፥ ከዓ ብየማነይቲ ኢዶም መለኸት ሓዙ፤ ዓው ኢሎም ድማ “እዙይ ኲናት እግዚኣብሄርን ጌዴዎንን እዩ” በሉ። 21ነፍሲ ወከፎም ከዓ ኣብ ሰስፍራኦም ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ደው በሉ። ሽዑ ዅሎም እቶም ሰራዊት ምድያም እናእወዩ ሃደሙ።
22እቶም ሰለስተ ሚእቲ ድማ መለኸት ምስ ነፍሑ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ሰራዊት ምድያም ንስንሳቶም ብሰይፊ ኸም ዝቃተሉ ገበሮም። እቲ ሰራዊት ድማ ናብ ፀረራ ኣቢሉ ኽሳዕ ቤትሺጣ፥ ክሳዕ እታ ኣብ ገምገም ኣቤል መሖላ ዘላ ጣባት ሃደመ። 23ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ንፍታሌምን ካብ ኣሴርን ካብ ኵሉ ምናሴን ተኣኪቦም ንምድያማውያን ደድሕሪኣቶም ስዒቦም ኣሳጐጕዎም። 24ጌዴዎን ድማ “ንምድያም ክትዋግእዎም ውረዱ፤ ነቲ ማያት ክሳዕ ቤትባራን ዮርዳኖስን ድማ ሓዝዎ” ኢሉ ናብ ኵሉ ዀረብታታት ኤፍሬም ልኡኻት ሰደደ።
ሽዑ ዅሎም ሰብ ኤፍሬም ተኣኪቦም ነቲ ማያት ክሳዕ ቤትባራን ዮርዳኖስን ሓዝዎ። 25ንኽልቲኦም ሹመኛታት ምድያም፥ ንሔሬብን ንዜብን፥ ድማ ማረኽዎም እሞ፥ ንሔሬብ ኣብ ኰዅሒ ሔሬብ ቀተልዎ። ንዜብውን ኣብ መፅመቝ ወይኒ ዜብ ቀተልዎ፤ ንምድያማውያን እውን ኣሳጐጕዎም። ንርእሲ ሔሬብን ዜብን ግና ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ናብ ጌዴዎን ኣምፅእዎ።

Currently Selected:

መሳፍንት 7: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for መሳፍንት 7