YouVersion Logo
Search Icon

መሳፍንት 6

6
ጌዴዎን
1ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስራሕ ገበሩ። እግዚኣብሄር ከዓ ንሸውዓተ ዓመት ኣብ ኢድ ምድያማውያን ኣሕሊፉ ሃቦም። 2ደቂ እስራኤል መግዛእቲ ምድያማውያን ስለ ዝበርትዖም፥ ኣብቲ ኣብ እምባታት ዘሎ ጐዳጕድን በዓትታትን ኣብ እምባታትን መሕብኢ ገበሩ። 3ደቂ እስራኤል ዘርኢ ምስ ዘርኡ፥ ምድያማውያን ምስ ኣማሌቃውያንን ምስቶም ደቂ ምብራቕን ኮይኖም ይመፅዎም ነበሩ። 4ኣብኣቶም ሰፊሮም ከዓ ኽሳዕ እቲ ንጋዛ ዘእቱ፥ ፍረ እታ ምድሪ የጥፍኡ ነበሩ፤ ምግቢ ኾነ በጊዕ፥ ብዕራይ ኮነ ኣድጊ ኣብ እስራኤል ኣይሓድጉን ነበሩ። 5ንሳቶም ምስ ከፍቶምን ድንኳናቶምን ይድይቡ ነበሩ፤ ምብዛሖምውን ከም ኣንበጣ ነበረ። ንሳቶምን ኣግማሎምን ቍፅሪ ዘይብሎም ነበሩ እሞ፥ ነታ ሃገር ከጥፍእዋ ይኣትዉ ነበሩ። 6ህዝቢ እስራኤል ብምድያማውያን ብዙሕ ተሸገሩ፤ ናብ እግዚኣብሄር ከዓ ጠርዑ።
7ደቂ እስራኤል ብሰንኪ ምድያማውያን ናብ እግዚኣብሄር ምስ ጠርዑ ኸዓ፥ 8እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ሓደ ነቢይ ሰደደሎም። ንሱ ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ኣነ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ካብቲ ዝነበርኩምዎ ባርነት ኣናገፍኩኹም፥ 9ካብ ኢድ ግብፃውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ገፋዕትኹምን ኣድሓንኩኹም፤ ንኣኣቶም ካብ ቅድሜኹም ሰጒጐውን ምድሮም ሃብኩኹም። 10ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፤ ንኣማልኽቲ እቶም ንስኻትኩም ሃገሮም ወሪስኩምዎም ዘለኹም ኣሞራውያን ኣይትፍርሕዎም ኢለኩም ነይረ፤ ንስኻትኩም ግና ቓለይ ኣይሰማዕኹምን’ ” በሎም።
11መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ መፂኡ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ዖፍራ ዘላ ናይ ኢዮኣስ ኣቢዔዝራዊ፥ ዓባይ ኦም ተቐመጠ። ወዱ ጌዴዎን ድማ ኻብ ምድያማውያን ክሓብእ፥ ስርናይ ኣብ መፅመቝ ወይኒ ይዘብጥ ነበረ። 12ንእኡ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ተርኣዮ፤ “ኣታ ፅኑዕ ሓያል ሰብ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ” በሎ። 13ጌዴዎን ድማ “ኣየ ጐይታ! እግዚኣብሄር ምሳና እንተ ዝህሉስ እዝ ዅሉ ስለ ምንታይ ረኸበና? እቲ ኣቦታትና ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ ኣውፂኡና’ እናበሉ ዝነገሩና ተኣምራቱኸ ኣበይ ኣሎ? ሕዚ ግና እግዚኣብሄር ሓዲጉናስ፥ ናብ ኢድ ምድያማውያን እኳ እንሆ ኣሕሊፉ ሂቡና ኣሎ” በሎ።
14ሽዑ እግዚኣብሄር ናብኡ ግልፅ ኢሉ “እንሆ ኣነ እልእኸካ ኣለኹ፤ በቲ ዘለካ ሓይሊ ድማ ኼድካ ንእስራኤል ካብ ኢድ ምድያማውያን ኣድሕኖም” በሎ።
15ንሱ ድማ “ጐይታይ! እንሆ ዓሌተይ ካብ ነገድ ምናሴ እቲ ዝሓመቐ እዩ፤ ኣነውን ካብ ቤት ኣቦይ ዝነኣስኩ እየ፤ ንእስራኤል ደኣ ኸመይ ገይረ ኸድሕኖም እኽእል?” በሎ።
16እግዚኣብሄር ከዓ “ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፥ ንምድያማውያን ከም ንሓደ ሰብ ጌርካ ኽትስዕሮም ኢኻ” በሎ።
17ጌዴዎን ከዓ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ እትዛረበኒ ዘለኻ ንስኻ ኸም ዝኾንካ ምልክት ኣርእየኒ በሎ፤ 18ናባኻ ተመሊሰ መስዋእተይ ኣብ ቅድሜኻ ኽሳዕ ዘቕርበልካ፥ በይዛኻ፥ ካብዙይ ኣይትኺድ” በሎ። ንሱ ድማ “ክሳዕ እትምለስ፥ ክፀንሐካ እየ” በሎ።
19ሽዑ ጌዴዎን ኣትዩ ሓደ ማሕስእ ሓሪዱ ኣዳለወ፤ ዓሰርተ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ወሲዱውን ቅጫ ሰንከተ፤ ነቲ ስጋ ኣብ ሰፍኢ፥ ነቲ መረቕውን ኣብ ቍራዕ ገበሮ። ኣምፂኡ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ዓባይ ኦም ኣቕረበሉ።
20እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ “ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን ኣብዝ ኰዅሒ፥ እዙይ ኣንብሮ፤ ነቲ መረቕውን ኣብ ልዕሊኡ ኣፍስሶ” በሎ። ከምኡ ድማ ገበረ። 21ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ዘንጊ ሰዲዱ ነቲ ስጋን ቅጫን ነኽኦ እሞ ኻብቲ ኰዅሒ ሓዊ ወፂኡ፥ ነቲ ስጋን ቅጫን በልዖ፤ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ኣዒንቱ ተሰወረ። 22ሽዑ ጌዴዎን ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ፈለጠ። ጌዴዎን ከዓ ደንጊፁ፥ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ንመልኣኽካ ገፅ ንገፅ ሪአዮ እየሞ ወይለይ” በለ።
23እግዚኣብሄር ድማ “ሰላም ንኣኻ ይኹን፤ ኣይዞኻ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትመውትን ኢኻ” በሎ።
24ሽዑ ጌዴዎን ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ “እግዚኣብሄር ሰላም እዩ” ኢሉ ኸዓ ሰመዮ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣብቲ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣሎ።
25በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌዴዎን “እቲ ሸውዓተ ዓመት ዝገበረ ናይ ኣቦኻ ኻልኣይ ዝራብዕ ውሰድ፥ ነቲ ኣቦኻ ንጣዖት በዓል ዝስውአሉ መሰውኢ ኣፍርሶ፤ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ናይ ጣዖት ኣስታሮት ምስሊ ኸዓ ቝረፆ። 26ኣብ ልዕሊ እዝ ዕርዲ እዙይ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢ ኸም ስርዓቱ ጌርካ ስራሕ፤ ነቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ከዓ በቲ እትቘርፆ ዕንፀይቲ ናይ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ጌርካ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርብ” በሎ።
27ሽዑ ጌዴዎን ካብ ኣገልገልቱ ዓሰርተ ሰባት ወሲዱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ። ግና ብመዓልቲ ኸይገብሮ፥ ንቤት ኣቦኡን ንሰብ እታ ኸተማን ስለ ዝፈርሐ፥ ብለይቲ ገበሮ።
28ንፅባሒቱ ሰባት እታ ኸተማ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፥ እቲ መሰውኢ ጣዖት በዓል ፈሪሱ፥ እቲ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ኸዓ ተቘሪፁ፥ እቲ ኻልኣይ ዝራብዕውን ኣብቲ ተሰሪሑ ዝነበረ መሰውኢ ተሰዊኡ ረኸብዎ።
29ንስንሳቶም ድማ “እዝ ነገር እዙይ ዝገበረ መን እዩ?” ተበሃሃሉ።
ሓቲቶምን መርሚሮምን ድማ “እዝ ነገር እዙይ ጌዴዎን ወዲ ኢዮኣስ እዩ ዝገበሮ” በሉ።
30ናይታ ኸተማ ሰባት ንዮኣስ “ወድኻ መሰውኢ ጣዖት በዓል ኣፍሪሱ፤ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ቘሪፁ እዩ እሞ፥ ክንቀትሎ ኣውፅኣዮ” በልዎ።
31ኢዮኣስ ከዓ ነቶም ክቃወምዎ ዝተስኡ ዅሎም “ንበዓልዶ ኽትማጐቱሉ ኢኹም፥ ወይ ከዓ ኽተድሕንዎዶ ደሊኹም? እቲ ኽማጐተሉ ዝደሊ፥ ምድሪ እንተይወግሐት ይቀተል፤ ንሱ ኣምላኽ እንተ ኾይኑስ፥ ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ሰብ ባዕሉ ይማጐቶ” በሎም። 32ስለዙይ ኢዮኣስ በታ መዓልቲ እቲኣ “በዓል፥ ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ሰብ ባዕሉ ይማጐቶ” ኢሉ ንጌዴዎን “ይሩበዓል” ኢሉ ሰመዮ።
33ሽዑ ዅሎም ምድያማውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ብሓደ ተኣከቡ፤ ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ ኣብ ለሰ ኢይዝራኤል ሰፈሩ። 34መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ጌዴዎን ወረደ። ንሱ መለኸት ነፊሑ ንኣቤዔዝራውያን ፀውዖም፤ ተኣኪቦም ከዓ ሰዓብዎ። 35ናብ ኵሉ ነገድ ምናሴ ድማ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ከቲቶም ሰዓብዎ። ናብ ነገዳት ኣሴርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ድማ ልኡኻት ሰደደ፤ ንሳቶምውን ክቕበልዎም ወፁ።
36ጌዴዎን ድማ ንእግዚኣብሄር “ንእስራኤል ብኢደይ ክተድሕኖም እንተ ዄንካ፥ 37እንሆ እምበኣር፥ ኣነ ነዝ ቝሩፅ ፀምሪ እዙይ ኣብዝ ዓውዲ ኣንብሮ ኣለኹ። ኵላ ምድሪ ንቕፅቲ፥ ኣብዝ ፀምሪ እዙይ ጥራሕ ከዓ ኣውሊ እንተ ኾነ፥ ሽዑ ኸምቲ ዝበልካዮ፥ ንእስራኤል ብኢደይ ከም እተድሕኖ እፈልጥ” በሎ። 38ከምኡ ድማ ኾነ። ንፅባሒቱ ኣንጊሁ ተሲኡ፥ ነቲ ፀምሪ ፀሞቖ፤ ካብቲ ፀምሪ ኸዓ ሒላብ ምሉእ ማይ ኣውፅአ።
39ጌዴዎን ድማ ንኣምላኽ “ሓደ ሻዕ ክዛረብ፥ ኣይትቈጥዐኒ፤ በቲ ፀምሪ ሓደሻዕ ክፍትን ፍቐደለይ። እምበኣርከስ እቲ ፀምሪ ጥራሕ ንቑፅ ይኹን፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ድማ ኣውሊ ይኹን” በሎ። 40ኣምላኽ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምኡ ገበረ፤ እቲ ፀምሪ ጥራሕ ንቑፅ ኮነ፤ ኣብ ኵላ ምድሪ ግና ኣውሊ ኾነ።

Currently Selected:

መሳፍንት 6: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for መሳፍንት 6