መሳፍንት 5
5
መዝሙር ዲቦራ
1በታ መዓልቲ እቲኣ ዲቦራን ባርቅ ወዲ ኣቢኒኤምን እዝ መዝሙር እዙይ ዘመሩ፦
2“መራሕቲ ኣብ እስራኤል ስለ ዝመርሑ፥
እቲ ህዝቢ ድማ ባዕሉ ብፍቓዱ ነፍሱ ስለ ዝሃበ፥
ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
3ኣቱም ነገስታት ስምዑ፤
ኣቱም ሹመኛታትውን ፅን በሉ፤
ኣነ ንእግዚኣብሄር ክዝምረሉ እየ፤
ንኣምላኽ እስራኤል ንእግዚኣብሄር፥ ክቕነየሉ እየ።
4ኦ ጐይታ! ኻብ ሴይር ምስ ወፃእኻ፥
ካብ በረኻ ኤዶምያስ ድማ ምስ ከድካ፥
ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፤ ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ፤
ደመናታት ድማ ማዮም ኣንጠብጠቡ።
5እምባታት ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ መኸኹ፤
እዝ ሲና ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተነቓነቐ። #ዘፀ. 19፡18።
6ብዘመን ሰሜጋር ወዲ ዓናት፥
ብዘመን ኢያዔል መንገድታት ተቛረፁ፤
ሓለፍቲ መንገዲ ድማ ብጥውይዋይ መንገዲ ኸዱ።
7ኣቲ ዲቦራ ንስኺ ኽሳዕ እትትስኢ፥
ኣብ እስራኤል እኖ ዄንኪ ኽሳዕ እትትስኢ፥
ሓያላት ኣብ እስራኤል ወሓዱ፤ ሃለቑውን።
8ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሓረዩ፤
ሽዑ ውግእ ኣብ ኣፍ ደጌታት ኮነ፤
ኣብቶም ኣርብዓ ሽሕ እስራኤላውያን ከዓ ዋልታ ኾነ፥
ኲናት ኣይተርኣየን።
9ልበይ ምስቶም ኣብ ማእኸል ህዝቢ ፈትዮም ርእሶም ዝወፈዩ፥
ምስቶም መራሕቲ እስራኤል እዩ፤
ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
10ኣቱም ኣብ ልዕሊ ፀዓዱ ኣእዱግ እትቕመጡ፥
ኣቱም ኣብ ወለሽ ምንፃፍ እትቕመጡ፥
ኣቱም ሓለፍቲ መንገዲውን ብዛዕባኡ ተዛረቡ።
11ካብ ደሃይ ቀስተኛታት ርሒቖም፥
ኣብ መንጎ ጋብላታት ኣብኡ ግብርታት ፅድቂ እግዚኣብሄር፥
እቲ ኣብ እስራኤል እተገብረ ግብርታት ፅድቂ
ኣሕሉቕ ድማ ይንገሩ፤
ብድሕሪኡ ህዝቢ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገታት ወረዱ።
12ተስኢ! ዲቦራ ተስኢ!
ተስኢ! ተስኢ! መዝሙር ዘምሪ፤
ባርቅውን ተስእ!
ኣታ ወዲ ኣቢጊኤም፥ ምሩኻትካ ማርኽ።
13ሽዑ እቶም ዝተረፉ፥
ናብቶም ሓያላቱን ናብ ህዝቡን ወረዱ፤
እግዚኣብሄርውን ምእንታይ ኣብ ልዕሊ ሓያላት ወረደ።
14ኣብ ኣማሌቅ ሱር ዝነበሮም ካብ ኤፍሬም ወረዱ፤
ድሕሬኻ ብንያም ኣብ ማእኸል ህዝብታትካ፥
ኣሕሉቕ ከዓ ኻብ ማኪር፥
ካብ ዛብሎንውን ብበትሪ ገዛኢ ዝሓዙ ወረዱ።
15ሹመኛታት ይሳኮርውን ምስ ዲቦራ ነበሩ፤
ይሳኮርውን ከም ባርቅ ነበረ፤
ቀልጢፎም ደድሕሪኡ ናብቲ ለሰ ጐየዩ፤
ኣብ ጥቓ ሩባታት ሮቤል፥
ብዙሕ ምምንታእ ልቢ ነበረ።
16ስለ ምንታይከ ፋፃ መጓሰ ኽትሰምዕ፥
ኣብ ማእኸል ደምበታት ኣባጊዕ ኮፍ በልካ?
ኣብ ጥቓ ሩባታት ሮቤል፥
ዓብዪ ናይ ልቢ ምርምር ነበረ።
17ገለዓድ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ተቐመጠ፤
ዳንከ ስለ ምንታይ ኣብ ውሽጢ መራኽብ ተረፈ?
ኣሴር ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ፤
ኣብ ወደባቱ ኸዓ ዓረፈ።
18ዛብሎን ንነፍሱ ንሞት ዝወፈየ ህዝቢ እዩ፤
ንፍታሌምውን ኣብቲ በረኽቲ በረኻ ኸምኡ ገበረ።
19ነገስታት መፂኦም ተዋግኡ፤
ኣብ ታዕናክ፥ ኣብ ማያት መጊዶ፥
ነገስታት ከነዓን ተዋግኡ፤
ግና ምርኮ ብሩር ኣይወሰዱን።
20ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ተዋግኡ፤
ብኣካይዳኦምውን ምስ ሲሳራ ተዋግኡ።
21እቲ ኻብ ጥንቲ ዝተፈለጠ ፈለግ ቂሶን፥
ፀራሪጉ ወሰዶም፤
ኦ ነፍሰይ! ብሓይሊ ንቕድሚት ገስግሲ።
22ካብ ብርትዐ እቶም ዝጋልቡ ሓያላት ዝተልዓለ፥
ሸኰና እቶም ኣፍራስ ከዓ ደርጓዕጓዕ በለ።
23መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ‘ንሜሮዝ ርገሙ፤
ንእግዚኣብሄር ኣብ ማእኸል ሓያላት ንምርዳእ፥
ንእግዚኣብሄር ንምሕጋዝ ኣይመፁንሞ፥
ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ሰባት አዐሪኹም ርገምዎም’ በለ።
24ኢያዔል፥ ሰበይቲ ሔቤር ቄናዊ፥
ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን፤
ኣብ ውሽጢ ድንኳን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን።
25ንሱ ማይ ለመነ፥ ግና ፀባ ሃበቶ፤
ብመስተዪ ኽቡራት ገይራ፥
ርግኦ ኣቕረበትሉ።
26ኣእዳዋ ናብ ሽኻል ወሰደት፤
የማነይቲ ኢዳውን ናብ መዶሻ ሰራሕተኛ ገበረት፤
ንሲሳራ ድማ ብመዶሻ ወቕዐቶ፤
ኣብ ርእሱ ሸኸለትሉ፤
ጕንዲ እዝኑ ኣንኲላ ጐድአቶ።
27ኣብ መንጎ ኣእጋራ ተደፊኡ ወዲቑ ሞተ፤
ለጥውን በለ፤
ኣብ መንጎ ኣእጋራ ቝልዕፅ ኢሉ ወደቐ፤
ኣብቲ ዝተቘልዐፀሉ፥
ኣብኡ ወዲቑ ሞተ።
28ኣብ መስኰት ኮይና ጠመተት፤
እኖ ሲሳራ በቲ ዓይኒ ርግቢ ኾይና ዓው ኢላ ፀውዐት፤
‘ሰረገላኡ ስለ ምንታይ ምምፃእ ደንጐየ?
ስለ ምንታይከ ድምፂ መንኰራዅር ሰረገላኡ ደሓረ?’ በለት።
29እተን ብልሓተኛታት ወይዘራዝራ መለሳላ፤
ንሳውን ንርእሳ ኸምዙይ ኢላ መለሰት፤
30‘ምርኮዶ ረኺቦም ኣይኮኑን?
ተኻፊሎምከ የለዉንዶ?
ምርኮ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥
ሓሓንቲ ወይ ከክልተ ቘናጁ፥
ምርኮ ንሲሳራ ዝተፈላለየ ዝሕብሩ ኽዳውንቲ፥
ዝተፈላለየ ዝሕብሩ ጥሉፍ ክዳውንቲ፥
ንኽሳድ ዝኸውን ብኽልተ ወገኑ ዝተጠልፈ ኽዳውንቲዶ ኣይረኸቡን?’
31ኦ እግዚኣብሄር! ኵሎም ፀላእትኻ ኸምኡ ይጥፍኡ፤
እቶም ዝፈትዉኻ ግና፥ ከም ፀሓይ፥
ከምቲ ፀሓይ ብሓይላ ኽትወፅእ እንተላ ዝኸውን።”
ብድሕሪኡ እታ ሃገር ነርብዓ ዓመት ዝኣክል ዓረፈት።
Currently Selected:
መሳፍንት 5: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
መሳፍንት 5
5
መዝሙር ዲቦራ
1በታ መዓልቲ እቲኣ ዲቦራን ባርቅ ወዲ ኣቢኒኤምን እዝ መዝሙር እዙይ ዘመሩ፦
2“መራሕቲ ኣብ እስራኤል ስለ ዝመርሑ፥
እቲ ህዝቢ ድማ ባዕሉ ብፍቓዱ ነፍሱ ስለ ዝሃበ፥
ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
3ኣቱም ነገስታት ስምዑ፤
ኣቱም ሹመኛታትውን ፅን በሉ፤
ኣነ ንእግዚኣብሄር ክዝምረሉ እየ፤
ንኣምላኽ እስራኤል ንእግዚኣብሄር፥ ክቕነየሉ እየ።
4ኦ ጐይታ! ኻብ ሴይር ምስ ወፃእኻ፥
ካብ በረኻ ኤዶምያስ ድማ ምስ ከድካ፥
ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፤ ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ፤
ደመናታት ድማ ማዮም ኣንጠብጠቡ።
5እምባታት ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ መኸኹ፤
እዝ ሲና ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተነቓነቐ። #ዘፀ. 19፡18።
6ብዘመን ሰሜጋር ወዲ ዓናት፥
ብዘመን ኢያዔል መንገድታት ተቛረፁ፤
ሓለፍቲ መንገዲ ድማ ብጥውይዋይ መንገዲ ኸዱ።
7ኣቲ ዲቦራ ንስኺ ኽሳዕ እትትስኢ፥
ኣብ እስራኤል እኖ ዄንኪ ኽሳዕ እትትስኢ፥
ሓያላት ኣብ እስራኤል ወሓዱ፤ ሃለቑውን።
8ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሓረዩ፤
ሽዑ ውግእ ኣብ ኣፍ ደጌታት ኮነ፤
ኣብቶም ኣርብዓ ሽሕ እስራኤላውያን ከዓ ዋልታ ኾነ፥
ኲናት ኣይተርኣየን።
9ልበይ ምስቶም ኣብ ማእኸል ህዝቢ ፈትዮም ርእሶም ዝወፈዩ፥
ምስቶም መራሕቲ እስራኤል እዩ፤
ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
10ኣቱም ኣብ ልዕሊ ፀዓዱ ኣእዱግ እትቕመጡ፥
ኣቱም ኣብ ወለሽ ምንፃፍ እትቕመጡ፥
ኣቱም ሓለፍቲ መንገዲውን ብዛዕባኡ ተዛረቡ።
11ካብ ደሃይ ቀስተኛታት ርሒቖም፥
ኣብ መንጎ ጋብላታት ኣብኡ ግብርታት ፅድቂ እግዚኣብሄር፥
እቲ ኣብ እስራኤል እተገብረ ግብርታት ፅድቂ
ኣሕሉቕ ድማ ይንገሩ፤
ብድሕሪኡ ህዝቢ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገታት ወረዱ።
12ተስኢ! ዲቦራ ተስኢ!
ተስኢ! ተስኢ! መዝሙር ዘምሪ፤
ባርቅውን ተስእ!
ኣታ ወዲ ኣቢጊኤም፥ ምሩኻትካ ማርኽ።
13ሽዑ እቶም ዝተረፉ፥
ናብቶም ሓያላቱን ናብ ህዝቡን ወረዱ፤
እግዚኣብሄርውን ምእንታይ ኣብ ልዕሊ ሓያላት ወረደ።
14ኣብ ኣማሌቅ ሱር ዝነበሮም ካብ ኤፍሬም ወረዱ፤
ድሕሬኻ ብንያም ኣብ ማእኸል ህዝብታትካ፥
ኣሕሉቕ ከዓ ኻብ ማኪር፥
ካብ ዛብሎንውን ብበትሪ ገዛኢ ዝሓዙ ወረዱ።
15ሹመኛታት ይሳኮርውን ምስ ዲቦራ ነበሩ፤
ይሳኮርውን ከም ባርቅ ነበረ፤
ቀልጢፎም ደድሕሪኡ ናብቲ ለሰ ጐየዩ፤
ኣብ ጥቓ ሩባታት ሮቤል፥
ብዙሕ ምምንታእ ልቢ ነበረ።
16ስለ ምንታይከ ፋፃ መጓሰ ኽትሰምዕ፥
ኣብ ማእኸል ደምበታት ኣባጊዕ ኮፍ በልካ?
ኣብ ጥቓ ሩባታት ሮቤል፥
ዓብዪ ናይ ልቢ ምርምር ነበረ።
17ገለዓድ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ተቐመጠ፤
ዳንከ ስለ ምንታይ ኣብ ውሽጢ መራኽብ ተረፈ?
ኣሴር ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ፤
ኣብ ወደባቱ ኸዓ ዓረፈ።
18ዛብሎን ንነፍሱ ንሞት ዝወፈየ ህዝቢ እዩ፤
ንፍታሌምውን ኣብቲ በረኽቲ በረኻ ኸምኡ ገበረ።
19ነገስታት መፂኦም ተዋግኡ፤
ኣብ ታዕናክ፥ ኣብ ማያት መጊዶ፥
ነገስታት ከነዓን ተዋግኡ፤
ግና ምርኮ ብሩር ኣይወሰዱን።
20ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ተዋግኡ፤
ብኣካይዳኦምውን ምስ ሲሳራ ተዋግኡ።
21እቲ ኻብ ጥንቲ ዝተፈለጠ ፈለግ ቂሶን፥
ፀራሪጉ ወሰዶም፤
ኦ ነፍሰይ! ብሓይሊ ንቕድሚት ገስግሲ።
22ካብ ብርትዐ እቶም ዝጋልቡ ሓያላት ዝተልዓለ፥
ሸኰና እቶም ኣፍራስ ከዓ ደርጓዕጓዕ በለ።
23መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ‘ንሜሮዝ ርገሙ፤
ንእግዚኣብሄር ኣብ ማእኸል ሓያላት ንምርዳእ፥
ንእግዚኣብሄር ንምሕጋዝ ኣይመፁንሞ፥
ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ሰባት አዐሪኹም ርገምዎም’ በለ።
24ኢያዔል፥ ሰበይቲ ሔቤር ቄናዊ፥
ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን፤
ኣብ ውሽጢ ድንኳን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን።
25ንሱ ማይ ለመነ፥ ግና ፀባ ሃበቶ፤
ብመስተዪ ኽቡራት ገይራ፥
ርግኦ ኣቕረበትሉ።
26ኣእዳዋ ናብ ሽኻል ወሰደት፤
የማነይቲ ኢዳውን ናብ መዶሻ ሰራሕተኛ ገበረት፤
ንሲሳራ ድማ ብመዶሻ ወቕዐቶ፤
ኣብ ርእሱ ሸኸለትሉ፤
ጕንዲ እዝኑ ኣንኲላ ጐድአቶ።
27ኣብ መንጎ ኣእጋራ ተደፊኡ ወዲቑ ሞተ፤
ለጥውን በለ፤
ኣብ መንጎ ኣእጋራ ቝልዕፅ ኢሉ ወደቐ፤
ኣብቲ ዝተቘልዐፀሉ፥
ኣብኡ ወዲቑ ሞተ።
28ኣብ መስኰት ኮይና ጠመተት፤
እኖ ሲሳራ በቲ ዓይኒ ርግቢ ኾይና ዓው ኢላ ፀውዐት፤
‘ሰረገላኡ ስለ ምንታይ ምምፃእ ደንጐየ?
ስለ ምንታይከ ድምፂ መንኰራዅር ሰረገላኡ ደሓረ?’ በለት።
29እተን ብልሓተኛታት ወይዘራዝራ መለሳላ፤
ንሳውን ንርእሳ ኸምዙይ ኢላ መለሰት፤
30‘ምርኮዶ ረኺቦም ኣይኮኑን?
ተኻፊሎምከ የለዉንዶ?
ምርኮ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥
ሓሓንቲ ወይ ከክልተ ቘናጁ፥
ምርኮ ንሲሳራ ዝተፈላለየ ዝሕብሩ ኽዳውንቲ፥
ዝተፈላለየ ዝሕብሩ ጥሉፍ ክዳውንቲ፥
ንኽሳድ ዝኸውን ብኽልተ ወገኑ ዝተጠልፈ ኽዳውንቲዶ ኣይረኸቡን?’
31ኦ እግዚኣብሄር! ኵሎም ፀላእትኻ ኸምኡ ይጥፍኡ፤
እቶም ዝፈትዉኻ ግና፥ ከም ፀሓይ፥
ከምቲ ፀሓይ ብሓይላ ኽትወፅእ እንተላ ዝኸውን።”
ብድሕሪኡ እታ ሃገር ነርብዓ ዓመት ዝኣክል ዓረፈት።
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in