መሳፍንት 21
21
ንደቂ ብንያም ዝኾና ኣንስቲ
1ደቂ እስራኤል “ካባና ሓደ እኳ ጓሉ ንብንያማዊ ኣየመርዕዋ” ኢሎም ኣብ ሚፅጳ ተመሓሒሎም ነበሩ።
2እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ቤቴል መፁ። ኣብኣ ኸዓ ኽሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐመጡ፤ ድምፆም ዓው ኣቢሎም ድማ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ። 3“ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኽ እስራኤል፥ ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ክጐድልስ፥ ስለ ምንታይ እዩ ኣብ እስራኤል እዙይ ዝኾነ?” ድማ በሉ።
4ንፅባሒቱ ኸዓ ኣንጊሆም ተስኡ፤ ኣብኡ መሰውኢ ነዲቖም ድማ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕረቡ።
5ደቂ እስራኤል ድማ፦ “ናብ እግዚኣብሄር ናብ ምፅጳ ዘይድይብ ብርግፅ ይቀተል” ኢሎም ፅኑዕ ማሕላ ምሒሎም ነበሩ እሞ “ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ናብቲ ጉባኤ፥ ናብ እግዚኣብሄር ዘይደየበ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቑ።
6ደቂ እስራኤል ከዓ በቲ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ደቂ ብንያም ዝተፈፀመ ተናሲሖም “ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ጠፍአ። 7ንሕና ኻብ ኣጓላትና ኣንስቲ ኸይንህቦም ብእግዚኣብሄር ምሒልና ኢና እሞ፥ እዞም ተሪፎም ዘለዉ፥ ኣንስቲ ኽረኽቡስ፥ እንታይ ንግበረሎም?” በሉ። 8“ካብ ነገዳት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር፥ ናብ ምፅጳ ዘይደየበ መን እዩ?” ኢሎም ከዓ ጠየቑ። እንሆ ኸዓ ኻብ ኢያቢስ ገለዓድ ናብ ሰፈር፥ ናብታ ጉባኤ ሓደ እኳ ዝመፀ ኣይነበረን። 9እቲ ህዝቢ ምስ ተቘፀረ እንሆ፥ ካብቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ፥ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
10ሽዑ እቲ ጉባኤ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ካብ ጀጋኑ ሰባት ናብኣ ሰዲዶም “ኬድኩም ነቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ ምስ ኣንስትን ህፃናትን ብስሕለት ሰይፊ ቕተልዎም። 11ክትቀትሉ እንተለኹም ከዓ፥ ንዅሉ ተባዕታይን ንዅለን ምስ ተባዕታይ ዝደቀሳ ኣንስትን ቅተሉ” ኢሎም ኣዘዝዎም። 12ካብቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ፥ ምስ ተባዕታይ ደቂሰን ዘይፈልጣ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ደናግል ኣጓላት ረኸቡ። ንሳቶም ከዓ ንኣኣተን ናብ ሰፈር፥ ናብታ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ ሴሎ ኣምፅእወን።
13ኵሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ዝነበሩ ህዝቢ ናብቶም ኣብ ኰዅሒ ሪሞን ዝነበሩ ደቂ ብንያም ልኢኾም “ንተዓረቕ” ኢሎም ቃል ሰላም ነገርዎም። 14በታ ጊዜ እቲኣ ደቂ ብንያም ተመለሱ። ደቂ እስራኤል ከዓ ነተን ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ብህይወት ዝሓደግወን ኣንስቲ ሃብዎም፤ ግና ኣይኣኸላኦምን።
15እቶም ህዝቢ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ነገዳት እስራኤል ፍልልይ ስለ ዝገበረ፥ በቲ ንደቂ ብንያም ዝረኸቦም ተናስሑ። 16እቶም ዝተኣከቡ ዓበይቲ ኸዓ “ኣንስቲ ኻብ ብንያም ጠፊአን እየን እሞ፥ እዞም ተሪፎም ዘለዉ ኣንስቲ ኽረኽቡስ እንታይ ንግበር?” በሉ። 17“ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ፈፂሙ ኸይጠፍእ፥ እዞም ካብ ብንያም ተሪፎም ዘለዉ፥ ሓድጊ ኸም ዝህልዎም ይኹኑ። 18እንተ ኾነ ንሕና ደቂ እስራኤል ‘እቲ ንብንያም ሰበይቲ ዝህብ ርጉም ይኹን’ ኢልና ምሒልና ስለ ዝነበርና፥ ካብ ኣጓላትና ኣንስቲ ኽንህቦም ኣይንኽእልን ኢና” ድማ በሉ። 19“ሕዚ ኸዓ ኣብታ ንቤቴል ብሰሜና፥ ነታ ኻብ ቤቴል ንሴኬም እተድይብ መንገዲ ብምብራቓ፥ ንለቦና እውን ብደቡባ ኣብ ዘላ ሴሎ፥ በዓል እግዚኣብሄር በብዓመቱ ይግበር እዩ” በሉ።
20ንደቂ ብንያም ከዓ ኸምዙይ ኢሎም ኣዘዝዎም፦ “ኬድኩም ኣብ ኣታኽልቲ ወይንታት ተሓብኡ። 21እንሆ ኸዓ፥ እተን ኣጓላት ሴሎ እናሳዕስዓ እንትወፃ ምስ ረአኹም፥ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይንታት ወፂእኹም፥ ካብተን ኣጓላት ሴሎ ሓሓንቲ ዘርፉ፤ ናብ ምድሪ ብንያም ከዓ ኺዱ። 22ኣቦታተን ወይ ኣሕዋተን ኣባና ኽጠርዑ እንተ መፁ ድማ ‘ኣብቲ ውግእ ንነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ስለ ዘይረኸብናሉ፥ በይዛኻትኩም፥ ነዘን ኣጓላትኩም ሃቡ። ንስኻትኩም ንኣኣተን ብፍታው ኣይሃብኩምዎምን እሞ በደልቲ ኣይትኾኑን ኢኹም’ ክንብሎም ኢና።”
23ደቂ ብንያም ከዓ ኸምኡ ገበሩ። ካብተን ዝስዕስዓ ዝነበራ ዘሪፎም፥ ከምቲ ቝፅሮም ኣንስቲ ወሰዱ። ከይዶም ከዓ ናብ ርስቶም ተመለሱ። ከተማታት ሰሪሖም ድማ ኣብኣተን ተቐመጡ።
24ደቂ እስራኤል ከዓ በታ ጊዜ እቲኣ ነናብ ዓሌቶምን ነናብ ነገዶምን ነናብ ርስቶምን ተመለሱ።
25በቲ ዘመን እቱይ ኣብ እስራኤል፥ ንጉስ ኣይነበረን። ነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኾይኑ ዝተርኣዮ ይገብር ነበረ። #መሳ. 17፡6።
Currently Selected:
መሳፍንት 21: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: