መሳፍንት 17
17
ጣዖት ሚካ
1ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ሚካ ዝበሃል ሰብኣይ ነበረ። 2ንኖኡ ድማ “ሽሕን ሚእትን ቅርሺ ብሩር ምስ ተወስደኪ፥ ነቲ ዝወሰደልኪ ሰብ ኣነ ብእዝነይ እናሰማዕኹኺ ረጊምክዮ፤ እቲ ብሩር እንሆ ምሳይ ኣሎ፤ ኣነ እየ ዝወሰድክዎ” በላ። እኖኡ ኸዓ “ወደይ፥ እግዚኣብሄር ይባርኽካ” በለቶ።
3እቲ ወዳ ነቲ ሽሕን ሚእትን ቅርሺ ብሩር ንኖኡ መለሰላ። እኖኡ ኸዓ “እዝ ብሩር እዙይ ንእግዚኣብሄር ወፍየዮ ኣለኹ፤ ዝተፀርበን ዝፈሰሰን ምስሊ መግበሪ ክኸውን እዩ፤ ሕዚ ኸዓ እንሆ እመልሰልካ ኣለኹ” በለቶ።
4ንሱ ኸዓ እቲ ብሩር ንኖኡ መለሰላ፤ እኖኡ ድማ ኽልተ ሚእቲ ቕርሺ ብሩር ወሲዳ ነንጠረኛ ሃበቶ። እቲ ኣንጠረኛ ኸዓ ነቲ ብሩር ዝተፀርበ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ገበሮ። እቲ ምስሊ ድማ ኣብ ቤት ሚካ ነበረ።
5እዝ ሚካ ዝበሃል ሰብኣይ፥ ቤት ኣማልኽቲ ነበሮ፤ ኤፉድን ተራፊምን ድማ ገበረ፤ ንሓደ ኻብ ደቁ ኸዓ ኻህኑ ክኸውን ቀደሶ። 6በታ ጊዜ እቲኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ ነፍሲ ወከፍ ቅኑዕ ኾይኑ ዝተርኣዮ ይገብር ነበረ። #መሳ. 21፡25።
7ሓደ ሌዋዊ መንእሰይ ኣብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ነበረ። ንሱ ወሰንተኛ ኾይኑ ምስ ደቂ ይሁዳ ይቕመጥ ነበረ። 8እቲ ሰብኣይ ዝቕመጠሉ ቦታ ንምድላይ፥ ካብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ወፀ። ንቕድሚኡ ክኸይድ እንተሎ፥ ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ናብ ቤት ሚካ መፀ።
9ሚካ ድማ “ካበይ ዝመፃእኻ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ።
ንሱ ድማ “ኣነ ኻብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ዝመፃእኹ ሌዋዊ እየ። ዝቕመጠሉ ቦታ ንምድላይ እኸይድ ኣለኹ” በሎ።
10ሚካ ኸዓ፥ “ምሳይ ተቐመጥ እሞ ኣቦን ካህንን ኩነኒ፤ ኣነ ድማ ንዓመት ዓሰርተ ቕርሺ ብሩርን ዝግባእ ኽዳውንትን ቀለብን ክህበካ እየ” በሎ። ሽዑ እቲ ሌዋዊ ኣተወ፤ 11ምስቲ ሰብኣይ ክቕመጥ ድማ ፈተወ። እቲ መንእሰይ ከዓ ኸም ሓደ ኻብ ደቁ ኾኖ። 12ሚካ ድማ ነቲ ሌዋዊ ቐደሶ፤ ንሱ ኻህኑ ኾነ፤ ኣብ ገዛኡ ኸዓ ተቐመጠ። 13ሚካ ድማ፥ “ሌዋዊ ካህን ስለ ዘለኒ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ከም ዝገብረለይ ሕዚ ፈለጥኩ” በለ።
Currently Selected:
መሳፍንት 17: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: