መሳፍንት 14
14
ሶምሶን ከም ዝተመርዓወ
1ሶምሶን ናብ ተምና ወረደ፤ ኣብ ተምና ኸዓ ኻብ ኣጓላት ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ጓል ረአየ። 2ተመሊሱ ድማ ነቦኡን ንኖኡን “ኣብ ተምና ሓንቲ ፍልስጥኤማዊት ጓል ሪአ ኣለኹ እሞ፥ ሕዚ ንኣኣ ኣመርዕዉኒ” ኢሉ ነገሮም።
3ኣቦኡን እኖኡን ድማ “ካብቶም ዘይግሩዛት ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ ኽተእቱ እትኸይድስ፥ ኣብ ኣዝማድካን ኣብ ህዝብናንዶ ጓል ስኢንካ ኢኻ?” በልዎ።
ሶምሶን ከዓ ነቦኡ “ብዓይነይ ባህ ኢላትኒ እያሞ፥ ንኣኣ ደኣ ኣምፅኡለይ” በሎ። 4ኣቦኡን እኖኡን ግና፥ እግዚኣብሄር ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋጋእ ምኽንያት ይደሊ ነበረ እሞ፥ እዙይ ካብኡ ኸም ዝኾነ ኣይፈለጡን ነበሩ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸዓ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ይገዝእዎም ነበሩ። 5ሽዑ ሶምሶንን ኣቦኡን እኖኡን ናብ ተምና ወረዱ፤ ናብቲ ኣብ ተምና ዘሎ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ በፅሐ ድማ፥ ሽደን ኣንበሳ እናጓዘመ መፆ። 6መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብኡ ወረደ፤ ኣብ ኢዱ ዝኾነ መሳርሒ እንተይሓዘ፥ ንማሕስእ ከም ዝሰላልዕዎ ሰላልዖ። እቲ ዝገበሮ ግና ነቦኡ ኾነ ንኖኡ ኣይነገሮምን። 7ወሪዱ ድማ ነታ ጓል ተዛረባ፤ የመናውን ባህ በለቶ።
8ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ኸዓ ኽምርዓዋ ተመለሰ፤ ነቲ ገምቢ ኣንበሳ ኽርኢውን ኣግለሰ። እንሆ ድማ ኣብቲ ገምቢ ኣንበሳ፥ ዕስለ ንህብን መዓርን ነበረ። 9በእዳዉ ወሲዱ ኸዓ ፈቐዶ መንገዲ እናበልዐ ኸደ፤ መፂኡ ድማ ነቦኡን ንኖኡን መዓር ሃቦም፤ ንሳቶምውን በልዑ። ነቲ መዓር ካብ ገምቢ ኣንበሳ ኸም ዝወሰዶ ግና ኣይነገሮምን።
10ኣቦኡ ድማ ነታ ጓል ክሪኣ ወረደ፤ እቶም መናእሰይ ከምኡ ይገብሩ ነበሩሞ፥ ሶምሶን ኣብኡ ድግስ ደገሰ። 11ምስ ረአይዎ ድማ፥ ምስኡ ዝኾኑ ሰላሳ ኣዕርኽቲ ኣምፅኡሉ።
12ሶምሶን ከዓ ንኣኣቶም “ኣነ ሕንቅሕንቅሊተይ ክነግረኩም እየ እሞ፥ ንእኡ በዘን ሸውዓተ መዓልቲ ናይዝ ድግስ ትርጕሙ ገሊፅኩም እንተ ነጊርኩምኒ፥ ሰላሳ ሃሪ ቐሚሽን ሰላሳ ቕያር ክዳንን ክህበኩም እየ። 13ክትነግሩኒ እንተ ዘይክኢልኩም ግና፥ ንስኻትኩም ንኣይ ሰላሳ ሃሪ ቐሚሽን ሰላሳ ቕያር ክዳንን ክትህቡኒ ኢኹም” በሎም።
ንሳቶም ከዓ “ክንሰምዖስ ነቲ ሕንቅሕንቅሊተይካ ንገረና” በልዎ።
14ሽዑ ንሱ
“ካብቲ በላዒ መብልዕ፥
ካብቲ ሓያል ድማ ጥዑም ወፀ” በሎም።
ንሳቶም ከዓ ነቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ብሰለስተ መዓልቲ ኽነግርዎ ኣይከኣሉን።
15ብራብዐይቲ #14፡15 ብራብዐይቲ፦ ገሊኡ ብራናታት “ብሻውዐይቲ” ይብል። መዓልቲ ኸዓ ንሰበይቲ ሶምሶን “ንሰብኣይኪ ትርጉም እቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ክነግረና ሓባብልዮ፤ እንተ ዘይኮነ ንኣኽን ንስድራ ኣቦኽን ብሓዊ ኽነቃፅለኩም ኢና፤ ክትገፉና ዲኹም ዝፀዋዕኹምና?” በልዋ።
16ሽዑ ሰበይቲ ሶምሶን “ትፀልአኒ ኢኻ፤ ንህዝበይ ዝነገርካዮም ሕንቅሕንቅሊተይ፥ ንኣይ ትርጕሙ ኣይገለፅካለይን ኢኻ እሞ፥ ኣይትፈትወንን ኢኻ” እናበለት ኣብ ቅድሚኡ ትበኪ ነበረት።
ንሱ ድማ ንኣኣ “እንሆ፥ ነቦይን ንኖይን እኳ ዘይገለፅኩሎምስ፥ ንኣኺዶ ኽገልፀልኪ እየ?” በላ። 17ንሳ ኸዓ በተን ሸውዓተ መዓልቲ ድግሶም ኣብ ቅድሚኡ ኾይና በኸየት። ንሳ ስለ ዘጨነቐቶ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ትርጕሙ ገለፀላ፤ ንሳ ድማ ትርጉም እቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ንደቂ ዓዳ ገለፀትሎም።
18እቶም ደቂ እታ ኸተማ ኸዓ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ፀሓይ እንተይዓረበት፥
“ካብ መዓር ዝጥዕምስ እንታይ ኣሎ?
ካብ ኣንበሳ ዝሕይልከ መን ኣሎ?” ኢሎም መለሱሉ።
ሶምሶን ድማ፦
“ብኣርሐይ እንተ ዘይትሓርሱስ፥
ነዝ ሕንቅሕንቅሊተይ ኣይምፈለጥኩምዎን ኔርኩም” በሎም።
19መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ናብ ሶምሶን መፀ፤ ናብ ኣስቀሎና ወሪዱ ድማ፥ ካብኣቶም ሰላሳ ሰባት ቀተለ፤ ንኣኣቶም ገፊፉ ድማ፥ ነቶም ትርጉም ሕንቅሕንቅሊተይ ዝገለፁሉ እቲ ቕያር ክዳውንቲ ሃቦም። በዙይ ኰርዩ ናብ እንዳ ኣቦኡ ኸደ። 20እታ ሰበይቲ ሶምሶን ከዓ ነቲ ኻብቶም ዝተሓባበሩ ኣዕርኽቱ ንሓዲኦም ኮነት።
Currently Selected:
መሳፍንት 14: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: