ኢሳይያስ 66
66
እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ከም ዝፈርዶም
1 #
ማቴ. 5፡34-35፥ 23፡22። እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰማይ ዙፋነይ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ መርገፂ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ፥ ከመይ ዝበለ እዩ? እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኸ፥ ከመይ ዝበለ እዩ? 2#ግ.ሓ. 7፡49-50። ነዝ ዅሉ ኢደይ እያ ዝገበረቶ፤ እዝ ዅሉ ኸዓ ብኣይ ኮይኑ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ግና ናብ ትሑትን፥ ዝተሰበረ መንፈስ ናብ ዘለዎን፥ ብቓለይውን ናብ ዝንቅጥቀጥ ሰብ እየ ዝምልከት።
3“ግና እቲ ብዕራይ ዝስውአለይ፥ ሰብ ከም ዝቐተለ እዩ፤ ጡቦት በጊዕ ዝስውአለይ፥ ክሳድ ከልቢ ኸም ዝሰብር እዩ፤ እቲ ቍርባን እኽሊ ዘቕርበለይ፥ ደም ሓሰማ ኸም ዘቕርበለይ እዩ፤ እቲ ዕጣን ዝዓጥነለይ፥ ንጣዖት ከም ዘመስግን እዩ። እዚኣቶም መንገዲ ርእሶም ሓረዩ፤ ነፍሶም ድማ ብርኽሰቶም ደስ ይብላ። 4ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ገበሩ፤ ደስ ዘየብለኒውን ሓረዩ እምበር፥ ፀዊዐ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፤ ተዛሪበ ኸዓ ኣይሰምዑንን እሞ፥ ኣነ ኸዓ ዝጐድኦም ክሓሪ፥ ዝፈርሕዎ ድማ ኸውርደሎም እየ።”
5ኣቱም ብቓሉ እትንቅጥቀጡ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፦ “እቶም ዝፀልኡኹምን ብዛዕባ ስመይ ዘሳጕጉኹምን ኣሕዋትኩም፥ ‘ንስኻትኩም እንትትሕጐሱ ኽንርእስ እስኪ እግዚኣብሄር ይኽበር’ ይብሉ። ግና ንሳቶም ክሓፍሩ እዮም። 6እቲ ኣብ ከተማ ዝስማዕ ዘሎ ብርቱዕ ድምፂ፥ እቲ ኻብ ቤተ መቕደስ ዝስማዕ ዘሎ ድምፂ፥ ድምፂ እቲ ንፀላእቱ ፍዳ ዝፈዲ እግዚኣብሄር እዩ።
7 #
ራእይ 12፡5። “ቅልውላው እንተይሓዛ ወለደት፤ እንተይተፅዓረት ከዓ ወዲ ወለደት። 8ከምዙይ ዘመሰለ መን ሰምዐ? ኸምዙይ ዝበለኸ መን ረአየ? ሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ትውለድ እያ? ህዝቢኸ ብሓንቲ ጊዜዶ ይውለድ እዩ? ፅዮን ግና ቕልውላው ምስ ሓዛ ሽዑ ንሽዑ እንተይተፅዓረት ደቃ ወሊዳ እያሞ። 9ኣነ ኣብ ጊዜ ምውላድ ዘብፃሕኹስ፥ ከም እትወልድዶ ሓይሊ ኽህብ ኣይክእልን እየ? ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንምውላድ ሓይሊ ዝህብከ፥ ንማህፀንዶ እዓፁ እየ?” ይብል ኣምላኽኪ።
10ኣቱም ንኢየሩሳሌም እትፈትውዋ ዅልኻትኩም፥
ምስኣ ተሓጐሱ፤
ብኣኣ ኸዓ ደስ ይበልኩም፤
ኣቱም ዝበኸኹምላ ዅልኻትኩም፥
ምስኣ የመና ተሓጐሱ፤
11ዘፀናንዑ ኣጥባታ ኽትጠብዉ፥
ክትፀግቡውን ኢኹም፤
ክንዲ ዝደለኹም ሰቲኹም ድማ፥
ደስ ክብለኩም እዩ።
12እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ንሰላም፥ ከም ፈሳሲ ሩባ፥ ንናይ መንግስታት ሃብቲ ኸዓ፥ ከም ብርቱዕ ውሕጅ ከፍስሰላ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ኽትጠብዉ፥ ኣብ ማእገሮም ክስከሙኹም፥ ኣብ ኣብራኾም ከሰራስሩኹም እዮም። 13ከምቲ እኖ ንውሉዳ እተፀናንዖ፥ ከምኡ ኸፀናንዐኩም እየ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ፥ ክትፀናንዑ ኢኹም። 14ልብኹም ከዓ እዙይ ሪኡ ኽሕጐስ እዩ፤ ኣዕፅምትኹም ከዓ፥ ከም ለምለም ሳዕሪ ኽበቍል እዩ። ኢድ እግዚኣብሄር ንዝፈርሕዎ ትፍለጥ እያ፤ ቍጥዓኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ እዩ።”
15ቍጥዓኡ ብመዓት፥ መግናሕቱ ኸዓ ብሃልሃልታ ሓዊ ኽፈዲ፥ እንሆ እግዚኣብሄር ብሓዊ ኽመፅእ እዩ፤ ሰረገላታቱውን ከም ንፋስ ኣውሎ ክኾና እየን። 16እግዚኣብሄር ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ብሓዊን ብሰይፍን ክፈርድ እዩሞ፥ እቶም ብእግዚኣብሄር ተወጊኦም ዝሞቱ ኸዓ፥ ብዙሓት እዮም። 17“ናብ ማእኸል ዘሎ ኣታኽልቲ ብምኻድ፥ ንርእሶም ዝቕድሱን ዘንፅሁን፥ ስጋ ሓሰማን ኣናፁን፥ ዝረኸሱ ነገራት ዝበልዑን፥ ኵሎም ብሓደ ኽጠፍኡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር። 18“ኣነ ግብሮምን ሓሳባቶምን እፈልጥ እየሞ፥ ኵሎም ኣህዛብን ቋንቋታትን ዝእክበሉ ዘመን ይመፅእ ኣሎ፤ ንሳቶም ድማ ኽመፁን ክብረይ ክሪኡን እዮም። 19ኣብኣቶም ከዓ ምልክት ክገብር እየ፤ ነቶም ካብኣቶም ዝደሓኑ ድማ ዝናይ ናብ ዘይሰምዑ ኽብረይውን ናብ ዘይረአዩ፥ ናብ ኣህዛብ፥ ናብ ሰብ ተርሴስ፥ ናብ ፉጥ፥ ናብ ሉድ፥ ናብ ሞሳሕ፥ ናብ ቱቤል ናብ ርሑቓት ደሴታትን ክልእኾም እየ። ንሳቶም ድማ፥ ክብረይ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ክነግሩ እዮም። 20ከምቲ ደቂ እስራኤል ንመባኦም፥ ብፅሩይ ኣቕሓ ገይሮም፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ፥ ከምኡ ኸዓ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፥ ከም መባእ እግዚኣብሄር ገይሮም፥ በፍራስን ብሰረገላታትን ብጋሪን በባቕልን ብፈጣናት ኣግማልን ገይሮም፥ ካብ ኵሎም መንግስታት፥ ናብቲ ቅዱስ እምባይ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅእዎም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር። 21“ካህናትን ሌዋውያንን ዝኾኑ ኸዓ፥ ካብኣቶም ክወስድ እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
22 #
ኢሳ. 65፡17፥ 2 ጴጥ. 3፡13፥ ራእይ 21፡1። “ኣነ ዝገብሮም ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ንሓዋሩ ፀኒዖም ከም ዝነብሩ፥ ከምኡ ዘርእኹምን ስምኩምን ኣብ ቅድመይ ፀኒዖም ክነብሩ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር። 23“ካብ ሰርቂ ወርሒ፥ ክሳዕ ሰርቂ ወርሒ፥ ካብ ሰንበት ክሳዕ ሰንበት፥ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ሰብ፥ ኣብ ቅድመይ ክሰግድ ክመፅእ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር። 24#ማር. 9፡48። “ወፂኦም ድማ፥ ንሬሳታት ናይቶም ካባይ ዝኸድዑ ሰባት፥ ክርእይዎ እዮም፤ እቲ ሓሰኻኦም ኣይመውትን፤ እቲ ሓዎም ድማ ኣይጠፍእን እዩሞ፥ ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ዘፀይፉ ክኾኑ እዮም።”
Currently Selected:
ኢሳይያስ 66: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: