ኢሳይያስ 60
60
መፃኢ ኽብሪ ኢየሩሳሌም
1ብርሃንኪ መፂኡ እዩሞ፥
ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ወፂኡልኪ እዩ እሞ፥
ተስኢ ኣብርሂ።
2እንሆ፥ ፀልማት ንምድሪ፥
ጣቓ ድማ ንኣህዛብ ከጐልብቦም እዩ፤
ንኣኺ ግና እግዚኣብሄር ክወፅእ፥
ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኽረአ እዩ።
3ህዝብታት ናብ ብርሃንኪ፥
ነገስታት ከዓ፥
ናብ ፀዳል ምብራቕኪ ኽመፁ እዮም።
4ኣዒንትኺ ኣልዒልኪ ናብ ዙርያኺ ጠምቲ፤
ኵሎም ተኣኪቦም፥ ናባኺ ይመፁ ኣለዉ፤
ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕ፥ ክመፁ እዮም፤
ንኣዋልድኪውን ኣብ ማእገሮም ተሰኪሞምወን፥
ናባኺ ኽመፁ እዮም።
5ሽዑ ምልኣት ሃብቲ ባሕሪ ናባኺ ኽምለስ፥
ሃብቲ ኣህዛብ ከዓ፥ ናባኺ ኽመፅእ እዩሞ፥
ርኢኺ ደስ ክብለኪ እዩ፤
ልብኺውን ክድነቕን ክሰፍሕን እዩ።
6ብዙሓት ኣግማል፥ ኣግማል ምድያምን ጌፌርን፥
ክሽፍኑኺ እዮም፤
ንምድርኺ ኽመልእዋ እዮም፤
እወ፥ ኵላቶም ወርቅን ዕጣንን ፅዒኖም፥
ካብ ሳባ ኽመፁ፥
ምስጋና እግዚኣብሄር ድማ፥ ክነግሩ እዮም።
7ኵላቶም መጓሰታት ቄዳር ናባኺ ኽእከቡ፥
ማጓሉ ነባዮትውን ከገልግሉኺ፥
ናባኺ ኽመፁ እዮም።
ንኣይ ዘሐጕስ መስዋእቲ ኾይኖም ከዓ፥
ኣብቲ መሰውኢየይ ክወፁ እዮም፤
ኣነውን ንቤት ክብረይ፥ ከኽብር እየ።
8ርግቢታት ናብ ሰፈረን ከም ዝበራ፥
እዞም ከም ደመና ዝበሩ እዚኣቶም እንመን እዮም?
9ንሱ ኣኽቢሩኪ እዩሞ፥
ስለ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኪን፥
ስለ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን፥
ንደቅኺ ኻብ ርሑቕ ምስ ብሩሮምን ወርቆምን፥
ምእንቲ ኸምፅኣስ፥
ደሴታትን መራኽብ ተርሴስን፥
ኣቐዲመን ይፅበያ ኣለዋ።
10“ብቝጥዓይ ወቒዐኪ ነይረ፤
ሕዚ ግና ብርህራሀይ ምሒረኪ እየ እሞ፥
ደቂ መፃእተኛታት ንቕፅርኺ ኽነድቅዎ፥
ነገስታቶም ከዓ ኸገልግሉኺ እዮም።
11 #
ራእይ 21፡25-26። ሰባት ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኸምፅኡልኪ፥
ነገስታቶም ድማ ተዓጂቦም ክኣትዉኽስ፥
ደገታትኪ ዅልሻዕ ኽፉት ክኸውን እምበር፥
ለይትን መዓልትን ኣይዕፆን እዩ።
12እቶም ዘይግዝኡኺ ህዝብታትን መንግስታትን ግና ኽጠፍኡ፥
እዞም ኣህዛብ እዚኣቶምውን ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም።”
13“ነታ ስፍራ ቤተ መቕደሰይ ምእንቲ ኽሽልምዋ፥
ካብቲ ኽብሪ ሊባኖስ ዝኾነ ዱር፥
ፅሕድን ዝግባን ኦም ሊባኖስን፥
ናባኺ ኽመፅእ እዩ፤
ኣነውን ነቲ መርገፂ እግረይ ዝኾነ ቦታ፥
ከኽብሮ እየ።
14 #
ራእይ 3፡9። ደቂ እቶም ዝገፍዑኺ፥
ክሳዶም እናድነኑ ናባኺ ኽመፁ፥
እቶም ዝነዓቑኺ ዅሎም ድማ፥
ኣብ ትሕቲ ኣእጋርኪ፥
ፍግም ኢሎም፥ ክሰግዱልኪ እዮም እሞ፥
‘ፅዮን፥ ከተማ እግዚኣብሄር፥
ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ’
ኢሎም ክፅውዑኺ እዮም።”
15“ሓደ እኳ ብኣኺ ዘይሓልፍ ሕድግትን ፅልእትን ነበርኪ፤
ኣነ ግና ዘለኣለማዊ መመክሒት፥
ናይ ትውልድታት ከዓ ደስታ ኽገብረኪ እየ።
16ፀባ ኣህዛብ ክትሰትዪ፥
ኣጥባት ነገስታት ከዓ ኽትጠብዊ ኢኺ፤
ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኺ፥
እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል፥
ተቤዛዊኺ ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ።”
17“ክንዲ ነሃስ ወርቂ፥ ክንዲ ሓፂን ብሩር፥
ክንዲ ዕንፀይቲ ነሃስ፥
ክንዲ እምኒውን ሓፂን ከምፅአልኪ እየ፤
መራሕትኺ ‘ሰላም’፥
ገዛእትኺ ድማ ‘ፅድቂ’ ኽገብር እየ፤
18ድሕሪዙይ ዓመፅ ኣብ ምድርኺ፥
ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ ወሰንኪ፥
ኣይስማዕን እዩ፤
ግና ንቕፅርታትኪ ‘ድሕነት’
ንደገታትኪ ኸዓ፥
‘ምስጋና’ ኢልኪ ኽትፅውዕየን ኢኺ።”
19 #
ራእይ 21፡23፥ 22፡5። “ኣነ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ ክኾነልኪ፥
ኣምላኽኪ ድማ ኽብርኺ ክኸውን እዩሞ፥
ድሕሪዙይ ፀሓይ ብመዓልቲ፥ ብርሃንኪ ኣይትኸውንን፤
ወርሒ ኸዓ ብምድማቓ ኣይተብርሀልክን እያ።
20መዓልቲታት ሓዘንኪ ኽውድኣ እየን፤
ኣነ እግዚኣብሄርውን ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ፥
ክኸውን እየ እሞ፥
ድሕሪ ሕዚ ፀሓይኪ ኣይዓርብን፤
ወርሕኺውን ኣይጐድልን።
21ኵሎም ህዝብኺ ፃድቃን ክኾኑ፥
ነታ ምድሪ ኸዓ ንዘለኣለም ክወርስዋ እዮም፤
ንሳቶም ንኽብረይ ዝኸውን ጨንፈር ተኽለይ፥
ግብሪ ኣእዳወይ እዮም።
22እቲ ንእሽተይ ንሽሕ፥
እቲ የመና ውሑድ ከዓ፥
ንብርቱዕ ህዝቢ ክኸውን እዩ።
ኣነ እግዚኣብሄር ነዙይ ብጊዜኡ፥
ቀልጢፈ ኽገብሮ እየ።”
Currently Selected:
ኢሳይያስ 60: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in