ኢሳይያስ 59
59
ነቢይ ሓጢኣት ህዝቢ ኸም ዝወገዘ
1እንሆ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓፃር ኣይኮነትን፤ ከይሰምዕ ኸዓ እዝኑ ኣይፀመመትን እያ። 2ግና በደልኩም ኣብ መንጎኹምን፥ ኣብ መንጎ ኣምላኽኩምን ፈልያ ኣላ፤ ከይሰምዐኩምውን ሓጢኣትኩም ንገፁ ኻባኻትኩም ሰወሮ። 3ኣእዳውኩም ብደም፥ ኣፃብዕትኹም ብበደል ረኺሰን ኣለዋ፤ ከናፍርኩም ሓሰት ይዛረባ፥ ልሳንኩምውን ክፍኣት ይናገር ኣሎሞ።
4ብፅድቂ ዝጠርዕ ሓደ እኳ የለን፤ ብሓቂ ዝፈርድ ሓደ እኳ የለን፤ ኣብ ከንቱነት ይእመኑ፤ ሓሰት ከዓ ይዛረቡ፤ ክፍኣት ይጠንሱ፤ ሓጢኣትውን ይወልዱ። 5እንቍላሊሕ ገበል ይሓቝፉ፤ ዓለባ ሳሬት ከዓ ይኣልሙ፤ እቲ ኻብ እንቍላሊሖም ዝበልዕ ይመውት፤ እንተ ተሰበረውን መንደላይ ተመን ይወፅእ። 6ፈትሎም ክዳን ኣይኸውንን፤ ብግብሮም ኣይሽፈኑን። ግብሮም ግብሪ ኽፍኣት እዩ፤ ኣብ ኣእዳዎም ድማ ግብሪ ዓመፃ ኣሎ። 7ኣእጋሮም ናብ ክፍኣት ይጐያ፤ ንፁህ ደም ንምፍሳስ ይቕልጥፋ፤ ሓሳቦም ሓሳብ ክፍኣት እዩ፤ ጥፍኣትን ዕንወትን ድማ ኣብ መንገድታቶም ኣሎ። 8#ሮሜ 3፡15-17። ንመንገዲ ሰላም ኣይፈልጥዋን፤ ኣብ ኣካይዳኦም ፍርዲ የለን፤ ንመንገድታቶም ይጠዋውይዋ፤ እቲ ብኣኣ ዝኸይድ፥ ሰላም ኣይፈልጥን።
ህዝቢ ኸም ዝተነስሁ
9ስለዙይ ፍትሒ ኻባና ረሓቐ፤ ፅድቂውን ኣይረኸብናን። ብርሃን ብተስፋ ንፅበ፤ እንሆ ኸዓ ፀልማት ኮነ፤ ድሙቕ ብርሃን ንፅበ፤ ግና ብፀልማት ኢና እንመላለስ ዘለና። 10ከም ዕዉራት ንመንደቕ ሃሰስ ንብሎ ኣለና፤ ከምቶም ዓይኒ ዘይብሎም ሃሰስ እናበልና ንኸይድ ኣለና፤ ቀትሪ እንተሎስ፥ ከም ብጊዜ ፅልግልግ፥ ደርገፍገፍ ንብል ኣለና። ምስ ምሉእ ሓይልና ኸም ምዉታት፥ ኣብ ፀልማት ስፍራ ኢና። 11ኵላትና ኸም ድብታት ነእዊ፤ ከም ርግቢታትውን ንቝዝም ኣለና። ፍርዲ ብተስፋ ንፅበ ኔርና፤ ግና ንሱውን የለን፤ ድሕነት ተፀበና፤ ግና ንሱውን ኻባና ረሓቐ።
12“በደልና ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕ እዩሞ፥ ሓጢኣትና ድማ ይምስክረልና ኣሎ። በደልና ምሳና እዩ ዘሎሞ፥ ሓጢኣትና ንፈልጦ ኢና። 13ካብ እግዚኣብሄር ከዳዕና፤ ከሓድናዮውን፤ ንኣምላኽና ኸይንስዕቦ ድማ ንድሕሪት በልና፤ ግፍዕን ዓመፅን ተዛረብና፤ ዘረባ ሓሰት ጠኒስና፥ ካብ ልብና ኣውፃእናዮ። 14ስለዙይ ፍትሒ ንድሕሪት ተመለሰ፤ ፅድቂ ኸዓ ኣብ ርሑቕ ቆመ፤ ሓቂ ኣብ ኣደባባይ ወዲቑ እዩሞ፥ ቅንዕናውን ክኣቱ ኣይከኣለን። 15ሓቂ ተስኣነ፤ እቲ ኻብ ክፍኣት ዝረሓቐ ሰብ ድማ ርእሱ ንዘመተ የቃልዕ። እግዚኣብሄር ነዙይ ረአየ፤ ቅንዕና ስለ ዘየለ ኸዓ ሓዘነ።”
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ቤዛ ክኾኖም ድልዊ እዩ
16 #
ኢሳ. 63፡5። ሓደ ሰብ እኳ ኸም ዘየለ ረአየ፤ ሓደ እኳ ዝማልድ ስለ ዝተስኣነ ተገረመ። ስለዙይ ቅልፅሙ ድሕነት ኣምፅአሉ፤ ናይ ባዕሉ ፅድቂ ድማ ሓገዞ። 17#ኤፌ. 6፡14፥17፥ 1 ተሰ. 5፡8። ንፅድቂ ኸም ድርዒ ገይሩ ተኸደኖ፥ ንምድሓን ድማ ኸም ቍራዕ ርእሲ፥ ኣብ ርእሱ ደፍኦ። ክዳን ምፍዳይ ሕነ ተወንዘፈ፥ ንቕንዕና ድማ ኸም ባርኖስ ገይሩ ደረቦ። 18ከከም ግብሮም ክፈድዮም እዩ፤ ቍጥዓ፥ ንተፃረርቱ፥ ፍዳ፥ ንፀላእቱ ኽፈድዮም እዩ፤ ንደሴታትውን ፍዳ ኽፈድዮም እዩ። 19ኣብ ምዕራብ ዘለዉ ንስም እግዚኣብሄር፥ ኣብ ምብራቕ ዘለዉ ድማ ንኽብሩ ኽፈርሑ እዮም። ፀላኢ ኸም ውሕጅ እኳ እንተ መፀ፥ ንፋስ እግዚኣብሄር ክሰጎ እዩ። #59፡19 ንፋስ እግዚኣብሄር፦ ወይ “እስትንፋስ እግዚኣብሄር”
20 #
ሮሜ 11፡26። ንፅዮንን፥ ነቶም ካብ ሓጢኣቶም ዝንስሑ ቤት ያእቆብን፥ ዘድሕን ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 21ኣነስ ምስኣቶም ዘለኒ ኺዳን እዙይ እዩ ይብል እግዚኣብሄር፦ “እቲ ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይ፥ እቲ ኣብ ኣፍካ ዘንበርኩዎ ቓለይ፥ ካብ ኣፍካ ወይ ካብ ኣፍ ደቅኻ ወይ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅኻ፥ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣይፍለን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
Currently Selected:
ኢሳይያስ 59: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in