ኢሳይያስ 58
58
ሓቀኛ ፆም
1“ብሓይሊ ዓው በል፤ ኣይትቘጥብ፤ ድምፅኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፤ ንህዝበይ በደሎም፥ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም። 2በብመዓልቲ ግና ንኣይ ይደልዩ፤ መንገድታተይ ክፈልጡ ድማ ይፈትዉ፤ ከምቲ ፅድቂ ዝገብርን፥ ሕግጋት ኣምላኹ ዘይሓደገን ህዝቢ፥ ቅኑዕ ፍርዲ ይልምኑኒ፤ ናብ እግዚኣብሄር ክቐርቡውን ይደልዩ።”
3“ንምንታይ ፆምና? ንስኻውን ኣይተመልከትካናን፤ ስለ ምንታይከ ነፍስና ኣሕሰርና? ንስኻውን ኣይፈለጥካናን” ይብሉ። “እንሆ፥ ብመዓልቲ ፆምኩምስ ድልየትኩም ኢኹም እትገብሩ፤ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም ኣለኹም። 4እንሆ ንፅልእን ንኽርክርን ትፆሙ ኣለኹም፤ ብሕሱም ጕስጢትውን፥ ትዋቕዑ ኣለኹም። ድምፅኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዝስማዕ ጌርኩም፥ ሎሚ ኣይትፆሙን ዘለኹም። 5እቲ ኣነ ዝመረፅክዎ ፆም እዙይ ድዩ? ሰብከ ንነፍሱ ዘሕስረሉ ብኸምዙይ ዝበለ መዓልቲ ድዩ? ኸም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን፥ ወጮ ተኸዲንካ ሓመድ መንፀፍካ ምግባርን ድዩ? ብሓቂ ነዙይ ዲኻ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፈተወ መዓልቲ ፆም እትብሎ ዘለኻ?
6“እምበኣር ኣነ ዝመረፅክዎ ፆም እዙይዶ ኣይኮነን፦ ናይ ግፍዒ ሰንሰለት ክትፈትሑ፥ ንማእሰርቲ ኣርዑት ክትፈትሑ፥ ንጭቁናት ሓራ ኽተውፅኡ፥ ንዅሉ ኣርዑት ክትሰብሩዶ ኣይኮነን? 7#ማቴ. 25፡34። እንጀራኻ ንጥሙይ ክተካፍል፥ ነቶም ዝተሰደዱ ድኻታት ኣብ ቤትካ ኽተእቱ፥ ዕሩቕ እንተ ርኢኻ ኽትከድን፥ ካብ ዘመድ ስጋኻውን ከይትሕባእዶ ኣይኮነን?
8“ሽዑ ብርሃንካ ኸም ጩራ ወጋሕታ ኽበርህ፥ ፈውስኻውን ቀልጢፉ ኽበቍል፥ ፅድቅኻ ቀቅድሜኻ ክኸይድ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ብድሕሬኻ ኾይኑ ኽሕልወካ እዩ። 9ሽዑ ኽትፅውዕ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽምልሰልካ እዩ፤ ክተእዊ ኢኻ፤ ንሱ ድማ ‘እኒሀኹ’ ኽብለካ እዩ። 10ነርዑት ባርነትን፥ ንናይ ንዕቐት ምውጥዋጥ ኣፃብዕትን፥ ንሕማቕ ዘረባን፥ ካብ ማእኸልካ እንተ ኣርሒቕካ፥ ካብ ናይ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካ፥ ንጭንቕቲ ነፍሲ እንተፅገብካ፥ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ፀልማት ክበርህ፥ ፀልማትካውን ከም ቀትሪ ክኸውን እዩ። 11እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ኽመርሐካ፥ ብሰናይ ነገራት ንነፍስኻ ኸፅግብ፥ ነዕፅምትኻ ድማ ኸበርትዖ እዩ፤ ንስኻ ኸዓ፥ ማይ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን፥ ከምቲ ማዩ ዘይነፅፍ ዓይኒ ማይን፥ ክትከውን ኢኻ። 12ደቅኻ፥ ነቲ ቐደም ዝዓነወ ኽነድቑ እዮም፤ መሰረት ናይ ብዙሓት ትውልድታት ክተቕውም ኢኻ። ንስኻ ኸዓ ነዳቒ ፍሩስን፥ ናይ መንበሪ መንገዲ መዐረዪን፥ ተብሂልካ ኽትፅዋዕ ኢኻ።”
ሰንበት ብምኽባር ዝርከብ በረኸት
13“ብሰንበት፥ በታ ቕድስቲ መዓልተይ ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብር፥ እግርኻ እንተ ዓቀብካ፥ ንሰንበት ከዓ ‘ደስታ’ ነታ እግዚኣብሄር ዝቐደሳ መዓልቲ ‘ክብርቲ’ ኢልካ እንተ ፀዊዕኻያ፥ እንተ ኣኽቢርካያ፥ ናይ ባዕልኻ መንገዲ ድማ እንተ ዘይኬድካ፥ ድልየትካውን እንተ ዘይጌርካ፥ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛሪብካ፥ 14ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ክብለካ እዩ፤ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደዪበካ እየ፤ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዐካ እየ።”
Currently Selected:
ኢሳይያስ 58: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: