ኢሳይያስ 53
53
1 #
ሮሜ 10፡16፥ ዮሓ. 12፡38። “ንምስክርነትና መን ኣመኖ?
ቅልፅም እግዚኣብሄርከ ንመን ተግሃደ?
2ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን፥
ከምቲ ኻብ ንቑፅ ምድሪ ዝወፅእ ሱርን ጨብጨበ፤
መልክዕን ፅባቐን የብሉን፤
ምስ ረአናዮ ንኽንፈትዎ፥
ዘብህገና ትርኢት የብሉን።
3ብሰብ ዝተንዓቐን ዝተፀልአን እዩ፤
በዓል ስቓይ፥ ብሕማም ዝተጠቕዐ እዩ፤
ከምቲ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ፥
ገፆም ዝምልሱሉ ሰብ፥ ዝተዋረደ እዩ፤
ንሕናውን ኣየኽበርናዮን።”
4 #
ማቴ. 8፡17። “ብሓቂ ንሱ ደዌና ተቐበለ፤
ሕማምናውን ተሸከመ፤
ንሕና ግና ብእግዚኣብሄር ከም ዝተወቕዐን፥
ከም ዝተቐስፈን ከም ዝተሳቐየን ቈፀርናዮ።
5 #
1 ጴጥ. 2፡24። ንሱ ግና ብሰንኪ ሓጢኣትና ቘሰለ፤
ብሰንኪ በደልናውን ደቐቐ፤
ምእንቲ ድሕንነትና፥ መቕፃዕቲ ናብኡ ወረደ፤
ንሕናውን ብቝስሉ ተፈወስና።
6 #
1 ጴጥ. 2፡25። ኵላትና ኸም ዝተበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና፤
ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፤
እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥
ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”
7 #
ራእይ 5፡6። “ተጨነቐ፤ ተሳቐየ፤ ግና ኣፉ ኣይከፈተን፤
ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝዅብኰብ ጡበት፥
ከምቲ ኣብ ቅድሚ መቃሲኡ ስቕ ዝብል በጊዕ፥
ኣፉ ኣይከፈተን።
8 #
ግ.ሓ. 8፡32-33። ብምጭናቕን ብፍርድን ተወሰደ፤
ምእንቲ ሓጢኣት ህዝበይ ተወቒዑ፥
ካብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝተወገደ፥
ካብ ትውልዱ መን ኣስተውዓለ?
9 #
1 ጴጥ. 2፡22። ገበን ዘይፈፀመ፥
ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበስ፥
ኣማውታኡ ምስ ክፉኣት፥
መቓብሩ ኸዓ ምስ ሃብታማት ኮነ።”
10“እግዚኣብሄር ግና ብስቓይ ከድቅቖ ፈቐደ፤
ነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈየ፥
ዘርኡ ኽርኢ ዕድሚኡውን ክነውሕ እዩ፤
ፍቓድ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኢዱ ኽፍፀም እዩ።
11ድሕሪ ድኻም ነፍሱ፥ ብርሃን ክርኢ፥
ደስውን ክብሎ እዩ፤
እቲ ፃድቕ ባርያይ፥
ብፍልጠቱ ንብዙሓት ከፅድቕ፥
ሓጢኣቶም ድማ፥ ባዕሉ ኽፀውር እዩ።
12 #
ማር. 15፡28፥ ሉቃ. 22፡37። ስለዙይ ንሱ ንብዙሓት ክወርስ እዩ፤
ምርኮውን ምስ ሓያላት ክካፈል እዩ፤
ነፍሱ ንሞት ኣሕሊፉ ሂቡ፥
ምስ በደለኛታትውን ተቘፂሩ እዩሞ፤
ንሱ ሓጢኣት ብዙሓት ፆረ፤
ምእንቲ በደለኛታትውን ማለደ።”
Currently Selected:
ኢሳይያስ 53: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in