YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 5

5
መዝሙር ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኒ
1ሕዚ ስለ ፈታዊየይን፥
ስለ ኣታኽልቲ ወይኑ ንፈታዊየይን፥
ቅኔ እቕነ ኣለኹ።
ንፈታዊየይ ኣብ ልዕሊ ፍርያም ኰረብታ፥
ናይ ወይኒ ቦታ ነበሮ።
2ኰዓቶ፤ ነእማኑ ኸዓ ኣርዩ ኣውፅኦ እሞ፥
ዝተመረፀ ተኽሊ ወይኒ ተኸለሉ፤
ኣብ ማእኸሉ ድማ መሐለዊ ግንቢ ሰርሐሉ፤
መፅመቚ ወይኒ ኸዓ ኣብ ውሽጡ ዀዓተሉ።
ወይኒ ኸፍሪውን ተፀበየ፤ ግና መፂፅ ፍረ ፈረየ። #ማቴ. 21፡33፥ ማር. 12፡1፥ ሉቃ. 20፡9።
3“ሕዚ እውን ኣቱም ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ሰብ ይሁዳ፥ እስኪ ሕዚ ኣብ መንጎይን፥ ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይነይን ፍረዱ። 4ነታኽልቲ ወይነይ ካብዝ ዝገበርኩሉ ንላዕሊ፥ እንታይ ክግበረሉ ይግባእ ነይሩ? ጥዑም ወይኒ ኽፈሪ እዩ ኢለ እናተፀበኽዎስ፥ ስለ ምንታይ እዩ መፂፅ ፍረ ዝፈረየ?
5“እምበኣርከስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝገበሮ ኽነግረኩም፦ ንሓፁሩ ኽነቕሎ እየ፤ መጓሰዪ ኸዓ ክኸውን እዩ፤ ንመካበቢያኡ ኸዓ ኸፍርሶ እየ፤ መራገፂውን ክኸውን እዩ። 6ከባድሞ እየ፤ ኣይዅስኰስን ኣይቝረፅንውን እዩ። እሾዅን ኳዂቶን ከዓ ኽበቝሎ እዩ፤ ዝናም ከየዝንሙሉ ንደመናት ክእዝዞም እየ።”
7ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ቤት እስራኤል እዩ። እቶም ኣታኽልቲ ደስታኡ ድማ ህዝቢ ይሁዳ እዮም፤ ፍትሒ ተስፋ ይገብር ነበረ፤ ግና ምፍሳስ ደም ኮነ፤ ፅድቂ ተፀበየ፤ እንሆ ኸዓ ኣውያት ኮነ።
ደቂ ሰብ ዝገብርዎ ኽፍኣት
8ንስኻትኩም በይንኹም ኣብ ማእኸል ሃገር ምእንቲ ኽትነብሩስ፥ ንኻልእ እናሰጐጕኩም ስፍራ ኽሳዕ ዝሰኣን፥ ገዛ ምስ ገዛ ንዘተሓሕዙ፥ ግራትውን ምስ ግራት ንዘቀራርቡ ወይለኦም! 9ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብእዝነይ ከምዙይ በለኒ፦ “ብሓቂ ብዙሕ ዓበይትን ፅቡቕን ኣባይቲ ኽዓኑ እዩ፤ ዝነብረሉውን ኣይርከብን። 10ዓሰርተ ፅምዲ ብዕራይ ካብ ዘውዕል ናይ ወይኒ ቦታ፥ ሓደ መስፈሪ ባዶስ #5፡10 ሓደ መስፈሪ ባዶስ፦ “40 ሊትሮ” ኣቢሉ ይኸውን። ጥራሕ ፅማቝ ወይኒ ኽወፅእ እዩ። ሓደ መስፈሪ ቆሮስ #5፡10 ሓደ ቆሮስ፦ “400 ኪሎ” ይኸውን። ዘርኢ፥ ሓደ መስፈሪ ኢፍ #5፡10 ሓደ ኢፍ፦ “40 ኪሎ” ይኸውን። ዝኣክል እኽሊ ጥራሕ ይህብ።”
11እቶም ስኽራን ንምኽታል ኣንጊሆም ንዝትስኡ፥ ወይኒ ኽሳዕ ዘቃፅሎም ድማ ኽሳዕ ለይቲ ንዝድንጕዩ ወይለኦም! 12ኣብ ድግሶም ጭራን ከበሮን እምብልታን ወይንን ኣሎ፤ ንግብሪ እግዚኣብሄር ግና ኣየስተውዓልዎን፤ ነቲ ኢዱ ዝገበረቶውን ኣይተመልከትዎን። 13ስለዙይ ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ተማሪኹ ኸደ፤ ክቡራቶም ብጥሜት ይሞቱ፥ እቶም ህዝቦም ድማ ብፅምኣት ይነቕፁ ኣለዉ። 14ስለዙይ ሲኦል ከብዳ ኣስፍሐት፤ ኣፋውን ብዘይ ልክዕ ከፈተት፤ እቶም ክቡራቶምን ዓበይቶምን ሃብታማቶምን ሕጉሳቶምን ናብኣ ኽወርዱ እዮም።
15ሰብ ክዓብር፥ ሰብ ድማ ኽዋረድ እዩ፤ ኣዒንቲ ዕቡያትውን ክዋረዳ እየን። 16ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ግና፥ ብፍትሒ ልዕል ልዕል ይብል፤ እቲ ቅዱስ ኣምላኽውን ብፅድቂ ይቕደስ። 17ሽዑ ጡበታት ኣባጊዕ ኣብ ውሽጢ መውፈሪኦም ክጓሰዩ እዮም፤ ነቲ ዝባደመ ቦታ ሃብታማት ከዓ፥ ጓኖት ክበልዕዎ እዮም።
18እቶም ንበደል ብገመድ ሓሰት፥ ንሓጢኣት ከዓ ብመእሰሪ ሰረገላ ናብኣቶም ንዝስሕብዎ፥ 19“ብዓይንና ኽንሪኦስ ይቐልጥፍ፤ ንተግባሩውን የቐልጥፎ፤ ምእንቲ ኽንፈልጦ ድማ ምኽሪ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ትቕረብ፤ ትምፃእውን” ንዝብሉ ወይለኦም!
20እቶም ነቲ ኽፉእ ሰናይ፥ ንሰናይ ከዓ ኽፉእ ዝብሉ፥ ንፀልማት ብርሃን፥ ንብርሃን ድማ ፀልማት ዝገብርዎ፥ ንመሪር ጥዑም፥ ንጥዑምውን መሪር ዝገብርዎ፥ ወይለኦም!
21እቶም ብዓይኖም ፈላጣት፥ ብርእሶምውን መስተውዓልቲ ዝኾኑ ወይለኦም!
22እቶም ንምስታይ ወይኒ ሓያላት ዝኾኑ፥ ዘስክር መስተ ንምሕውዋስ ድማ ብርቱዓት ዝኾኑ፥ 23ጉቦ ተቐቢሎም ንበደለኛ ዘፅድቕዎ፥ ንፃድቕ ድማ ፅድቂ ዘግድፍዎ፥ ወይለኦም! 24ንሕጊ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንዒቖምዎ፥ ንቓል እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ኣቃሊሎምዎ እዮም እሞ፥ ከምቲ ልሳን ሓዊ ንብርዒ ዘንድዶ፥ ንቑፅ ሳዕሪ ኸዓ ብሃልሃልታ ሞዅ ዝብል፥ ሱሮም ዝበዅበዀ ክኸውን፥ በቚሎም ከዓ ኸም በነንታ ኽበንን እዩ። 25ስለዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ነደደ፤ ኢዱ ኸዓ ኣብኣቶም ዘርጊሑ ወቕዖም፤ እምባታት ኣንቀጥቀጡ፤ ሬሳኣቶም ድማ፥ ከም ጐሓፍ ኣብ ማእኸል ኣደባባይ ኮነ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን፥ ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
26ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኣህዛብ ድማ ምልክት ከቕውም እዩ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ ብፋፃ ኽፅውዖም እዩ፤ እንሆ እናጐየዩ ተቐላጢፎም ክመፁ እዮም። 27ኣብ ማእኸሎም ድኹምን ሰንከልከል ዝብልን የብሎምን፤ ሓደ እኳ ዝታኸስን ዝድቅስን ኣይህሉን፤ ቅናት ሕቘኦም ኣይፍታሕን፤ ስራኽ ኣሳእኖም ከዓ ኣይብተኽን እዩ። 28ፍላፃታቶም በላሕቲ እየን፤ ኵሉ ቐስቶም ድማ ግቱር እዩ፤ ሸዀና ኣፍራሶም ከም ኣዝሒት፥ መንኰራዅር ሰረገላታቶምውን ከም ኣውሎ ንፋስ እዩ። 29ድምፆም ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ ከም ሽደን ኣንበሳውን ይጓዝሙ፤ ግዳዮም ሒዞም ይጓዝሙ፤ ይወስድዎውን፤ ዘናግፍውን የለን።
30በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሞገድ ባሕሪ እናሃመሙ ኽመፁዎም እዮም። ናብ ምድሪ እንተ ተመልከቱ፥ እንሆ ፀልማትን መከራን ኣሎ፤ ብርሃንውን ኣብ ውሽጢ ደመናታት ይፅልምት።

Currently Selected:

ኢሳይያስ 5: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in