ኢሳይያስ 28
28
ንሰሜናዊ መንግስቲ ዝተውሃበ መጠንቀቕታ
1ንሰካራማት ኤፍሬም ናይ ትዕቢት ኣኽሊል ንዝኾነት፥ ኣብ ልዕሊ ዝለምለመ ለሰ ጉብ ኢላ፥ ናይ ክብሩ መልክዕ ዝኾነት ፅምልውቲ ዕምበባ፥ ብመስተ ወይኒ ዝተሰነፉ መመክሒት ንዝኾነት ወይለኣ! 2እንሆ፥ ሓደ ብርቱዕን ሓያልን ካብ እግዚኣብሄር፥ ተዳልዩ ኣሎ። ንሱ ኸም ብርቱዕ ዝናም በረድን ከም ዘጥፍእ ንፋስ ኣውሎን፥ ከም ብርቱዕ ፃፊዓ ውሕጅን ኮይኑ፥ ብሓይሊ ናብ ምድሪ ኽድርበ እዩ። 3ትዕቢት ኣክሊል ናይቶም ሰካራማት ኤፍሬም ከዓ፥ ብእግሪ ኽርገፅ እዩ። 4እቲ ኣብ ርእሲ እታ ልምዕቲ ለሰ ዘሎ፥ ናይቲ ኽቡር ሽልማቱ ዝፀምለወት ዕምበባ፥ ከምታ ቕድሚ ቐውዒ ቐዲማ ዝበሰለት በለስ ክትከውን እያ፤ ሰብ ምስ ረአያ ገና ኣብ ኢዱ እንተላ ቐልጢፉ ይውሕጣ።
5በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ነቶም ተረፍ ህዝቡ፥ ዘውዲ ኽብርን ሽልማት ኣኽሊልን ክኾኖም እዩ። 6ንሱ ነቲ ኽፈርድ ዝቕመጥ፥ መንፈስ ፍትሒ፥ ነቶም ንውግእ ናብ ኣፍ ደገ ዝመልሱ ኸዓ ሓይሊ ክኾኖም እዩ።
ኢሳይያስን ሰካራማት ነቢያት ይሁዳን
7ግናኸ እዚኣቶም ድማ ብወይኒ ሰንደልደል ይብሉ፤ ብሰንኪ ብርቱዕ መስተ ኸዓ ይሰናኸሉ። ካህናትን ነቢያትንውን ብዘስክር መስተ ሰንደልደል በሉ፤ ብወይኒ ተውሓጡ፤ ብብርቱዕ መስተ ሰንደልደል ይብሉ ኣለዉ። ራእይ እንትሪኡ ይስሕቱ፤ እንትፈርዱ ኸዓ ይጋገዩ። 8ኵሉ ማእዲ ብትፋኦም ርኵሰት ዝመልአ እዩ፤ ንፁህ ቦታ ኸቶ የለን።
9“ንመን እዩ ፍልጠት ዝምህር? ወረ ምስትውዓልከ ንመን እዩ ዝህብ? ነቶም ፀባ ዝሓደጉ? ወይ ከዓ ነቶም ጡብ እኖኣቶም ዝሓደጉ ድዩ? 10ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፤ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፤ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፤ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፤ ውሑድ ኣብዙይ፤ ውሑድ ኣብቱይ እዩ።”
11እምበኣር እግዚኣብሄር ብዀርታዕ ከናፍርን ብቛንቋ ጓናን ነዝ ህዝቢ እዙይ ክዛረቦ እዩ። 12#1 ቆሮ. 14፡21። “ንሱ ግና እዚኣ እያ ዕረፍቲ፤ ንዝደኸመ ኣዕርፍዎ፤ እዚኣ እያ ቅሳነት” ኢልዎም ነይሩ፤ ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ። 13ስለዙይ ቃል እግዚኣብሄር፥ ንኣኣቶም ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፥ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፥ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፥ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ስርዓት፥ ቍሩብ ኣብዙይ፥ ቍሩብ ኣብቱይ ክኾኖም እዩ። ስለዙይ ክኸዱ እንተለዉ ጥንቅልዒት ክወድቑ ክስበሩ ብመፈንጠርውን ክትሓዙ እዮም።
እምኒ መኣዝን ፅዮን
14ስለዙይ ኣቱም ነዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ህዝቢ እተመሓድሩ መላገፅቲ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። 15ንስኻትኩም “ምስ ሞት ኪዳን ተኣታቲና፥ ምስ ሲኦልውን ተወዓዒልና፤ ንሓሰት መፀግዒና፥ ንጥልመትውን መኸወሊና ጌርና ኢና እሞ፥ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽመፅእ እንተሎ ኣባና ኣይበፅሕን እዩ” ትብሉ ኣለኹም እሞ፥ 16#መዝ. 118፡22-23፥ ሮሜ 9፡11፥ 1 ጴጥ. 2፡6። ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ኣብ ፅዮን እምኒ መሰረት፥ ፍቱን እምኒ፥ ድልዱል ዝመሰረቱ፥ ክቡር እምኒ መዓዝን ኣንብር ኣለኹ፤ ብእኡ ዝኣምን ኣይሓፍርን እዩ። 17ፍትሒ፥ ንመዐቀኒ ገመድ፤ ፅድቂ ድማ፥ ንመለክዒ ቱምቢ ኽገብር እየ።”
በረድ ንመሕብኢ ሓሰት ክፀርጎ፥ ማያትውን ነቲ መኸወሊ ኽሽፍኖ እዩ። 18እቲ ምስ ሞት ዝኣተኹምዎ ኪዳን ክፈርስ፥ እቲ ምስ ሲኦል ዝተወዓዓልኩምዎ ውዕሊ ኸዓ ኣይፀንዕን እዩ፤ መዓት ከም ደምሳሲ ውሕጅ ኮይኑ ኽሓልፍ እንተሎ፥ ብእኡ ኽትርገፁ ኢኹም። 19ንግሆ ንግሆ፥ ለይትን መዓልትን ክሓልፍ እዩ እሞ፥ ብዝሓለፈ ቝፅሪ ኽወስደኩም እዩ። ነዝ መልእኽቲ እዙይ ምስማዕ ራዕዲ ይኸውን። 20ሽዑ ኸምቲ ዓራት ሓፂርዎ ምስፋሕ ዝሰኣነ፥ ነፀላኡ ንኢስዎ መደረብታ ዝሰኣነ ሰብ ክትኮኑ ኢኹም። 21#2 ሳሙ. 5፡20፥ 1 ዜና. 14፡11፥ ኢያሱ 10፡10-12። እግዚኣብሄር ነቲ ተኣምራታዊ ስራሑ ምእንቲ ኽገብር፥ ነቲ ጋሻ ዝኾነ ተግባሩ ምእንቲ ኽፍፅም፥ ከምቲ ኣብ እምባ ፐራሲም ዝነበረ ይትስእ፤ ኣብ ለሰ ገባዖን ከም ዝነበረ ኸዓ ይቝጣዕ።
22ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ተኣዚዙ ኸም ዘሎ፥ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ሰሚዐ ኣለኹ እሞ፥ ማእሰርትኹም ከይፀንዕ ደጊም ኣይተላግፁ።
ጥበብ እግዚኣብሄር
23ፅን በሉ፤ ድምፀይ ስምዑ፤ ኣስተብህሉ፤ ዘረባይ ድማ ስምዑ። 24ክዘርእ ኢሉ ዅልሻዕ ንግራቱ ዝሓርስን ዝባሩን ዝጕልጕልን ሓረስታይዶ ኣሎ እዩ? 25ንግራቱ ምስ ኣተኻኸሎ፥ ሰሰግን ከሙንን ኣይዘርእንዶ? ስርናይ ኣብቲ ትልምታት፥ ስገም ድማ ኣብ ዝተመደበ ቦታዶ ኣይዘርእን? ንሂጕውን ኣብ ቦታኡዶ ኣይዘርእን? 26እዙይውን ኣምላኹ ይምህሮን፥ የፍልጦን እዩ። 27ንሰሰግ ብኣብዑር፥ ንከሙን ብመንኰራዅር ሰረገላ ኣየኺዶን እዩ። እኳ ደኣ ንሰሰግ ብጨንፈር፥ ንከሙን ድማ ብሸቦጥ እዩ ዝዘብጦ። 28እኽሊ ይጠሓን እምበር ንሓዋሩ ኣየኺዶን እዩ፤ መንኰራዅር ሰረገላን ኣፍራስን እንተኽየደሉ እኳ ኣይጠሓንን እዩ። 29እዝ ዅሉ ኻብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝወፀ እዩ። ንሱ ብምኽሩ ዘገርም፥ ብጥበቡውን ዓብዪ እዩ።
Currently Selected:
ኢሳይያስ 28: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: