YouVersion Logo
Search Icon

ኢሳይያስ 27

27
1 # ኢዮብ 41፡1፥ መዝ. 74፡14፥ 104፡26። በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ዓቢይን ሓያልን ሰይፉ ገይሩ፥ ነቲ ቕልጡፍ ተመን ንሌዋታን፥ ነቲ ዝጠዋወ ተመን ንሌዋታን ክቐፅዖ፥ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ከዓ ኽቐትሎ እዩ። 2በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ እቲ ዝተፈተወ ኣታኽልቲ ወይኒ ዘምሩ። 3ኣነ እግዚኣብሄር እሕልዎ፤ ኵልሻዕ ማይ ኣስትዮ፤ ሓደ እኳ ኸይጐድኦ፥ ለይትን መዓልትን እሕልዎ ኣለኹ። 4ደጊም ቍጥዓ የብለይን፤ ኳዂቶን እሾዅን ክዋግኡኒ እንተ ዝትስኡ፥ ተሲአ ብሓደ መቃፀልክዎም። 5ወይ ከዓ ምሳይ ሰላም ይግበር፤ ንሓይለይ ይሓዝ፤ ምሳይ ሰላም ይግበር። 6በቲ ዝመፅእ ዘመን፥ ያእቆብ ሱር ክሰድድ እዩ፤ እስራኤልውን ክጭብጭብን ክዕምብብን እዩ። ብፍረኦም ድማ ንዓለም ክመልእዋ እዮም።
7ከምቲ ነቶም ወቓዕቱ ዝወቕዖምዶ ወቒዕዎ እዩ? ወይ ከዓ ንቕቱላቱ ኸም ዝቐተሎምዶ ተቐቲሉ እዩ? 8ኰብኰቦም፤ ሰጐጎም፤ ቀፅዖም፤ ንፋስ ምብራቕ ከም ዝነፍስ ብሓያል ህቦብላ ኣወገዶም። 9እቲ ንጣዖት ዝስውኡሉ እምንን መሰውኢ ዕጣንን፥ ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ምስ ኣፍረሰን፥ ከም ኖራ ምስ ጠሓነን እዩ፥ በደል ያእቆብ ዝስረየሉ፤ እዙይውን ፍረ ምውጋድ ኵሉ ሓጢኣት እዩ።
10እታ ዕርድቲ ኸተማ በይና ኾነት፤ ሰብ ከም ዘይብሉ ምድረ በዳ ድማ ኾነት፤ ኣብኣ ምራኽ ይጓሰ፤ ኣብኣውን ይውዕልን፥ ጨናፍራ ኸዓ ይበልዕ ኣሎ። 11ጨናፍራ ምስ ነቐፀ ይስበር፤ ኣንስቲ እውን መፂአን የንድዳኦ። ምስትውዓል ዘይብሉ ህዝቢ እዩ እሞ፥ ስለዙይ እቲ ፈጣሪኡ ኣይርህርሀሉን፤ እቲ ሰራሒኡውን ኣይምሕሮን እዩ።
12በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፦ እግዚኣብሄር ኻብ ወሓዚ ፈለግ ኤፍራጥስ ጀሚሩ፥ ክሳዕ ፈለግ ግብፂ እኽሉ ኸኽይድ እዩ፤ ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ በብሓደ ተኣሪኹም ክትእከቡ ኢኹም። 13በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ኣብ ሃገር ኣሶር ዝጠፍኡ፥ ኣብ ግብፂ ተሰጒጎም ዝነበሩ ኽመፁ እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ክሰግዱ እዮም።

Currently Selected:

ኢሳይያስ 27: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in